ንሰላማዊ ዉቅያኖስ ሓምቢሱ ብምቑራጽ መዝገብ ክብረወሰን ክሰብር ዝፍትን

ለኮምት ካብ ጃፓን ኮሺ እናተበገሰ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንሰላማዊ ዉቅያኖስ ዘቋረጸ ፈላሚ ሓምባሳይ ንምዃን ዝሓለነ ፈረንሳዊ ሓምባሳይ ካብ ገማግም ጃፓን ነቒሉ።

ወዲ 51 ዓመት በን ለኮምት፤ መዓልታዊ ን ሸሞንተ ሰዓታት እናሓንበሰ፤ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ምዕራባዊ ገማግም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሕምብስ ኢዩ።

ኣብ መንገዱ፤ ሻርክ፤ ማዕበል፤ ተጓዳእቲ ንኣሽቱ ዓሳታትን ኣዝዩ ብርቱዕ ዛሕልን ክገጥምዎ ካብ ዝኽእሉ ሓደጋታት ኢዮም።

ንሱ በቲ ዝገብሮ ናይ 9000ኪሜ ጉዕዞ፤ ኣብ ክሊማዊ ለዉጢ ዘሎ መረዳእታ ከስፍሕ ተስፋ ከምዘለዎ ክገልጽ ከሎ፤ ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ ድማ ጎኒ ጎኑ ብዛዕባ ኣብ ባሕሪ ዝተጉሓፈ ፕላስቲክ፤ ምሒር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልቢ ክፈጥሮ ዝኽእል ጸቕጥን ካልእን መጽናዕቲ ክገብሩ ኢዮም።

ነባሪ ኣሜሪካ ፈረንሳዊ ለኮምት፤ መዓልታዊ ንሰዓታት ልምምድ እናኣካየደ፤ ክዳሎ ኢዩ ጸኒሑ።

ምድላዋቱ ከባቢ ሽዱሽተ ዓመታት እኳ እንተወሰደ፤ ለኮምት ነዚ ካብ ዝሕልን ነዊሕ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ 1998 ነቲ ናይ ፈለማ ንኣትላንቲካዊ ዉቅያኖስ ዘቋርጽ ምሕንባስ ኣብ 73 መዓልታት ፈጺምዎ። ሽዑ ብዓወት ናብ ምድሪ ምስ በጽሐ "ፈጺመ ኣይደግምን'የ" ኢሉ እኳ እንተነበረ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ካልእ ብድሆ ከቋምት ጀሚሩ።

"ሓሳባተይ ክቕይር ግዜ ኣይወሰደለይን፤ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ክሓስብ ጀሚረ" ክብል ተዛሪቡ።

ለኮምት እኹል ሓይሊ ንምርካብ መዓልታዊ 8000 ካሎሪ ክምገብ ወጢኑ ኣሎ።

እተሰንዮ ጃልባ 'ጂፒኤስ' ዝግጠመላ ክኸዉን ከሎ፤ ክከታተልዎ ንዝደልዩ፤ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ለኮምት ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ።