እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዋጅ 'ኮሚሽን ጉዳያት ወሰንን መንነትን' ብ 33 ተቓውሞ ጸዲቑ
ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ 'ኮሚሽን ጉዳያት ወሰንን መንነትን' ንምጥያሽ ንዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ ብ 33 ተቓውሞ፡ ብ 4 ድምጺ ተዓቅቦ ኣጽዲቑ።
እቲ ረቒቕ ኣዋጅ ድሕሪ ብርቱዕ ክትዕ እዩ ኣብዝሓ ድምጺ ረኺቡ፡ ክጸድቕ ክኢሉ።
ንምጥያሽ እቲ ኮሚሽን ዝተቓወሙ ኣባላት ተወከልቲ "ዘይሕገመንግስታዊ" ክብሉ እንትምጉቱ፡ ዝደገፍዎ ድማ ሕገመንግስታዊ እዩ ክብሉ ተኻቲዖም።
ተወከልቲ ትግራይ ንምጥያሽ እቲ ኮሚሽን ተቓዊሞም
ኣብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ንትግራይ ዝወከሉ ተመረጽቲ፡ እቲ ባይቶ ቅድሚ ምእካቡ፡ ነቲ ዝተዳለወ ረቒቕ ኣዋጅ ኢ-ሕገመንግስታዊ እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ ነይሮም።
ጥርዓን እቶም ተወከልቲ ዝገልጽ 23 ገጽ ዘለዎ ርእይቶ ድማ ናብ ባይቶታት ፌደሬሽንን ተወከልቲ ህዝብን፡ ከምኡ ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ቀወምቲ ኮሚቴታትን ጽሒፎም እዮም።
እቶም ተወከልቲ "ሰብ ጉዳይ ዝኾና ክልላትን ካልኦት መዳርግትን ብሰፊሑ ከይመኸርሉን ከይተዛተዩሉን ብተብተብ ንምጽዳቕ" ድልየት ኣሎ ክብሉ ኣብቲ ትማሊ ዝጸሓፍዎ ርእይቶ ኣስፊሮም እዮም።
እቲ ኣዋጅ እንታይ ይብል?
'ኮሚሽን ጉዳያት ወሰንን መንነትን'፡ ኣብ መንጎ ክልላት ንዝለዓሉ ናይ ወሰን (ዶብ) ከምኡ ድማ ሕቶታት መንነት ንክፈትሕ ዓሊሙ ዝጣየሽ ክኸውን ከሎ፡ ተጸዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስቴር እዩ።
እቲ ኮሚሽን ምስ ሕቶ ወሰንን መንነትን ብዝዛመድ ንዘጋጥሙ ኩሎም ጎንጽታት መንቀሊኦም ብምትንታን፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርን ንባይቶ ፌደሬሽንን ናይ ውሳነ ሓሳብ ዘቕርብ ከም ዝኾነ እቲ ኣዋጅ የረድእ።
ምምሕዳራዊ ወሰናት ብቐጻልነት ዝውሰኑሉን ዝልወጥሉን መገዲ ዝምልከት ምኽረ ሓሳብ ምቕራብ እውን ሓደ ካብ ስልጣንን ተግባራትን እቲ ኮሚሽን እዩ።
ኣካቢ፣ ምክትል ኣካብን ካልኦት ኣባላትን እቲ ኮሚሽን ብቀዳማይ ሚኒስተር ተሓጽዮም ብተወከልቲ ህዝቢ ክሽየሙ እዮም።