እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ምርቃቕ ኣዋጅ ሕግን ምጥያሽ ኮምሽን መረጻን ኣሳታፊ ኣይነበረን" ውድባት ተቓውሞ ትግራይ
ኣብ ትግራይ መረጻ ክካየድ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ዝጸንሑ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት፡ መንግስቲ እቲ ክልል መረጻ ክካየድ ምውሳኑ'ኳ እንተነኣዱ፡ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ ግን ኣሳታፊ ከምዘይኮነ ይገልጹ።
ብፍላይ ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ዝነበሮም ኣመራርሓ ውድባት ሳወትን ውናትን፡ ኣብቲ መረጻ ዝሳተፉ ብሰለስቲኦም ተቓወምቲ ውድባት ባይቶና ሓዊሱ ዝቐረቡ ሓሳባት ተቐባልነት ከምዘይረኸቡን ኣባላቶም ይከላበቱ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።
ወድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ "መረጻ ምግባር መንግስቲ ምቛም፣ ሉኣላውነት ህዝቢ ምርግጋጽን ኣብ ትግራይ ሰነያ/ሕብረት ውህደት ምፍጣርን እዩ፤ ብህዝቢ ዝተፈጠረ መንግስቲ እንተኾይኑ ሓድነት ይፈጥር እዩ" ኢሉ ስለዝኣምን ኣብ ትግራይ መረጻ ክግበር ድፍኢት እናገበረ ምጽንሑ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ይገልጽ።
ኮይኑ ግና ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ዝተዳለዉ ኣዋጅ መረጻን ኣዋጅ ኮምሽንን፡ ተሳትፎ ተነሓናሕቲ ውድባት ኣዝዩ ትሑት ከምዝነበረ ይዛረብ።
"እቶም ኣዋጃት ተዳልዮም መጺኦም፡ ርእይቶኹም ሃቡ ተባሂልና፡፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ዙር ርእይቶታትና ሂብና፡ ንሕና ከም ውድብ 12 ገጽ ዘለዎ ዝርዝር ጉዳይ ክመሓየሹ ይግበኦም ዝበልናዮም፡ ንፖለቲካ ትግራይ ንሕና'ውን ከም ውድብ ከነዐውቶ እንደልዮ ሓሳባት ኣሎ። ስለዚ ብመንጽር እዚ ኢና እቲ ርእይቶታት ሂብናዮ፡፡ እዚኦም ከይተርኣዩ፡ ዝኮነ ምምሕያሽ ከይተገበረሎም" ይብል ኣቦ መንበር ውድብ ሳወት ኣይተ ሃያሉ፡፡
ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ፡ "መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝቕበሉ" ዝብል ብመንግስቲ ዝቐረበ መዐቀኒ ብመሰረት ካብቶም ውድባት ዝቐረበ ርእይቶ ናብ "ሕገ መንግስቲ ዝቕበሉ" ከምዝተቐየረ ዝገልጽ ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ፡ "ካብኡ ዝተረፈ ግን እቶም ወሰንቲ ዝበሃሉ ዘቕረብናዮም ጉዳያት፡ ብፍላይ ምስ ምቕያር ስርዓት መረጻ ዝተመጣጠነ (proportional) ክኸውን፥ እቲ ኮምሽን ሕገ-መንግስታዊ መሰረት ክህልዎ ምኽንያቱ ዲሞክራስያዊ ስለዝኾነ ናይ ሕጊ ውሕስና የድልዮ እዩ ነይሩ" ዝብሉ ግን ተቐባልነት ከምዘይረኸቡ ይገልጽ።
ኣብ ጉዳያት ፋይናንስ፥ ሚድያን ካልኦት ጉዳያትን ዘቕረብዎም ሓሳባት'ውን ከየካተቱ እቶም ኣዋጃት ከምዘጽደቑዎም ኣቦ መንበር ሳወት ኣይተ ሃያሉ ወሲኹ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኣብ ሕርያ ኣፈጸምትን ኣባላትን ኮምሽን መረጻ 'ውን ሲቪክ ማሕበራት፥ ምሁራት ሕግን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ ሰለስቲኦም ውድባት ዘቕረቡዎ 12 ነጥብታት ዘካተተ ሓሳብ እቲ ቤት ምኽሪ ከምዘይተቐበሎ ዝገልጽ ኣይተ ሃያሉ "ኣብ ምሕራይ ኣብ ምጥቋም ናብቲ ፕረዚደንት ኣብ ምቕራብ ዝተሳተፉ ኣካላት ብዋናነት ምስቲ ውድብ ቅርበት ዘለዎም፥ ነቲ ውድብ ዝድግፉ ማሕበር መናእሰይ፥ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ፥ ማሕበር ሓረስቶት ከምዝኾኑ ይዛረብ።
"ኣብቶም ውልቀ ሰባት እምነት የብልናን ኣይኮናን እንብል ዘለና፡እቶም ወልቀ ሰባት ዝመጽእሉ መስርሕ ግን ዲሞክራስያዊ ኣይኮነን፡፡ ሰለስቲአና ውድባት ዘቕረብናዮ፡ ዓሰርተ ሰባት ይመረጹ እሞ ኣርባዕቲአን ውድባት ድምጺ ይሃባ። ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ ሓሙሽተ ሰባት ከኣ ይምረጹ ዝብል እዩ። እቲ ኣዋጅ ግን ነቲ ፕረዚደንት እዩ ሙሉእ ስልጣን ሂብዎ፡፡ ሓሳብና ተቐባልነት ኣይረኸበን" ይብል።
ኣይተ ኣለምሰገድ ኣረጋይ፡ "ጎይቶት ነብስና እንኾነላ ሃገረ ትግራይ ምምስራት" ዝብል ዕላማ ሒዙ ንምቅላስ ናይ ዝተመስረተ ውድብ ናጽነት ትግራይ ምክትል ኣቦ መንበር እዩ።
ውድቡ ውናት፡ ነቲ መረጻ "ከም ናይ ህልውና መሰረት" ገይሩ ከምዝወስዶ ዝገልጽ ኣይተ ኣለምሰገድ፡ ኣብ መጀመርታ ጽቡቕ ተበግሶ ወሲዱ ዝተንቀሳቐሰ መንግስቲ ግን፡ ነቶም ፍትሓዊ መረጻ ንምክያድ ይሕግዙ እዮም ኢሎም ዘቕረብዎም ሓሳባት ኣብ ኣዋጃት መረጻ ከምዘየካተቶም ይገልጽ።
"ንኣብነት ድምጺ ህዝቢ ከውከል ኣለዎ፡ ድምጺ ህዝብን ውድባትን ክውከለለን ዝኽእል ተመጣጣኒ ስርዓት መረጻ ኢና ጠሊብና፡ ኣይተኻተተን። ብህወሓት ዝቐረበ 'ሕዋስ ስርዓት' እንተኾነ'ኸ ዝብል ኣሎ" ይብል።
ምህዳር ፖለቲካ ትግራይ ንምስፋሕ ዘቕረብዎ ካሊእ ነጥቢ 'ውን ኣብቲ ኣዋጅ ከምዘይተኻተተ ኣይተ ኣለምሰገድ ይዛረብ፡፡
"ካልኣይ ኣብ ስርዓቱ ኩለን ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ ሚድያ ቐሪበን ሓሳበን ኣማራጺታተን ብማዕረ ዘቕርባሉ ዕድል ክፍጠር ኣለዎ ዝብል እዩ፡፡ ጅማሮታት ኣለዉ፡ ከመይ ኢና ክንደራደር? ከመይ ኢና ክንከይድ ዝብል ናይ ውድባት ፖለቲካ ፎረም ኣብ ምጥያሽ ንርከብ፡፡ ይኹን እምበር ተደናጉዩ እዩ። ስለዚ ንሕና ነቕርቦም ዘለና ሕቶታት ብኣግባቡ ኣይካተቱን ዘለዉ" ይብል።
ብተወሳኺ መረጻ ዘፈጽሙ ኣካላት ኣብ ምሕራይ መንግስቲ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ጥራሕ ብምኻዱ ቅሬታ ከምዘለዎም ዝገልጽ ኣይተ ኣለምሰገድ፡ ኣብ መወዳእታ ንኮምሽን መረጻ ዝመርሑ ሓሙሽተ ሰባት ንምሕራይ ኣብ ዝተጠቆሙ ዓሰርተ ሰባት ሓሳብ ክህቡ'ኳ እንተተሓተቱ " እቲ ኣማራጺ ጸቢብ ብምዃኑ፡10 ሰብ ስለዝኾኑ፡ ዋላ ካብኡ ወጻኢ ድልየት እንተነበረና፡ ድሩት ስለዝኾነ በቲ ዝርዝር መሰረት ኢና ሓሳብ ከምንህብ ተገይሩ "ይብል።
ኮይኑ ግና ኣብቶም ዝተመረጹ ሰባት ቅረታ ከምዘይብሎምን ነቲ መረጻ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣገባብ ከምዘካይዱዎ እምነት ከምዘለዎምን ኣይተ ኣለምሰገድ ገሊጹ።
'ኣባላትና ይንገላትዑ ኣለዉ'
እቶም ዘለዉ ቅረታታት ተጻዊሮም ኣብ ሻድሻይ ክልላዊ መረጻ ክሳተፉ ምዃኖም ዝገልጹ ኣመራርሓ ሳወትን ውናትን፡ ኣባላቶም ብፍላይ ብውድብ ህወሓት ይከላበቱ ከምዘለዉን እቲ ገዛኢ ውድብ 'ውን ነቲ ኩነታት ይብለጸሉ ከምዘሎን ይዛረቡ።
"ህወሓት በለጸኛ እዩ ኾይኑ፡ ንትግራይ ክንዲ ናብ ዲሞክራሲ ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝወስዳ ፡ ዝበለጸ ኢ-ደሞክራስያዊ፥ ኢ-ፍትሓዊ ክኾን ዝበለጸ ስልጣኑ ከጠናኽር እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ" ይብል ኣቦመንበር ሳወት ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ።
ኣብ ቀረባ እዋን ህወሓት ዘዳለዎ ንተቓወምቲ ውድባት ብጽግዕተኝነትን ካልኦት ሽማሽምን ብምሃብ ዘዳለዎ ሰነድ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ህወሓት " ፖለቲካ ትግራይ ከይሃድእን ምስምማዕ ከይፍጠርን" ይሰርሕ ኣሎ ክብል ይኸስስ።
"እቲ ገዛኢ ውድብ ቀዲሙ ሓደ ሰነድ ኣዳልዩ ነይሩ፡፡ ብትሕዝቶ ደረጃ ሓሰር ዝኾነ ሰነድ እዩ፡ ብመልእኽቱ ግን ሓደገኛ እዩ። ኢሉ'ውን ኣባላትና ኣብ ታሕቲ ምግፋዕ፣ ደሞዞም ምቑራጽ፣ ብቤተሰብ ጌርካ ምፍርራሕ፥ ካብቲ መረጻ ንክወጽኡ ምድላልን ዝኣመሰለ ይግበር ኣሎ" ብምባል ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡" ገና እቲ ኮምሽን ከይተጣየሸ፡ ብመንግስቲ ክልል ትግራይ ናይ መረጻ ኣፈጸምቲ መረጻ ይካየድ ነይሩ ። እዚ ኣብ ዝኾነ ዓለም ኢ-ሕጋዊ እዩ" ይብል።
ሳወት ኣብ ኩለን 38 ክልላት መረጻ ክሳተፍ ምዃኑን ዛጊድ ኣብ 30 ዝኾኑ ዝነሓንሑ ኣባላቱ ከምዝነጸረን ኣይተ ሃያሉ ጎደፋይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ምክትል ኣቦ መንበር ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣይተ ኣለምሰገድ ኣረጋይ ብወገኑ፡ ህወሓት " ዝተፈላለዩ ምኽንያት እናፈጠረ፡ ኣብ ግዝኣት ክልል ትግራይ ዘለዉ ኣባላትና ብዝተፈላለየ መገዲ እናንገላተዐ እዩ ዝርከብ" ይብል።
"ኣብነት ኣብ ከተማታት ዘለዉና መሓውር ይከላበቱ፡ ሽሞምን ዘይሽሞምን ይልጠፈሎም። ብሱሩ'ውን እቲ ውድብ ካብ ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ ወጻኢ ኩሉም ዘለዉ ኣተሓሳስባታት ኣማራጺ ትግራይ ከምዘይኮኑን ጸላእቲ እቲ ክልል ምኳኖምን በይኑ እዩ" ይብል።
ብፍላይ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ህወሓት ናብ ኣባላቱን ሰራሕተኛታት መንግስትን ዘቕረቦ ሰነድ መኸተ፡ ጥዕና ንህወሓት ብዓይኒ ጥርጠራ ክረአ ከምዝገበሮ ይገልጽ።
ውድብ ናጽነት ትግራይ እቶም ኣለዉ ዝበሎም ጸገማት ተጻዊሩ፡ ኣብቲ መረጻ ንምዕዋት ምድላው ይገብር ከምዘሎ ምክትል ኣቦ መንበር ውናት ኣይተ ኣለምሰገድ ኣረጋይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።ኣብዚ ጉዳይ ሓድሽ ሰነድ ኮነ ኣብ ካልኦት ቅረታታት እቶም ጠቓወምቲ ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ህወሓት ምላሽ ኣይረኸብናን።