ድምጻዊ ረዘነ ኣለም፡ “ስስዐ ከይመስል’ምበር ባጽዕ ብሓለፋ ትብጽሓኒ ኮይና እያ ትስምዓኒ”

    • Author, ሃብቶም ወልደዮውሃንስ
    • Role, ጋዜጠኛ ቢቢሲ

ስርሒት ፈንቅል ዝተሰምየ ንባጽዕን ከባቢኡን ካብ ደርጊ ሓራ ዘውጸአ ስርሒት 30 ዓመቱ ደፊኑ ይርከብ።

እቲ ስርሒት ሓሙስ 8 ለካቲት 1990'ዩ ጀሚሩ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንጋሕቴላይ ምስ ተቖጻጸራ ገለ ክፋሉ ናብ ደንገሎ ከንቃዕርር እንከሎ ገለ ክፋሉ ኸኣ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ገስገሰ።

ጠቕላላ ኣብቲ ስርሒት እተሳተፋ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ትሽዓተ ኣጋር ብርጌዳት፡ ሰለስተ መካናይዝድ ብርጌድን ጸረ- ታንክን ኣሃዱታትን፡ ከምኡ ድማ ልዕሊ 10 ፈጣናት ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ዘጠቓለለ ምንባሩ ኣብ 2015 ዝተሓትመት 'ፈንቅል' ዝኣርእስታ መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ።

ሰራዊት ደርጊ ካብ ጎላጉል ሰለሙና ኣትሒዙ እናተኾብኮበ ናብታ እንተርፎ ብሓንቲ ጽርግያ ብኹሉ ሸነኻታ ብባሕሪ ዘተኸበት ጥዋለትን ውሽጢ ባጽዕ ተኣኻኸበ።

ነቲ ኣብቲ ውሽጢ ባጽዕ ተኸቢቡ ዝነበረ ሰራዊት ደርጊ ዝመርሕ ዝነበረ ኣዛዚ ሻዱሻይ ክፍለ ጦር ጀነራል ተሾመ ንነበርቲ ባጽዕ ጅሆ ሒዙ ኢዱ ክህብ ፍቓደኛ ስለዘይነበረ፡ ህግሓኤ በታ እንኮ መእተዊ ዝኾነት 950 ሜትሮ ቁመት ዘለዋ ቢንቶ ስጋለት ቀጣን ብሰለሰተ ታንክታት ክሰግር ፈተነ።

ሰለስተ ታንክታት ካብ ክፍለ ሰራዊት 74 ምስ ሓሓንቲ መሰርዕ ታንከኛታት ኸኣ ድልዋት ኮና፤ ታንክታት ታይገር፣ ጃጓርን ኮማንደርን።

ታንኪ ኮማንደር፡ እታ ናይ መጀመርታ ብህዝባዊ ግንባር ኣብ 1977 ኣብ ውግእ ዓደምዘማት ካብ ደርጊ ዝተማረኸት ታንኪ እያ።

ጃጓር'ውን ኣብ እስትራቴጂካዊ ምዝላቕ ናይ 1978 ኣብ ዒላበርዕድ ዝተማረኸት ክትከውን እንከላ እታ ታይገር ዝተሰምየት ታንኪ ኸኣ ኣብ 1988 ኣብ ግንባር ኣፍዓበት ካብ ናደው እዝ ዝተማረኸት እያ።

ተጋዳላይ ኣለም ኣብርሃ፡ ነቶም ኣብ ታንኪ ኮማንደር ዝመርሖም መስርዕ ሒዙ ንስጋለት ቀጣን ክሰግር ተልእኾ ክውሃቦ እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓዊ፡ ረሽራሻትን መዳፍዕን ደርጊ እናኣማዕደወ ነታ ቅድሚ ቁሩብ እዋን ምስኡ ዝነበረት መዛምድቱ ተጋዳሊት ምሕረት ገባር (ጓል ገባር) ይዝክራ ነይሩ ይኸውን።

ምናልባት'ውን 'ድቅስ ሒዛዶ ትኸውን?' ዝብል ሓሳብ'ውን ኣብ ርእሱ ይነብሮ፡ ኣብቲ እስትንፋስ ዘይህብ ደብዳብ ዝበዝሖ ኵናት ግን ነዚ ክተረጋግጸሉ እትኽእል ንሳ ጓል ገባር ጥራይ እያ ነይራ። እንተኾነ "ተበገስ - ተመለስ" ዝብል ዘየላቡ ትእዛዝ ሰውራ ስለዝፈላለዮም ነናብ ዋኒኖም ከይዶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዓብዩ ብ 1977 ካብ ሰንዓፈ ናብ መሳርዕ ህግሓኤ ዝተሰለፈ ኣለም ኣብርሃ መሓሪ ንሱን እታ ንሱ ዝመርሓ ታንክን መስርዕን ነታ ኣብ ጥዋለት፡ ኣብ ጥቓ እንዳ በረድ ኮይና ንጽርግያ ስጋለት ቀጣን ትከላኸል ዝነበረት ዙ-23 ረሻሽ ጽዒና ዝነበረት ኦራል መኪና ኣቃጺላ ኣብ ዝባና ምስተሓንገረት እያ ንባዕላ ብጸረ ታንክ ሚሳይል ተሃሪማ ተቓጺላ።

ኣባላታ እውን ኣብ ውሽጢ ታንኮም ተቓጺሎም።

ሓድጊ ክገድፍ ግዲ ኢልዎ መጻምድቱ ተጋዳሊት ምሕረት ገባር (ጓል ገባር) ኣብቲ ቅድሚ ንቕሎ ፈንቅል ዝተራኸቡሉ እዋን ደቂ ኣትሪፋስ ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 1990 ረዘነ ንዘሰመየቶ ወዲ ተገላጊላ።

ረዘነ ኣለም ኣብርሃ እንኮ ሓድጊ ተጋዳላይ ኣለም ኣብርሃ

እቲ 29 ዓመትን 4 ወርሕን ገይሩ ዘሎ እንኮ ውላደ ተጋዳላይ ኣለም ኣብርሃ መሓሪ፡ ነታ ኣቡኡ ምስ ብጾቱ ዝተሰወኣላ፡ ኮማንደር ዝተሰምየት ፈላሚት ታንክ ህዝባዊ ግንባር ምስ ታይገርን ጃጓርን ብጾታ ኣብ ጠዋለት ከም ሓወልቲ ተሰቒለን እናኽርእያ እንታይ ከምዝስምዖ ንቢቢሲ ኣካፊሉ'ሎ።

"ብዛዕባ እቲ ዛንታ ኪኖ እቲ ካብ ኣደይን ፈለጥቲ ኣቦይን ዝተነገረኒ ካልእ ብዙሕ ስለዘይፈልጥ እቶም ምስኡ ዝውዓሉ ከዘንትውሉ ይሓይሽ፡ ብሓፈሻ ግን ኣቦይ ምስ ብጾቱ ታንኪ ሒዙ ንስጋለት ቀጣን ሰጊሩ ኣብ ከባቢ እንዳ በረድ ንሓንቲ ረሻሽ ዝጽዓነት መኪና ናይ ደርጊ ብታንኩ ጥሒኑ፡ ኣብ ልዕሊኣ ተሰቒሉ ከምዝተሰወአ እየ ዝፈልጥ" ይብል ረዘነ ኣለም።

ረዘነ ኣለም ብምስዓብ "ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ታሪኽ ስለዝተፈጸመ፡ ናተይ ስለዝኾነ ዝያዳ ንዓይ ስለዝብጽሓኒ እንተዘይኮይኑ ናይ ኣቦይ ፍልይ ዝበለ ኣይኮነን፡ ንኣቦይ ብዓይነይ ክርእዮ ዘይምኽኣለይን ፍቕሩ ዘይምስትምቓረይን ጥራይ እዩ ዝስምዓኒ" ይውሰኽ።

ናብ ባጽዕ ብዙሕ ግዜ ከም ዝመላለስ ዝሕብር ረዘነ ኣለም "ናብ ባጽዕ ክወርድ እንከለኹ፡ ስሰዐ ከይመስል እምበር ባጽዕ ብሓለፋ ትብጽሓኒ ኮይና እያ ትስምዓኒ" ይብል።

ረዘነ ኣለም፡ ብዛዕባ ስርሒት ፈንቅል ከምኡ እውን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ምስፋሩ ዝያዳ ክስራሕ ብምምሕጻን ግዜ እንተነዊሑ ክርሳዕ ከምዝኽእል ይገልጽ።

"ስርሒት ፈንቅል ግዜ ምስ ሓለፈ ዛንታ ጥራይ ክመስል ይኽእል እዩ፤ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ውጻእ ምዓት ከዘንትዉልካ እንከለዉ ግን ርዝነቱ ኪኖ ዛንታ ምዃኑ ምርዳእ ይከኣል።፡ ኣብ ዓለም ከምኡ ዓይነት ቅያ ክትግበር'ዩ ኢልካ'ውን ዝሕሰብ ኣይመስለንን"

"ሕጂ እዘን ታንክታት ክርእየን እንከለኹ፡ ከምዚ ንመርዓዊ መጺእካለይዶ ኢልካ ትቕበሎ፡ ካብ ስጋለት ናብ ጥዋለት ኣብ እትኣትወሉ፡ 'ንሕናን ኣብ ውሽጥና ዝነበሩ ተጋደልትን ነዚ ሰጋለት ቀጣን ሰጊርና ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ኣስጊርናካ' ዝብላኒ ዘለዋ ኮይኑ እዩ ዝስማዓኒ"

ምልጋብ ሰንሰለት . . . 22 ዙርያ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት

ረዘነ ኣለም ምስ መበል 22 ዙርያ ሃገራዊ ኣግልግሎት ናብ ሳዋ ድሕሪ ምውራዱ ነቲ ካብ 2006 ጀሚሩ ኣዕሚቑ ክሰርሓሉ ብዝጀመረ ስነጥብበ፡ ምስ ጉጅለ ባህሊ ዋልታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተጠርኒፉ የገልግል ኣሎ።

ስነ ጥበባዊ ንኽኸውን ጽልዋ ዘሕደረሉ ሰብ እንተሃለዩ ኣብ ዝሓተትናሉ "ስነ ጥበብ ካብ ኣደይ ዝወረስክዎ እዩ ኣደይ ድምጻዊት ተዋሳኢትን ናይ ኢደ ጥበብ ክኢላን እያ፡ እምበር ኣቦይሲ ኵዕሶን እግርን ኵዕሶ መርበብን እዩ ዝፈቱ ነይሩ እዮም ዝብልዎ" ኢሉ እዩ መሊሱልና።

ኣደ ረዘነ ተጋዳሊት ምሕረት ገባር፡ ኣብታ ብምስጉን ዘርኣይ (ወዲ ፈራዳይ) ከምኡ እውን ኢሳይያስ ጸጋይ ዝተደርሰትን ዝተኣልየትን 'እታ ኣደ' ኣርእስታ ፊልም 'ጓል ኣለም' ዝብል ገጸ ባህሪ ሒዛ ብምውሳኣ ብዙሕ ሰብ ብኣኣ'ዩ ዝዝክራ።

ድምጻዊ ረዘነ ኣለም፡ ክሳብ ሕጂ፡ 'ዓባይ ሰብ፡ ከይብሉኒ፡ ኩሉ ወዮ፡ ናበይ ድኣ ሎሚ፡ ጸላመይ፡ ምሳና ኣለኻ ከምኡ እውን ኦሮማይ' ዝብላን ካልኦትን ደርፍታት ናብ ህዝቢ ኣቕሩቡ ኣሎ።

ንሱ ግን ዝያዳ ነታ 'ኦሮማይ' ትብል ደርፉ ከምዝፈቱ እዩ ዝገልጽ።

ደርፊ ኦሮማይ ብኢሳቕ ገብረእግዝኣብሄር ተሓዲማ ኢሳቕ ዑቕባይ ዜማ ዝገበረላ ደርፊ'ያ።

ኦሮማይ!

ብኣኣ'ባ ኣይትምጻኡኒ ብሉለይ ዑንቂ ባሕሪ

ሓሳረይ ርእይ እንደይ ንስለ እዛ ፍቕሪ

ብኣሃዝ ዘይትመን ዘይሽነን ብዋጋ

ዋጋ ከፊለ እንድየ ተጸሚመ ቃንዛ

ደጊም ሕጅስ ሰተት የለን

ምልኪ በይነይ እያ ናይ በይነይ።

ገለ ፍያሜታ ገለ ፍዮሪና

ሓደ ጓል ኣስመራ ዘርከበ ሳሊና

እልቢ የብሉን እቲ ቃላት

ብሌን ዓይነይ ንምዝማት . . . . " እናበለት እያ ትቕጽል።

"ብሓቂ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ደረፍቲ ብዓል ቴዲ ኣፍሮ፡ ጃኪ ካልኦትን ነዚ ደርፍታትናን ክብርታትናን ኣቋሲሎሞ እዮም ንዐኦመ ግብረ መልሲ ክውሃቦም ስለዘለዎ፡ ነቲ ኽብርታት ናይቲ ባሕርን ንኽብርታት ናይታ ሃገርን ብስነ ጥበብ ክንምልሰሎም ፈቲንና ብሓቂ ከኣ ዕላማኣ ወቒዓ'ያ"

ድምጻዊ ረዘነ ኣብርሃ ብምስዓብ "ብናይ ኣምሓርኛ ህርመትን ገለ ናይ ኣምሓርኛ ግጥምን እንተትውስኸላ ዝያዳ መድመዐት ዝብሉ ኣለዉ፡ ንዓይ ግን ኢድካ ምሃብ እዩ፡ ኣይደለኽዎን፡ እቲ ሰውራ ኤርትራ እውን ካብቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ነጻ ንክንወጽእ እዩ ነይሩ ዕላምኡ"

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቖልዑን ኮይኑ ዘሎ ድምጻዊ ረዘነ ኣለም፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል "ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብቅዓካ ይብሎ፡ ነቶም ነዚ ክውን ዝገበሩ ተጋደልቲ ከኣ ክብረት ይሃብኩም እብሎም" ክብል ዕላሉ ዛዚሙ።

ዕድመ ሓርነት ባጽዕ ብዕድመን ጉዕዞን ወዲ ሰብ ንምግማት፡ ካብዚ ተወሊዱ ጎቢዙ ብዙሕ ደርፍታት ኣፍርዩ፡ ተመርዕዮ ክልተ ውልዳቱ ሓቒፉ ዘሎ ድምጻዊ ረዘነ ኣለም ሸሞንተ ኣዋርሕ ምድማር እኹል እዩ።