እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማልን ንጥፈታት ስሉሳዊ ስምምዕ ገምጊሞም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ አፈወርቂ ከምኡውን ፕረዚደንቲ ሪፓብሊክ ሶማል፡ ሞሓሞድ ኣብዱላሂ ብዓርብን ቀዳምን 9-10 ሕዳር፡ ኣብ ባህርዳር ኢትዮጵያ ተራኺቦም ድሕሪ ምምይያጥ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።
እቲ ርክብ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣስመራ፡ ብ 5 መስከረም፡ ዝተገብረ ስሉሳዊ ናይ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ስምምዕ ንምድልዳል ምዃኑ እቲ ሓባራዊ መግለጺ የመልክት።
እቶም መራሕቲ፡ ነቲ ድሕሪ'ቲ ናይ ኣስመራ ሰምምዕ ዘሎ ምዕባለታትን ዓወታትን ብምግምጋም፡ በቲ ድሮ ተረኺቡ ዘሎ ምዕባለታት ዘሎዎም ዕግበት ገሊጾም።
በዚ ድማ ነቲ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ከትርሩን ሓባራውን ውልቃውን ብድሆታት ንምግጣም ሓቢሮም ክስርሑ ከም ዝተሰማምዑ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ወሲኹ የርድእ።
እዚ ከምዚ ከሎ፤ ንኣገዳስነት ምኽባር ልዑላውነትን፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ፖለቲካዊ ነጻነትን ሶማል ኣስሚሮም።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ምልዓል እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝፀንሐ እገዳ፤ ሰላም፡ ምዕባለን ምትሕግጋዝን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽድንፍዕ ሓጋዚ ምኻኑ ከም ዘስመርሉ ይሕብር።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ 14 ሕዳር ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓል ብዝምልከት ድምጺ ክህብ ኢዩ። እቲ እገዳ ካብ ታሕሳስ 2009 ጀሚሩ ኢዩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ።
ኣብ ቀጻሊ፡ ስሉሳዊ ርክብ እዘን ሃገራት፡ ኣብ ሞቃዲሹ ክካየድ ምዃኑ ሶማሊወይን ዝተብሃለ መርበብ ሓበሬታ ኣስፊሩ።
መራሕቲ ኤርትራን ሶማልን፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዝተገበረሎም ዕድመ፡ ናይ ክልተ መዓልትታት ዑደት ንምግባር ብዓርቢ ናብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህርዳር፡ ብዓርቢ ኢዮም ኣትዮም።