እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪመን
ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓበራዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ተፈራሪመን።
ሚኒስትሪ ዜና ሃገረ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገጹ ከምዘስፈሮ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ሓሙሽተ መሰራዊ ጉዳያት ዝሓዘ ሰምምዕ ፈሪሞም።
እቶም ነጥብታት ድማ፡
- ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሃዋህዉ ኵናት ምብቃዕን ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምምስራትን
- ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበረ-ቑጠባዊ ርክባት፣ ባህልን ጸጥታን ሓቢርካ ምስራሕ
- ምንቅስቓሳት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ንጥፈታትን ምሕዳስ
- ዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር
- ዞባዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዉህደትን ከረጋግጻ ብሓባር ምስራሕ ዝብሉ ሓሙሽተ መትከላት ስምምዕ ይርከቡዎም።