ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ 'ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ -ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን'

ህወሓት ብምእባዩ ባድመን ካልኦት ንኤርትራ ዝተዋህበ ቦታታትን ክምለስ ከም ዘይከኣለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ኣብቲ ዓርቢ ምሸት ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ ዘካይዶ ቃለመሕትት፡ ንመርገጺ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ዶብ ነቒፉ።

"ናይ ዶብ ሽግር ካብቲ [ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ] ዝተዛረበሉ እዋን ክሳብ ሎሚን፡ ናይ ባድመን ካቢቡን እንተሪኢና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ'ዩ ዘሎ።

"ሕጋዊ ውሳነ፡ ፍርዳዊ ውሳነ ተዋሂቡዎ፡ ብኡ መጠን እቲ ምሕዝነት ኣብ ዶብ ምክብባር ... ዝተወረ ልኡላዊ መሬት ናይ ኤርትራ ናጻ ክወጽእ ነይርዎ፡ ናብ ልኡላውነቱ ክምለስ ነይርዎ። እዚ ግን ኣይተኻእለን።

"ስለምንታይ ክምለስ ኣይካኣለን እንድሕር ኢልና፡ እቲ ዝጠፈሸ ጃንዳ [ህወሓት] ነዚ ናይ ዶብ ኩነታት ከም መሀደዲ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ መጣልዒ ንምሓዙ ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ዓመትን ፈረቓን ኣብ ባድመን ከባቢኡን እንታይ ምዕባለታት መጺኡ እንተ ኢልና፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ መመሊሱ ከፊኡ" ኢሉ።

ንሱ፡ ኣብታ መበገሲ ኲናት ዝኾነት ባድመ፡ ኣባይቲ ይስራሕን መሬት ይዕደል ከም ዘሎን፡ እቲ ስጉምቲ ጉዳይ ዶብ ከይፍታሕ ዕንቅፋት ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑን ኣሚቱ።

"ንኤርትራ ኣብ ዝተበየነ መሬት ባድመ ዝስራሕ ዘሎ ኣባይትን ዝዕደል ዘሎ መሬትን ንመን ይዕደል ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣሎና" ኢሉ።

ህወሓት ብወገኑ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተዋህበ ብይን ኮሚሽን ዶብን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወሰዶ ብዘይ ቅድመ ኩነት ነቲ ብይን ናይ ምቕባል ስጉምቲ፡ ከም ዝቕበሎ'ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ይኹን እምበር፡ ንዶባዊ ጉዳይ ንምፍታሕ ዝተገበረ ርኡይ ነገር የለን። ሕጂ'ውን፡ ባድመን ካልኦት ንኤርትራ ዝተዋህቡ ቦታታትን ኣብ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ይርከቡ ኣለዉ።

"ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና"

ብዛዕባ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዝምድና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣብ ጉዳይ ዶብን ባድመን ከይተሓጸርና፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ መጺኡ ዘሎ ናይ ዕረያ (ሪፎርም) ብኹሉ ዓቕምና ክንድግፎ ኢና" ኢሉ።

"ሰላም ሰሪሕካ ተምጽኦ እምበር ከም ማና ዝወርድ ኣይኮነን" ዝበለ ፕረዚደንት፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ምሕዝነት ስራሕ ከሐይሎን ከማዕብሎን ከምዝሰርሕ ተዛሪቡ።

እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዕረያ እቲ ዘድሊ ዘላቒ ፍታሕ ንኸምጽእ ከቢድ ዓቐብ ከምዝጽበዮ ብምሕባር፡ ንኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ከም ጓኖትን ጎረቤትን ዘይኮነ ንኤርትራ እውን ስለዝጸልዋ ብንጥፈት ከም እትዋሳእን ብምግላጽ፡ "ኢድና ኣጣሚርና ኮፍ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንሰለስተ ወለዶታት ዝቐጸለ ዝበሎ ግጭት፡ "ትርጉም ዘይብሉ ተጻብኦ እዩ ነይሩ" ድሕሪ ምባል ብናይ ደገ ሓይልታት ዝተሓለለኸ ምንባሩ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ እቶመ ዝበሎም ሓይልታት እንታዎት ምዃኖም ብንጹር ኣይገለጸን። ኣቶ ኢሳያይስ ንኣመሪካ እትርከበን ምዕረቃባውያን ሓይልታት ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣቶ ኢሳይያስ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ትንተና ኣቕሪቡ።

ንዘቤታዊ ጉዳያት ብዝምልከት፡ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ቃለመሕትት ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ'ሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2018 ኣብ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ድሕሪ ምግባሩ፡ ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ንውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ካልኣይ ክፋል ግን ክሳብ ሕጂ ከየካየዶ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ነሓሰ 2019 እውን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ፍልሰት መንእሰያት ዘድሃበ ብምኽንያት መበል 25 ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት ቃለ መሕተት ገይሩ ነይሩ።

"ደቡብ ሱዳን ክፍለ ኣይምነበሮን"

ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ ኩነታት ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘመሳሰሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እታ ሃገር ኣብ ኢድ ማፍያታት ዝበሎም እስላማዊ ጉጅለታት ወዲቓ ጸኒሓ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተልዓለ 'ፍንው ናዕቢ' ዝበሎ ህዝባዊ ዓመጽ ንቲ ዝጸንሐ ናይ ማፍያታት መሪሕነት ከብቅዕ ገይርዎ ድማ ኢሉ።

መንቀሊኡ ድማ፡ ኣብታ ሃብታም ሃገር፡ ስርቅን ጉሕለትን ስለዝበዝሐ ጥራሕ ዝብላዕ ከምዝተስኣነ እዩ ዝዛረብ።

ምስ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ 1989 እዚ ሓድሽ ምዕባለ ዝበሎ ብዕልዋ ዝመጸ መንግስቲ ቅድሚ ምፍጣሩ ሱዳን ኣብዚ ዞባ ዝማዕበለን ዝሐሸን ፖለተቲካዊ ባህሊ ከምዝነበራ ድማ ኣዘኻኺሩ ፡"ብኣፍሪቃ ደረጃ ውን እንተኾነ ዝወዳደራ ሃገር ኣይነበረን" ብምባል።

እቲ ፖለቲካዊ ጽልዋ ናይ ሱዳን ድማ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ሓያል ከምዝነበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ "ፖለቲካዊ እስላም ምዕቡል ፖለቲካዊ ባህሊ ሱዳን ንምዝራግ ዝመጽአ እዩ" ኢሉ።

እታ ዓዲ ናይ ግብረ ሽበራ ሓይልታት መነሃርያ ኮይና ከም ዝጸንሓት ድማ ኣብነታት ጠቒሱ።

ኣብ 1998፡ ኦስማን ቢንላደን ኣብኡ ከምዝነበረ፡ ጉጅለታት ቦኮሓራም ኮኑ ዳዕሽ ቀንዲ መዋፈሪኦም ኮይኑ ጸኒሑ ድማ ኢሉ።

ደቡብ ሱዳን ብዝምልከት ድማ፡ "ናይቲ ህዝቢ መሰል ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ካብ ሱዳን ክፍለ ኣይምነበሮን" ኢሉ።

ምኽኑይ ነይሩ ድዩ ኣይነበረን ዝብል ውን ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ።

እቲ ሕዚ ኣብ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ስግግር ንምድጋፍን ንዘይምድጋፍን ድማ፡ ፈለማ ውሽጣዊ ትሕዝትኡ ምንባብ ከድሊ እዩ ኢሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ።

እንተኾነ፡ ኣብ ፖለቲካውን ድሕነታዊ ጉዳያትን ብምህለላ ዘይኮነስ ንጡፍ ተዋሰኦ ምግባር ከምዘድሊ ተዛሪቡ።

ጉዳይ ሱዳን፡ ኣብቲ ዞባ ከምጸኦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ምርግጋእ ቀሊል ከምዘይኮነ 'ውን ኣረዲኡ።

ርግኣት እቲ ዞባ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ እቲ ዞባ ድማ፡ ሕድሕድ ሃገር ናይ ርእሱ ድሕነት ብምርግጋጽ ብኸመይ ሓቢርካ ክስራሕ ከምዘለዎ ከፋፊሉ ኣረዲኡ። "መወዳእትኡ ዓላማ ርግኣት እዩ፤ ሸርሒ፡ ሽበራ ኣየድልየናን እዩ" ድማ ኢሉ።

ርግኣት ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ካብኡ ናብኡ ብኸመይ ከምዝጸላለዉ ድማ ኣረዲኡ።

"ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ብዙሕ እዩ ዝዝረብ ። ካብ ፒኣር ዝሓልፍ ግን ኣይኮነን። ንሕና ኪኖ ፒኣር ክንከይድ ኣለና" ኢሉ።

ድሕነት እቲ ዞባ ዉሕስ ንምግባር፡ ብወገን ሶማልያ፣ የመን፣ ጅቡትን ከምኡ ድማ ብወገን ኤርትራ ቀጻሊ ብሓባር ክደፍእሉ ከምዝደልዩ ተዛሪቡ። እቲ ገማግምን ወሽመጣትን ነጻጺልካ ክረአ ከምዘይከኣል ሓቢሩ።

"ኣብዚ ከባቢ ዘሎ ዕልቕልቕ፣ ሽበራ፣ ዕንወት- ኣራግጽ እየ ዝብሎ"።