እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ መሰል ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ክኽበር ኣዚዙ
ድሕሪ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ብዝተልዓለ ዕግርግር ተኣሲሩ ዝርከብ ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ ኣያለው፡ ቅድም ክብል ብናይ 100 ሽሕ ብር ዋሕስ ክፍታሕ ዝተወሰነ ውሳነ ተፈጻሚ ክኸውን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ ከምዝኣዘዘ ፕረዚደንት ወድብ ኢዴፓ ኣቶ ኣዳነ ገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ምእጋድ ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ንምርኣይ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ፡ ነቲ ቅድም ክብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሸዋ ዝወሰኖ ናይ 100 ሽሕ ብር ዋሕስ ተፈጻሚ ክኸውን ኣዚዙ ኣሎ።
ቅድም ክብል ኣቶ ልደቱ መሰል ዋሕስ ተኸቢሩሉ፡ ጉዳዩ ብደገ ኮይኑ ክከታተል ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሸዋ ወሲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ቢሾፍቱ ግን ''ብሓደራ እየ ተቐቢለዮ'' ብምባል ኣይፈትሖን።
ኣቶ ልደቱ እዚ ጉዳይ ሎሚ እውን ከይድገም ስግኣት ከምዘለዎ ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዝሓበረ ኣቶ ኣዳነ ይዛረብ።
''ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኩነታት ብምጥቃስ፡ ፖሊስ ኣይሰድድን ክብል ይኽእል እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቤት ፍርዲ ካብዚ ብናጻ ይስደደኒ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ነይሩ። ኮይኑ ግና እቲ ቤት ፍርዲ ንፖሊስ ህጹጽ ትእዛዝ ብምሃብ ናብቲ ናይ 100 ሽሕ ብር ዋሕስ ዝወሰነ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሽዋ ክበጽሕ ኣዚዙ'' ብምባል ገሊጹ።
ቤት ፍርዲ ብዋሕስ ክፍታሕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ዓቃቢ ሕጊ መሰል ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ክእገድ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ ተዘዋዋሪ መጋባእያ ክሲ ኣቕሪቡ።
መስከረም 20/2013 ኣኢ ድማ፡ ኣቶ ልደቱ እንድሕር ብዋሕስ ተፈቲሑ ናይ ወጻኢ ናይ ሕክምና ቆጸራ ስለዘለዎ ከይዱ ክተርፍ ይኽእል እዩ፣ መሰኻኽር ከፈራርሕ ይኽእል እዩ፣ ዝተኸሰሰሉ ናይ መሳርሒ ኩናት ክሲ ካብ 18 ክሳብ 20 ዓመት ዘፍርድ እዩ ዝብሉ ከም ምኽንያታት መከላኸሊ ኣቕሪቡ።
ኣቶ ልደቱ ብወገኑ፡ ናይ ወጻኢ ናይ ሕክምና ቆጸራ ከምዘለዎ ባዕሉ ከምዝሓበረን፡ ብዝኸዶ ከምዘይተርፍን ብተወሳኺ መሳርሒ ኩናት ከምዝተረኸቦ ኣሚኑ እናሃለወ መሰኻኽር ዘፈራርሓሉ ምኽንያት ከምዘይብሉ ገሊጹ ከምዝተኸራኸረ ኣቶ ኣዳነ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ እቲ ብረት ዝሃቦ መንግስቲ ከምዝኾነን ሕዚ እውን ከሳሲኡ መንግስቲ ከምዝኾነን ገሊጹ እዩ።
''ብመሰረት እቲ ኣብ ኦሮምያ ዘሎ ሕጊ ድማ ሕጋዊ ክገብሮ ተባሂለ'የ ክሕተት ዘለኒ እምበር ከኽስሰኒ ዝኽእል ሰለዘይኮነ፡ ናይ ዋሕስ ሕቶይ መልሲ ክረክብ ኣለዎ'' ኢሉ ተኸራኺሩ።
ሎሚ ነቶም ክርክራት ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ድማ ኣቶ ልደቱ ብደገ ኮይኑ እንተተኸራኺሩ፡ ካብ ፍርዲ ክሃድም እዩ ኢሉ ከምዘይኣምን፡ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ልምዲ፣ ዘለዎ ተቐባልነት፣ ሕዚ እውን ሕጊ ኣኽቢሩ ይንቀሳቐስ ምህላዉ ስለዝረኣየን እንተተፈተሐ ብዝወጾ ክተርፍ እዩ ኢሉ ስለዘይኣምን ንክሲ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ውዱቕ ከምዝገበሮ ኣቶ ኣዳነ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ ብረት ክሲ ካብ 18 ክሳብ 20 ዓመት ዘፍርድ እኳ እንተኾነ፡ በቲ መሳርሒ ብረት ዝሞተ ሰብ ስለዘየለ፣ ክቕተል ዝተሓሰበ ሰብ ስለዘየለ፡ በዚ ድማ ክብደት እቲ ክሲ እቲ ቤት ፍርዲ ስዘይኣመነሉ እቲ ቅድም ክብል ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሽዋ ዝወሰኖ ናይ 100 ሽሕ ብር ዋሕስ ይፈታሕ ዝብል ውሳነ ተፈጻሚ ክኸውን ወሲኑ።
ናይ ልቢ ሕማም ዘለዎ ኣቶ ልደቱ ብዛዕባ ጥዕንኡ ተሻቒሉ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ኣዳነ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቢሾፍቱ ዘሎ ኣተሓሕዛ ግን ጽቡቕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ኣቶ ልደቱ ኣብዚ እዋን ናብ ጣብያ ፖሊስ ቢሾፍቱ ይውሰድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ኣዳነ፡ ሕዚ'ውን ስግኣት ከምዘለዎምን ውሳነ ፖሊስ ስርዓተ ፍትሒ ዘርእይ ከምዝኸውንን ገሊጹ።