እድሪስ ኢልባ፡ "ዜግነት፡እቲ ካብ ሃገረይ ክረኽቦ ዝኽእል ዜግነት ዝዓበየ ክብሪ እዩ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሉጽ ብሪጣንያዊ ተዋሳኣይ እድሪስ ኢልባ፡ ናብ ትውልዲ ዓዲ ወላዲኡ ሰራልዮን ንመጀመርታ እዋን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ፡ ዜግነት ናይታ ሃገር ተዋሂብዎ።
ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝተዋህቦ ዘግነት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዘግነት፡ እቲ ካብ ሃገረይ ክረኽቦ ዝኽእል ዜግነት ዝዓበየ ክብሪ እዩ" ክብል ገሊጽዎ።
"ኣነ ንኣፍሪቃ ሓዲሽ ኣይኮንኩን፤ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፊልምታት ሰሪሐን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ተቓሊሰን እየ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ሰራልዮን ምስ ኣተኹ ገዛ ስድራቤተይ ስለዝኾነ ዝተሰመዓኒ ስምዒት ፍሉይ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"እቲ ኣቀባብላ ኣዝዩ መሳጢ እዩ ነይሩ፤ ኣነ ከኣ ኣብቲ ዝነበረ ውዕውዕ መንፈስ ሰራልዮን ብቕልጡፍ ተጸንቢረ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዲዝኒ ኣብ ኣፍሪቃ
እዚ ኣብ ብዙሓት ፊልምታት ዝተዋሰኣ ብሉጽ ተዋሳኣይ ፊልም፡ ኣብ ምምዕባል ቱሪዝምን መዘናግዒ ኢንዱስትሪን ሰራልዮን ወፍሪ ከካይድ ከምዝደሊ'ውን ሓቢሩ።
"ንናተይ ህርፋን ኣመሪካ ወይ ዓዲ እንግሊዝ ክሕዞ ኣይክእልን እዩ። ኣፍሪቃ ነቲ ናተይ ህርፋን ድልየትን ክሓቑፎ ይኽእል እዩ። ኣብ ኣመሪካ ክገብሮ ዘይክእል ዲዝኒ፤ ኣብዚ ክሃንጾ ይኽእል እየ" ክብል ተዛሪቡ።
እድሪስ ኢልባ ኣብ 1972 ኣብ ከተማ ለንደን ተወሊዱ። ወላዲኡ ኣብ ሰራልዮን እዩ ዓብዩ። ሕጂ ግን ብህይወት የለን። ኣዲኡ ድማ ካብ ጋና እያ።
ሰራልዮን ካብ 1991 ክሳብ 2002 ብውግእ ሓድሕድ ተሓሚሳ ከምዝነበረትን፤ ካብ 2014-2016 ድማ ብሕማም ኢቦላ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ቁጠባ እታ ሃገር ከምዝተጎድኣን ጸብጻባት የመልክቱ።
ብሩህ መጻኢ ሰራልዮን
እድሪስ ኢልባ ንምስሊ እታ ሃገር እንደገና ከሐድሶን ከበራብሮን ከምዝደሊ ሓቢሩ።
ናይታ ሃገር መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ንኽዓቢ ተኽእሎ ከምዘለዎን፤ ንዓለም ክንገር ዝኽእል ዛንታታት ከምዘለዎን ይኣምን።
"ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ንፉዓት ቆልዑ ኣለው። ናይ ብሓቂ በላሕቲ እዮም። ኣብ ህንጸት እቲ ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ እጃሞም ከበርክቱ ይኽእሉ እዮም"
እቲ ዝተዋህቦ ፖስፖርት ኣመልኪቱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ "እዚ ከም ወዲ ዓዲ ክምለስ ክሕግዘኒ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







