ኣብ ኣመሪካ፡ ፖሊስ ንጸሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ድሕሪ ምውቅዑ ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ሃገር ዊስካንሶን፡ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ብጥይት ተኵሱ ምስ ሃረሞ ዝተላዕለ ሓያል ህዝባዊ ተቓውሞ ንኻልኣይ ለይቲ ቀጺሉ ውዒሉ።

እቲ ብጥይት ዝተወቕዐ ሰብኣይ ጃኮብ ብለክ ዝተባህለ ኮይኑ፡ ኣብ ሆስቲታል ሕክምናዊ መጥባሕቲ ከም ዝተገብረሉን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ርጉእ ኩነታት ከም ዘሎን ስድራ ቤቱ ገሊጾም።

ብለክ ናብ መኪንኡ ክኣቱ ክፍትን እንከሎ ብድሕሪኡ ብጥይት ከም ዝተሃረመ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርኢ።

እቲ ኣባል ፖሊስ ንዘቤታዊ ጐነጽ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ኣብቲ ቦታ ከም ዝኸደ ይግለጽ።

ብሰንኪ እቲ ኣብታ ከተማ ተለዒሉ ዘሎ ናዕቢ፡ ሰብ መዚ እታ ከተማ እዋን ህጹጽ ግዜ ኣዊጆም ኣለው።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ናብ ዋና ምምሕዳር ፖሊስ እታ ከተማ ብምኻድ ብዙሓት መካይን ከም ዘቃጸሉን "ኣይንብርከኽን ኢና" እናበሉ ይጭርሑ ከም ዝነበሩን ተገሊጹ።

ፖሊስ እታ ከተማ፡ ብብዙሓት ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ተኸቲርና ዝብል ጥርዓን ከም ዝተቐበለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንወነንቲ ዋኒን ንብረቶም ክዓጽዉ ተላብዩ።

ፖሊስ፡ ነቶም እዋን ህጹጽ ግዜ ጥሒሶም ኣብ ጎደናታት ተቓውሞ ዘካይዱ ዘለው ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ከም ዝተኮሰ'ውን ተፈሊጡ።

ኣማሓዳሪ ክፍለ ሃገር ዊስካንሶን ቶኒ ኤቨረስ፡ ንስጉምቲ እቲ ፖሊስ ኮኒንዎ'ሎ።

"ኣብዚ እዋን ዝርዝራዊ ሓበሬታ የብልናን። ጸለምቲ ብፖሊስ ብዘይንሕስያ ክሞቱን ክጉድኡን እዚ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ እቲ ኣባል ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ጥርዓን ኣቕሪቦም ኣለው።

ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሰልፊ ዲሞክራት ጆ-ባይደን፡ ትማሊ ሰኑይ ምሉእን ንጹርን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ'ሎ።

ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብሰንኪ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ሓያል ቁጥዐ ተላዒሉ ነይሩ።

ብምኽንያት እዚ ኣብ ኩለን ከተማታት ኣመሪካ ሓያሎ ንብረት ዓንዩን ተቓጺሉን።

ነቲ ዝነበረ ናዕብታት ንምህዳእ ኣብ ኣስታት 60 ከተማታት ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ነይሩ። እንተኾነ፡ ሰባት ነቲ ኣዋጅ ሰዓት እቶ እቶ ኣየኽበርዎን።

ወዲ 46 ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድረክ ቹቫን ዝተባህለ ጻዕዳ ኣባል ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ብብርኩ ረጊጹ ምስትንፋስ ምስከልአ እዩ ህይወቱ ሓሊፉ።

እቲ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣብ ምሉእ ዓለም ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ። እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ቁጠዐ ክሳብ ሕጂ ኣይሃድአን ኣሎ።