እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ትማሊ ሞቓዲሾ ኣትዩ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ (ፋርማጆ) ብዝተገብረሉ ዕድመ፡ ናብ ከተማ ሞቓዲሾ ሶማልያ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ሶማል ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
ሚኒስተር ዜና፡ የማነ ገብረመስቀል እዚ ታሪኻዊ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣካል ናይቲ ስሉሳዊ ርክብ መራሕትን መንግስታትን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ኢዩ ኢሉ።
ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል'ውን ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ንዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ንምድልዳል ሎሚ ናብ ሶማል ከም ዝኣቱ ሓቢሩ።
ትማሊ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሞቃዲሹ ክኣትው ምዃኖም ሓበሬታትት እኳ እንተነበረ፡ እዚ ብቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ግን ብዛዕባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣይተዛረበን።
ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ዞባ፡ ህዝቢ ሶማል ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ደገፍ ስለዝነበሮ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን ታሪኻዊ ምዃኑ ይገልጹ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ንዝምድና መንግስታት ኤርትራን ሶማልን'ውን ንዓመታት ብኣሉታ ስለ ዝጸለዎ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ደስኪሉ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ድሕሪ ምምጽኡ፡ ብ17 ጥቅምቲ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን፡ ናብ ሞቓዲሾ ከይዶም ነይሮም።
ብድሕርዚ ፕረዚደንት ሶማልያ ብ28 ሓምለ ናብ ኤርትራ ወግዓዊ ዑደት ንምፍጻም ኣትዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ድማ ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ ሓባራዊ 'ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን' ከቲሞም።
ብመሰረት'ቲ ሰነድ፡ ኤርትራን ሶማልን፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቊጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ምክልኻልን ጸጥታን ክተሓባበራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምምስራት ኣምባሳደራት ክምዝዛ፡ ክልተኣዊ ንግዳውን ወፍራውን ዝምድና ከተባብዓን ከዕዝዛን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መዳያት ትምህርትን ባህልን ምልውዋጥ ክገብራ ምስምምዐን ተገሊጹ።