እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ስለምንታይ ተመስሪቱ? ኣብዚ እዋን'ከ ኣድላይ ድዩ?
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ 1949 እዩ ተመስሪቱ። ቀንዲ ዕላማ እታ ኪዳን ኸኣ ፖሎቲካውን ወተሃደራውያን ሽርክነት ብምፍጣር ንሓባራዊ ምክልኻል ዝዓለመ እዩ።
እዚ ኪዳን'ዚ ኣብዚ ዓለም ተቐይራትሉ ዘላ ድሕሪ 70 ዓመት፡ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ድዩ ዝብል ሕቶ ይለዓል ኣሎ?
ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ኔቶ (ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ዘሎ ናይ ስራሕ ሃዋህው፡ ካብ ኣሜሪካ፤ ፈረንሳይ፤ ከምኡ'ውን ቱርኪ ነቐፌታታት የጋጥሞ ስለዘሎ ዘተባብዕ ኣይኮነን።
እዘን ብኣሜሪካ ዝመርሓ 29 ኣባላት እቲ ኪዳን፡ ሎሚ ቅነ ኣብ ለንደን ኣኼባ የካይዳ ኣለዋ። ብዛዕባ ናይ መጻኢ ቀጻልነቱ ድማ ብዙሓት ዘይተመለሱ ሕቶታት ተንጠልጢሉ ይርከቡ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብኸመይ ተመስሪቱ?
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ 1949 ብኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ዴንማርክ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖርቱጋል፡ ኣይስላንድ፡ ላክስንበርግ፡ ጣልያንን በልጂምን እዩ ተመስሪቱ።
ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር፡ ብሶቬት ሕብረትን መሻርኽታን (ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ) ከጋጥመን ንዝኽእል ተጻብኦታት ንምምካትን፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ኪዳን ንምምስራትን'ዩ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓቢ ዓወታት ዘመዝበ ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት፡ ኣብ ምብራቕ ጀርመን ዓሪዱ ተሪፉ። ሞስኮ፡ ንምብራቕ ጀርመን ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሃገራት ዓቢ ጸቕጢ ትገብር ነይራ።
ርእሲ ከተማ ጀርመን በርሊን፡ ኣብ ኢድ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ፈረንሳን ብምውዳቓ፡ ኣብ መፋርቕ 1948 ናይ ሶቭየት መራሒ ዝነበረ ጆሴፍ ስታሊን ንምዕራብ ጀርመን ካብ ምብራቕ ጀርመን ፈጺሙ ዓጽይዋ ነይሩ።
እንተኾነ እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ፡ ነታ ከተማ ብነፋሪት ክምግቡዋ ስለዝጀመሩ እቲ ኩነታት ሃዲኡ። ንከምዚ ዓይነት ተጻብኦታት ንምምካት ድማ፡ ብኣሜሪካ ዝምርሓ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብ11 ሃገራት'ዩ ቆይሙ። ኣብ 1952 ድማ ቱርክን ግሪኽን ተጸንቢረንኦ።
ከም ግብረ መልሲ ምምስራት ኔቶ ኸኣ፡ ሕብረት ሶቭየት'ዉን፡ ንሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ (ፖላንድን ምብራቕ ጀርመንን) ብምጽንባር፡ ኣብ 1955 ኣብ ርእሰ ከተማ ፖላንድ ዋርሶ ብምትእኽኻብ "ዋርሶ" ዝተሰምየ ኪዳን መስረታ።
እንተኾነ እዚ ኪዳን ኣብ መወዳእታ 1991 ምስ ምብትታን ሕብረት ሶቬት ተበታቲኑ።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንምንታይ እዩ ዝሰርሕ?
ወግዓዊ ጭርሖ ኔቶ "ናጽነት፤ ሓባራዊ ውርሻን ስልጣነን ምሕላው" ዝብል ኮይኑ፡ ናይ ኣባላት ሃገራት "ርግኣትን መነባብሮን ኣትላንቲክ" ኣብ ምድንፋዕ ይሰርሕ።
እቲ ዝተመስረተ ስምምዕ ከምዝሕብሮ፡ ሓንቲ ኣባል እቲ ኪዳን እንተተጠቒዓ፡ ኩለን ኣባል ሃገራት ከምዝተጠቕዓ ስለዝቑጸር፡ እቲ ኪዳን ብሓባር ይከላኸልን ይተሓጋገዝን።
እቲ ኪዳን ንሕብረት ሶቭየትን ዴስነትን፡ ከም ቀንዲ ጸላኢ ውሕስነቱ ገይሩ እዩ ዝወስዳ። እቲ ኪዳን ካብ ዝምስረት፡ ን1000 ኪ.ሜ ዝኸውን ናብ ሞስኮ ቀሪቡ ኣሎ። እቲ ኪዳን ድማ፡ ነተን ቀደም ኣብ ትሐቲ ሕብረት ሶቭየት ዝነበራ ሃገራት ኣብ ማሕበሩ ኣእትዩወን ይርከብ።
ሕብረት ሶቭየት ካብ ፈረሰ ደኣ እቲ ኪዳን ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ጸኒሑ?
ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ሞስኮ ክመጽአን ዝኽእል ስግኣት ምሕሳብ ኣቛሪጸን ኣይፈልጣን እየን።
ሩስያ ክሳብ ሕጂ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጎብለል ስለዘላ፡ ኔቶ ነዚ ኩነታት ኣብ ግምት'ዩ ዘእትዎ።
ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ብኣሜሪካ ዝምወል ኪዳን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጣልቃ ብምእታው፡ ንሽግራተን ኣብ ምፍታሕ ተዋፊሩ ይርከብ።
ኔቶ፡ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ኣብ ቦዝንያን ዩጎዝላቭያን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተዋህቦ ስልጣን ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣካይዱ።
ድሕሪ'ቲ ብ11 መስከረም 2001፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ'ውን ኔቶ ሰራዊቱ ኣንጻር ኣልቓዒዳን ጣሊባንን ንምውጋእ ናብ ኣፍጋኒስታን ልኢኹ። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣስታት 17 ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተዋፊሩ ይርከብ።
ስለምንታ እየን ኣባል ሃገራት ዘይሰማምዓ ዘለዋ?
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኔቶ ብዙሕ እዋን ነቒፍዎ እዩ። ካብ 2016 ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ እንከሎ ጀሚሩ፡ እቲ ኪዳን ተበታቲኑ እንተጠፊኡ 'ጽቡቐ' ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ትራምፕ፡ ሓንቲ ካብ ኣባላት ኔቶ እንተተጠቒዓ፡ ኣሜሪካ ነቲ ሕጊ ኪዳን ብምግሃስ፡ ነተን ሃገራት ክትከላኸለለን ከምዘይትኽእል ሓቢሩ ነይሩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ብኣበርክቶ ኣባላት ኔቶ'ውን ሕጉስ ኣይኰነን። ኣሜሪካ ንውሕስነት ካልኦት ሃገራት ኢላ ብዙሕ ገንዘብ ከምተጥፍእ እዩ ዝዛረብ። እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣብ እንግድዓ ኣመሪካ ተመርኲሱ'ዩ ዝቕጽል ዘሎ'ዩ ዝብል። ስለዚ ኩለን ኣባላት ሃገራት 2% ናይ ባጀተን ንኔቶ ከበርክታ ኣለወን በሃላይ እዩ። ኣሜሪካ ን70% ሚእታዊት እቲ ኪዳን ባዕላ ትሽፍኖ።
ቱርኪ'ኸ እንታይ ትደሊ?
ኣብ 1951 ኣብ ኔቶ ዝተጸንበረት ቱርኪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኩርዳውያን ሓልታታት በይናኣዊ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ሃገራት ፍልልይ ኣምጺኡ እዩ።
ከም ግበረ-መልሲ፡ ካብ 28 ኣባላት ኤውሮጳዊ ሕብረት እተን 22 ንቱርኪ ኣጽዋር ከይሸጣ ተሰማሚዓን ። ንቱርኪ ኣጽዋር ዝሸጣ ሃገራት ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ከምኡ'ውን ብሪጣንያ እየን። እንተኾነ፡ ምስ ግዜ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ሩስያን ቱርክን፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ኔቶ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ።
ቱርኪ፡ ንናይ ኣመሪካ ጸቕጢ ዕሽሽ ብምባል፡ S-400 ዝዓይነቱ ምዕቡል መከላኸሊ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ዓዲጋ። ኣመሪካ፡ እቲ ስርሓት ሩስያ ዝኾነ ስርዓተ ምክልኻል፡ ምስተን ቱርኪ ካብ ኣመሪካ ዝዓደገተን፡ F-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእን፡ ስርዓተ ምክልኻል ወታሃደራዊ ኪዳን ኔቶን ከም ዘይሰማማዕ ኣጠንቂቓ ነይራ።
መንግስቲ ቱርኪ፡ 100 ዝበጽሓ F-35 ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካ ንምግዛእ ንዘቕረበቶ ጠለብ ድማ ብኣሜሪካ ተነጺጉ።
ንኔቶ እንታይ ዓይነት መጻኢ እዩ ዝጽበዮ ዘሎ?
መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ ኣብ ናይ ሩስያ ጆኦግራፍያውን ፖሎቲካውን ኣቃውማ እዩ ዝምርኮስ።
ምክትል ሓላፊ ኔቶ ነበር ኣሌክሳንደር ቫርቦው ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ወራሪት ሩስያ ክሳብ ዘላ፡ ኔቶ ንሓባራዊ ምክልኻልን መዕገቲ ስግኣትን ክህሉ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ ኔቶ ንዝመጽእ ዓሰርተታት ዓመታት ወይ'ውን ንዝመጽእ 70 ዓመት ክህሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ። ወላ እኳ ፕረዚደንት ትራምፕ ንኔቶ ብቀጻሊ እንተነቐፎ፡ ባይቶ ኣሜሪካ ግን፡ ኣሜሪካ ካብቲ ኪዳን ንኸይትወጽእ ሕጊ ኣሕሊፉ እዩ። ክልቲአን ሰልፍታት ኣሜሪካ እውን ደጊፈንኦ።