እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንኮሮናቫይረስ ንምስዓር ሓሙሽተ ተስፋ ህዝቡ ምኽንያታት
ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ፡ አብ መላእ ዓለም ብዝሒ ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ሰባት ብልዕሊ 100 ሽሕ ወሲኹ።
ኣብ ኤውሮጳ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣማኸርቲ መራሕቲ ሃገራት ናይጄሪያ ዝርከቡዎ ብዙሓት ሰባት በዚ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።
ኣብ ፍጹም ዓለማዊ ቅልውላው ጥዕና ኢና ዘለና። ግን ድማ ብዙሓት ተስፋ ክንገብርን ክንሕጎስን ዝሕግዙና ምኽንያታት ኣለው።
እዚ ለበዳ ዝርግሕኡ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ሰብኣውነት ሓፍ ክብልን ክጎልሕን ተራእዩ።
1. ብደረጃ ዓለም፡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ተናኢዶም
ሓካይም፣ ነርሳት ሰራሕተኛታት ሓለዋ ጥዕናን፡ ነዚ ቫይረስ ኣብ ምቅላስ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ይቃለሱ ኣለው።
ብመሰረት ጸብጻበ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ካብቶም በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ኣስታት 130 ሽሕ ሰባት ሓውዮም ኣለው።
እዚ፡ ሓደ ናይ ጅግንነታዊ መራኣያ ሰራሕተኛታት ጥዕና ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ነዚ ጻዕሮም ሰናይ ተግባሮምን ንምውዳስ ድማ፡ ኣብ ጥልያን፣ ስጳኛ፣ ፈረንሳን ህንድን ሓዊሱ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብጭብጨባ ተወዲሶም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኦም ተኣኪቦምን ብፊኒስትራ ተቐልቂሎምን፡ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ብሓባር ኣመስጊኖም።
እዚ አኣብ ዘለኻዮ ኾይንካ ንሰብ ሞያ ጥዕና ምምስጋን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ፈለማ እዚ ቫይረስ ዝተርኣየላ ግዝኣት ቻይና ውሃን እዩ ተጀሚሩ።
ብዙሓት፡ ብመስኮት ቐልቂሎም መተባብዒ ዝኾኑ ደርፍታት ብምድራፍ የትብዑዎምን፡ እቲ ዝነበረ ጸዕሪ ድማ ሓይሉ ክቕጽል ይገብሩን ነይሮም።
ኮሮናቫይረስ ካብ ውሃን ወጺኡ ዳርጋ ናብ መላእ ዓለም ምስ ተላብዐ ድማ፡ ጭብጨባ ዓለምለኻዊ መገዲ ውዳሴ ሰብ ሞያ ጥዕና ኮይኑ ቐጺሉ።
2. ቻይና እገዳታት ተልዕል ኣላ
ኣብዚ ሰዓት፡ ቻይና ንኮሮናቫይረስ ከም ዝተቖጻጸረቶ ትኣምን።
ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ መብዛሕትኦም ካብ ደገ ብዝመጽኡ ሰባት እንዘይኮይኑ፡ ካብ ውሽጢ ዝመንጨወ ዝርግሐ እዚ ሕማም ከም ዘይተራእ ገሊጻ።
ኣብዚ እዋን፡ እቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ነገራት ኣብ ምህዳእ ይርከብ። መንግሰቲ ቻይና ድማ ንዝርጋሓ ኮሮናቫይረስ ንምቊጽጻር ዘንበሮ እገዳታት በብሓደ የልዕሎም ኣሎ።
ብ25 መጋቢት፡ ዞባ ሁበይ ኣብ ልዕሊ ነበርታ ኣንቢራቶ ዝነበረት ናይ ጉዕዞ እገዳ ኣልዒላ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ውሃን ዝተተግበረ ምዕጻው እታ ከተማ ድማ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ 8 ሚያዚያ 2020 ክለዓል መደብ አሎ።
ሪፖርተር ቢቢሲ ኣብ ቻይና ከም ዝበሎ ድማ፡ ድሮ ነበርቲ ቤጂንግ ንጹህ ኣየር ክትንፍሱ ጀሚሮም፡ ምናልባት'ውን ሩፍታ ረኺቦም ኣለው።
እቶም እገዳታት ስለ ዝተልዓሉ ግን፡ እዚ ቫይረስ ዳግም ቻይና ከየጥቐዐዓ ስግኣት ኣሎ። ንግዝኡ ግን ቻይና ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእሉዋ ስጉምታት ክትወስድ ጀሚራ ኣላ።
3. ጥልያን ነቲ ኩነታት ትቕይሮ ኣላ
ኣብዚ ሰሙን፡ ትካል ሓለዋ ማሕበረሰብ ኢጣልያ ብምትንኻፍ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እዚ ቫይረስ "ኣብ ምንካይ" እዩ ዘሎ ክብል ገሊጹ።
እዚ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት፡ እታ ሃገር ሓደሽቲ ናይ ዝተለኸፉን ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱን ሰባት ቑጽሮም ነክዩ ስለ ዝነበረ እዩ።
ብሮቡዕ፡ ካብቶም ንኣርባዕተ መዓልታት ዝነበረ ዝወሓደ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተመዝገበ ኮይኑ 3612 ነይሮም።
ብሓሙስ ግን እዚ ረኽሲ ወሲኹ። ብዓርቢ ምንካይ እንተርኣየ'ውን ዝለዓለ ቑጽሪ ሞት ግን ተመዝጊቡ።
እቶም ኣርባዕተ መዓልታት እዚ ረኽሲ ዝነከየሎም መዓልታት ግን፡ ንጥልያን ናይ ተስፋ ብልጭታ ዝሃቡ ነይሮም። ትካል ጥዕና ዓለም እዚ ምጉዳል ዝተባባዕ እዩ ክብል ገሊጹዎ።
4. ሳይንሳዊ ምርምር ይቕጽል ኣሎ
ዓለም፡ ተመራመርቲ ነዚ ቫይረስ ደው ዘብል ክታበት ምሂዞም ከድሕኑዋ ትጽበ ኣላ።
ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ኣሜሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ወዲ ሰብ ዝተገብረ ፈተነ ሓዊሱ ብዙሓት ክታበታት ኣብ ምምሃዝ ይርከቡ።
ሰብ ሞያ ግን፡ ሓደ ክታበት ተሰሪሑ ድልው ክሳዕ ዝኸውን፡ ካብ ዓመት ክሳብ 18 ኣዋርሕ ከም ዝወስድ ይዛረቡ።
ይኹን'ምበር፡ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዝወጽኡ ዘለው ምዕባለታት መሰረት ገይሮም ብዙሓት ክታበት ኣብ ምምሃዝ ይጓየዩ ኣለው።
ንኣብነት ኣብዚ ሰሙን፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ሰረታዊ ሽፍራ [ጀነቲክ ኮድ] እዚ ቫይረስ ተስፋ ዝህቡ ውጽኢታት መጽናዕቲ ረኺቦም። ቫይረሳት ኣብ ውሽጢ ዋህዮ ኣትዮም ዝተፈላለየ ለውጢ ዘርእዩ'ኳ እንተኾኑ፡ እዚ ኮሮናቫይረስ [ሳርስ ኮቪ-2] ግን ውሑድ ለውጢ ከም ዘርኢ ተዓዚቦም።
እዚ እንተኾይኑ ድማ፡ ሓደ ኽታበት ንሓደ ሰብ ንነዊሕ እዋን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዝህቦ ክኸውን እዩ ማለት'ዩ።
ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዘጽንዕ ዘሎ ፕሮፌሰር ስነ ቫይረስ፡ "ዝተረጋግኣ ሕነተ ሰረት ዘለዎ ቫይረስ፡ ክታበት ንምምዕባል ጽቡቕ ዕድል'ዩ" ይብል።
5. መንፈስ ሕብረተሰብን ሕያውነትን
ኮሮናቫይረስ ሰባት ከምቲ ልሙድ ከይራኸቡ'ኳ እንተደረቶም፡ ሕብረሰተብ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ እዋን ብሓባር ይእከቡ ነይሮም። ኣብ መላእ ዓለም መንፈስ ልግስን ሕያውነትን ክለዓዓል ገይሩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብኣሚኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ትካል ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ወለንታዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ተዋፊሮሞ።
ኣብ ስጳና፡ ብርክት ዝበሉ ሓካይም ነቶም ብኮሮናቫይረስ ተጠቒዖም ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም ዝነበሩ ንምጽንናዕ ደብዳበታት ጽሒፎም ብኢንተርነት ይልእኹ ነይሮም። ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደብዳበታት ሰናይ ተምኒት ድማ ተላኢኾም።
ብዙሓት ሰባት ድማ፡ ተስፋ ዝህቡ ስእልታትን ጽሑፋትን ብምጽሓፍ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኦም ኣቐሚጦም ነንሓድሕዶም ዘለዎም ርክብ ይገልጹ ነይሮም።