እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቡሩንዲ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ፌስቡክ፡ ትዊተር፡ ዋትስኣፕ ተዓጽዩ
ቡሩንዳውያን፡ ነቲ ንነዊሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፕየር ኒኩሩንዚዛ መን ከም ዝትክኦ ድምጾም ኣብ ዝህቡሉ ዘለው እዋን ማሕበራዊ መራኸቢተት ከም ዝተዓጸወ ተገሊጹ።
ፌስቡክ፡ ዋትስኣፕን ትዊተርን ተዓጽዮም ምህላዎምን፡ እቶም ቪፒኤን ዝጥቀሙ ጥራይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክኸፍቱ ከም ዝከኣሉን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ብዛዕባ'ዚ ዝተሓተቱ ሰብ መዚ ዛጊት ዝኾነ ርእይቶ ኣይሃቡን።
ነቑጣታት መረጻ፡ ረቡዕ ብንግሖኡ እየን ንመረጽቲ ክፉታት ኮይነን።
ኮምሽን ምርጫ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዝርከብ ኤምባሲታት 53 ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝተዋጽኡ ተዓዘብቲ ነቲ ምርጫ ክከታተልዎ ኣፍቂዱ ኣሎ።
ን15 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ፕረዚደንት ፕየር ኒኩሩንዚዛ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ "ላዕለዋይ መራሒ ሓርበኝነት" ዝተሰምየ ሓድሽ መዝነት ክወሃቦ እዩ።
ካብቶም ሸውዓተ ተወዳደርቲ፡ ኣብ ስልጣን ንዝርከብ ሰልፊ ዝወከለ ኤቫሪስ ንዳዪሺምየን መራሒ ቀንዲ ተቓወምቲ ኣጋቶን ርዋሳን ቀንዲ ተጠመትቲ ምዃኖም ይግለጽ።
እቲ ዝተዓወተ ካበየናይ ሰልፊ እዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነትን፡ ሃገራዊ ሓድነትን ንፕየር ኒኩሩንዚዛ ከማኽር ብሕጊ ክግደድ እዩ።
እቲ ምርጫ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይካየድ ምህላው ግን ብዙሕ ነቐፌታታት ይወርዶ ኣሎ።
ቡሩንዲ፡ 140 በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክትረክብ ከላ፡ ሓደ ሞይቱዋ ኣሎ።