“ልደቱ በቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት፡ ምሉእ ንምሉእ ተስፋ ቆሪጹ እዩ”

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፡ ብዋሕስ ምኢቲ ሽሕ ብር ክፍታሕ ቅድም ክብል ዝተወሰነ ውሳነ ክፍጸመሉ ቤትፍርዲ እኳ እንተኣዘዘ፡ ፖሊስ ግን ኣይፈትሕን ከምዝበለ ፕረዚደንት ኢዴፓ ኣይተ ኣዳነ በየነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ፖሊስ ኣይፈትሕን ስለዝበለ፡ ተስፋ ቆሪጽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊስና’ለና። ልደቱ’ውን ዝኾነ ነገር ከይግበር ኢሉ ስለዝኸልከለ፡ ድሕሪ ሕዚ ኣብ’ቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት እንገብሮ ተወሳኺ ምንቅስቓስ ኣይህሉን። ንሱ’ውን ከልኪሉና እዩ፡ ንሕና’ውን ኣይንኣምነሉን” ኢሉ ኣይተ ኣዳነ።

ልደቱ በቲ ናይ ፍትሒ ስርዓት ተስፋ ከምዝቖረጸ ብምግላጽ “ድሕሪ’ዚ ነቲ ዝኸውን ምጽባይ እዩ’ምበር ናብ ዝኾነ ኣይትኺዱ ኢሉና’ዩ” ይብል።

ውሳነ ቤት ፍርዲ ብፈጻሚ ኣካል ይሰዓር ምህላዉ ብምጥቃስ “ቤት ፍርዲ ዓቕሚ ኣለዎ ኢልና ኣይንኸይድን። ነቲ ናይ ፍርዲ ከይዲ ብዝደለይዎ መገዲ እዮም ዝወስድዎ። ፖለቲካዊ ውሳነ እዩ” ክብል ወሲኹ።

ትማሊ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ከምዘፍለጡ ድማ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽነር፡ ምስ ፖሊስ ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹልና እዩ ድማ ይብል ኣይተ ኣዳነ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደብዳበ ከምዘእተዉ’ውን ይገልጽ።

“ዝኾነ ይኹን ኣካል ንውሳነ ቤት ፍርዲ ተገዛኢ ክኸውን ኣለዎ። ልዕልነት ሕጊ እናተጥሓሰ እንተኸይዱ፡ ስርዓት ኣልቦነት ነጊሱ’ሎ ማለት እዩ። እቲ ፈጻሚ ኣካል፡ ልዕሊ ዝኸነ ቁጽጽር ኮይኑ’ሎ። ነዚ ዝገብር ዘሎ ድማ ናይ’ቲ ፖለቲካ ስርዓት እዩ” ይብል ኣይተ ኣዳነ።

ቅድም ክብል ኣቶ ልደቱ መሰል ዋሕስ ተኸቢሩሉ፡ ጉዳዩ ብደገ ኮይኑ ክከታተል ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሸዋ ወሲኑ'ኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ቢሾፍቱ ግን ''ብሓደራ እየ ተቐቢለዮ'' ብምባል ኣይፈትሖን።

ትማሊ ሰሉስ ድማ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ እቲ ቅድም ክብል ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሸዋ ዘሕለፎ ናይ ዋሕስ መሰል ተፈጻሚ ክኸውን እኳ እንተወሰነ፡ ኣይተ ልደቱ ግን ዛጊድ ክፍታሕ ኣይከኣለን።

ኣይተ ልደቱ 24 ሓምለ፡ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፖሊስ ፈዴራል ተታሒዙ ናብ ከተማ ቢሾፍቱ ተወሲዱ ዝተኣሰረ።

እቲ ስሙይ ተቓዋሚ፡ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ንዝነበረ ናዕቢ ኣዋሃሂድካ ብዝብል ምኽንያት ከምዘተኣሰረ ፕረዚደንት ኢዴፓ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ኣብ'ቲ እዋን ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

ኣቶ ልደቱ መስራትን ኣባል ኣመራርሓን ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይቲ ሰልፊ ኣባል ቤት ምኽርን ‘ኣብሮነት’ ናይ ዝተብሃለ ጥምረት ሰልፍታት ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ወኪል እዩ።

ኣቶ ልደቱ ኣብቲ ኣብ 1997 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጎሊሁ ዝወጽአ ኾይኑ፡ ንፖሎቲካዊ ህይወቱን ንፖሎቲካ ኢትዮጵያ ዝምልከትን መጻሕፍቲ ኣበርኪቱ እዩ።