ሌተናል ኮሌኔል ቢንያም ተወልደን ሻለቃ ይኩኖኣምላክ ተስፋይን ናብ መቐለ ኣትዮም

ቢንያም ተወልደን ሻለቃ ይኩኖኣምላክ ተስፋይን

ንሓደ ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ኣብ ቅሊንጦን ቃሊቲን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ምስቶም ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብነጻ ዝተፈትሑ 63 ሰባት ዝተፈትሑ ሌተናል ኮሌኔል ቢንያም ተወልደን ሻለቃ ይኩኖ ኣምላክ ተስፋይን ትማሊ ንመቐለ ኣትዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቢንያምን ይኹኖ ኣምላክን ብብልሽውናን ብክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝኣሰሮም እዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ እቲ ማእሰርቲን ናይ ሚድያ ወፍርን ንህዝቢ ትግራይ ንምስኳን እዩ ተፈጺሙ ብምባል ተቃውሞኡ ከስምዕ ጸኒሑ እዩ።

ህዝቢ መቐለ፡ ነቶም መንግስቲ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕ ብምባል ክሶም ኣቋሪጹ ብምሕረት ዝፈትሖም ክልተ መኮንናት ቢንያምን ይኹኖ ኣምላክን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቐቢልዎም።

ካልኦት ዝተረፉ ፖለቲካዊ እሱራት ተጋሩ ንክፍትሑ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝተገብረ ለውጢ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዝተፈላላየ ኣብያተ ማእስርቲ ተታሒዞም ዝነበሩ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ።

ብኣንጻሩ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ክስርሑ ዝጸንሑ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሞም ንዝበሎም ሓያሎ ሰባት ኣሲሩ ጸኒሑ።

ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ነበር ጌታቸው ኣሰፋ ከኣ ፈጺሙዎ ብዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ክሕተት ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ።

ይኹን እምበር መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኮኑን ክሕተቱ ዝግበኦም ብምባል ንትእዛዝ ፈደራል ስለዘይተሓባበረ ጌታቸው ኣሰፋ ናብ ሕጊ ክቐርብ ኣይከኣለን።

እዞም ሕጂ ፖለቲካዊ ምህዳር ንምስፋሕ ተባሂሉ ክሶም ተቛሪጹ ዝተፈትሑ ምክልት ኢንሳ ሌተናል ኮሌኔል ቢንያም ተወልደ ዝርከቦም ሰባት ምፍተሖም፡ 'ምሕረት ካብ ተባህለ ቅድም እውን ንኹሉ'ዩ ምሕረት ክግበር ነይሩዎ' ዝብል ዘረባ ኣለዓዒሉ እዩ።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ሕጂ እውን እንተኾነ ንሰላምን ምርግጋእን ዝዕድም ስጉምትን ምሕረትን ምግባር ልቦና እዩ'ሞ ክምስገን ከኣ'ዩ ዘለዎ ዝብሉ ወገናት እውን ኣለው።