እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤልጀማዊ ልኡል፡ ኣብ ስፔን ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ
ወዲ ንጉስ፡ ልኡል ዮኬም ወዲ 28 መንእሰይ እዩ። ብዕለት 26 ጉንበት ካብ ቤልጂም ናብ ስፔን ገይሹ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ኮሮዶባ፡ ኣብ ዝተዳለወ እንግዶት ተሓዊሱ።
ነቲ ወዲ ንጉስ ወሲኹ ኣብቲ እንግዶት፡ 27 ሰባት ከምዝነበሩ ካብ ስፔን ዝወጽኡ መረዳእታት የመልክቱ።
እዚ ዝኣክል በዝሒ ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ ምእካቦም ኣብታ ከተማ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ዕጽዋ ዝጥሕስ እዩ ተባሂሉ።
ኣብታ ከተማ ፡ ልዕሊ 15 ሰባት ብሓደ ክእከቡ ኣይፍቀድን።
ስለዝኾነ ድማ፡ ፖሊስ ስፔን እቲ ወዲ ንጉስ ዝርከቦም ሰባት ነቲ ኣዋጅ ጥሒሶም እንተኾይኖም ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
እዚ እንተተረጋጊጹ፡ 11 ሽሕ ዶላር ክቕጽዑ እዮም ተባሂሉ።
ኣብቲ ጓይላ ዝነበረ ብምሉኡ ንበይኑ ተፈልዩ (ተወሺቡ) እዩ ዝርከብ።
እቲ ዓስራይ ኣባል ንጉሳዊ ቤተስብ ቤልጂም ዝኾነ ልኡል ዮኬም፡ ሕዚ ንእሽቶ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ኣርእዩ እዩ።
ተወካሊት እታ ከተማ ፡ ነቲ ተግባር 'ዘይግቡእ' ክትብል ኮኒናቶ ኣላ።
"ኣብ ናይ ካልኦት ቀብሪ እናወዓልና፤ ከምዚ ዓይነት ተግባር ምስማዕ ዘቖጥዕ እዩ" ኢላ።
እቲ ወዲ ንጉስ፡ ቪክቶርያ ኦርቲዝ ምስ ዝተብሃለት ስፔናዊት ጓል ተነስተይቲ ዝጸንሐ ፍቕራዊ ርክብ ነይሩዎ።
ስፔን ኣብ ዓለም በቲ ለበዳ ሕሱም ካብ ዝተጎድኣን ዝለዓለ ብዝሒ ሞት ዘመዝገባን ሃገራት ሓንቲ ኾይና፡ ጥቡቕ ዝበሃል ዕጽዋ እያ ኣዊጃ ጸኒሓ።
ሕዚ ግን፤ ብመጠኑ ክተላሕለሖ እናፈተነት ትርከብ።
ትሕቲ 14 ዕድመ ህጻናት ኣብ ደገ ወጺኦም ክናፈሱ ፈቒዳ እያ።
ካብ ሰነ ሓደ ጀሚራ ድማ፡ ነቲ ዕጽዋ ዝኣዳ ክተላሕለሖ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።
መረዳእታታት ከምዝሕብርዎ፡ ኣብታ ሃገር ክሳብ ትማሊ ቀዳም፡ 239,228 ረኽሲታትን 27,125 ሞትን መዝጊባ።