ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዘሰጋግረን ስምምዕ በጺሐን

ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላመ እዋን ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሃገረ ኤርትራ እንትበጽሕ ድሙቕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ዝተገበረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝተገበረሉ ናይ ድራር እንግዶት ዲፕሎማሲያዉን ህዝባዉን ርክባት ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ዘሰጋግሩ ስምምዓት ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ።

ንጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንቋዕ ደሓን መጻእኹም ዘሕለፈ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ህዝቢ ዝገበሮ ኣቀባብላ ኣብ ልቡ ዝጸንሐ ድሌትን ስምዒትን ክገልጽ ዝረኸቦ መሰል ዘንጸባርቕ'ዩ ብምባል ንክልቲኡ ህዝቢ እንቋዕ ኣሐጎሰካ ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ወይ ሕርያ ቀሊል ኣይኮነን ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "እቲ ድሙቕ ህዝባዊ ኣቀባብላ ናይ ብሓቂ ስምዒት ኤርትራ ዘንጸባረቐ'ዩ" ኢሉ።

ክልቲኤን ሃገራት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝሰኣንኦን ዝኸሰርኦን ዕድል ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝዕቀን'ኳ እንተዘይኾነ ሎሚ ግና እዚ ተካሒሱ'ዩ ክብል ልባዊ ሓጎሱ ዝገለጸ እንትኾን መጻኢ ጉዕዞ ክልቲኤን ሃገራት ብሓባር ክንምክቶ ኢና ኢሉ።

ብቋንቋ ትግርኛ ዘረባ ዘስመዐ መራሒ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ትማሊ "ኣብ ኣስመራ ዝዘነበ ዝናብ ፍቕሪ ንመላእ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዓብዪ መልእኽቲ ኣለዎ" ብምባል ንህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት እንቋዕ ደስ በለካ ኢሉ።

መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ዝምድንአን ናብ ዝዝትያሉ ብርኪ ምብጽሐን ከምዘሐጎሶ ዝገለጸ እንትኾን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ሰላምን ጉርብትናን እዘን ሃገራት ዘርኣዮ ቑርብነት ንኢዱ።

"እዚ እዋን ካብቲ ጀሚርናዯ ዘለና ጉዳይ ሰላም ንላዕሊ ዘገድሰና ስለዘየሎ ብሙሉእ ዓቕምኻ ከምእትሰርሐሉ እምነተይ ልዑል'ዩ። ኣንጻር ረብሓ ህዝብታትና ጠጠዉ ዝበለ መንደቕ ፍልልይ ኣብ ምፍራስን ድሕሪ እቲ ከቢድ ኩነታት ዘለናሉ ሞት ኣልባ ኩነታት ዛዚምና ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ዝረብሕሉ መገዲ ንምስግጋር ዝጀመርካዮ ጉዕዞ ከምዝዕወት ጥርጣረ የብለይ" ክብል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ተስፍኡ ገሊጹ።

መናእሰይ እዚ ዘበን ሕሉፍ ዝተፈጠሩ ስሕተታት ክእርሙ ዕዮ ገዛ ምብዛሕ ዘይኮነ ንሰላምን ልምዓትን ዝወፍርሉ ዕድል ምፍጣር ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትጽቢት ዝግበር ጉዳይ ከምዝኾነ ኣስሚርሉ።

"ደቅና ኣብ ክንዲ ንሰላም ዝግስግሱ፡ ንሕና ዝበተኽናዮ ገመድ ዝምድና ክልቅቡ፣ ዝሃነጽናዮ መንደቕ ጽልኢ ከፍርሱ ከቢድ ሓላፍነት ኣይነሰክሞም። ኣብ ክንድኡ ነንሕድሕዱ ዝተሓጋገዝ መንእሰይ ንፍጠር" ኢሉ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ ጉዳይ ከምዝኾነ ዘልዓለ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ክልቲኡ ህዝቢ እንተሓቢሩ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ሰላምን ልምዓትን ዞባ ክኸዉን ዝኽእል በዓል ሰፊሕ ዕድልን ጸጋን ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ብኽብሪ ናብ ዓዶም ክምለሱ፣ ብሰንኪ ስደት ዘጋጥም መሸጣ ሰባት ጠጠዉ ክብል፣ ዜጋታት ሰብኣዊ ክብሮም ክረጋገጽ ንቐጻሊ ጉዕዞና ተደሚርና ብሓባር ንስራሕ ብምባል፡ ይቕረታን ፍቕርን እንተድኣ ሃልዩ ዘይስገር ጸገም ከምዘየሎ ተዛሪቡ።

ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ግና ኢሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ከባቢታት ዶብ እዘን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ክለምዕን ክነብርን ዘለዎ ባህጊ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።

"ፖለቲከኛታትን ክስምዑ ዝኽእሉን ሰባት ብዛዕባ ርክብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንትጽሕፉ ንህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ከሰሓሕቱ ይኽእሉ'ዮም። ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ግና ምሳኹም ክሰርሕን ክዓብን ዝደሊ፣ ካብ ዝኾነ ንላዕሊ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዘለዎ፣ ሰናይ ጉርብትና ክህልዎ ዝናፍቕ ምዃኑ ፈሊጥኩም ልብኹም ተኸፊቱ ርክብ ክትጅምሩ ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሕሊፉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ ድማ መገዲታት ኣየርን ወደባትን ስራሕ ክጅምሩ፣ ኤምባሲታት ክኽፈቱ፣ ምንቅስቓስ ሰባት ክህሉ፣ ዝተረፉ ንኣሽቱ ኣጀንዳታት ድማ ቐጻሊ ምርድዳእ ብምግባር ክፍትሑ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ታሪኻዊ ምብፃሕ ዛዚሙ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ኣስመራ ተበጊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቅን ካልኦት ሰበስልጣንን ንልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣፋንዮምዎም።