እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መበል 23 ዓመት ዝኽሪ ኮሞሮስ፡ ካብ ነፋሪት ወዲቖም ዝደሓኑ ኤርትራዊ
ቅደሚ ዕስራን ሰለስተን ዓመት፡ ልክዕ ከምዛ ትማሊ 23 ሕዳር 1996፡ ብምኽንያት ስራሕ፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ካብ ዝነብራ በዓልቲ ቤቶምን ደቆምን ተፈልዮም ኣብ ኣስመራ ዝጸንሑ ኣቦይ ኣስመላሽ ስብሃቱ፡ ንቤቶም ክምለሱ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 767 ቲኬት ዓደጉ።
ቀዋሚ ዓሚል እቲ መገዲ ኣየር ስለዝነበሩ እምበር እታ ነፋሪት መሊኣ ስለዝነበረት ኣብ ኪዮስኪታት መሻይጦ ትኬት ቦታ ኣይነበረን። ዓሚልነቶም ጠቒሙዎም ግን፡ ኣብታ ዝደለዩዋ ዕለት ቦታ ስለዝረኸቡ ቅድሚ በረራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኽቡ።
ንቡር መስርሕ ምጽራይ መንነትን ጉዳይ ሚዛንን ዝወድኡ ገያሾ፡ ናብታ ነፋሪት ክድይቡ ምስተሰርዑ እቶም ኣቦ ንነዊሕ ግዝያት ዘይረኣዩዎ ኣብ ጎንደር ዝፈልጡዎ ዝፈትዉዎ ዓርኮም ረኸቡ።
እቲ ኣጋጣሚ ኣዚዩ ስለዘሐጎሶም ከኣ ክሳብ ናይሮቢ ዝኣትዉ እናዕለሉ መታን ክኸዱ፡ ኣብ ዳሕረዋይ ሸነኽ እታ ነፋሪት ምስ ዓርኮም ስፍራ ሒዛ ምስ ዝነበረት ሰበይቲ ቦታ ተቐያይሮም፡ ብዝሓለፈ ህይወቶም ከዕልሉ ብሓንሳብ ኮፍ በሉ።
እንተኾን ነዊሕ ከይከዱ፡ ኣስታት ናይ ድሕሪ 20 ደቓይቕ በረራ፡ ሽዑ 11 ሰባት ምዃኖምን ተተኳሲ ከምዝሓዙን ዘፈራርሑ ጨወይቲ፡ ንፓይሎት እታ ነፋሪት ናብ ኣውስትራልያ ከቕንዕ ኣዘዙዎ።
ብመጉልሕ ድምጺ እታ ነፋሪት ገይሮም ከኣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ካብ ኮፍ ዝበለሉ ከይንቀሳቐስ፤ ዝኾነ ሰብ ክጻብኦም እንተፈቲኑን መራሕ'ታ ነፋሪት ትእዛዞም እንተዘይኽቢሩን እቲ ከም ቦምባ ኣምሲሎም ዝሓዝዎ ነገር ክፍንጅሩዎ ምዃኖም ብምፍርራሕ ነቶም ገያሾ ኣጨነቑዎም።
ኣብታ ነፋሪት ፓይለት፣ ተሓጋገዚኡን ኣሳሰይቲ በረራን ዝርከብዎም ደቂ 36 ሃገራት ብድምር 175 ሰባት እዮም ነይሮም።
እቶም ዝተረበሹ ጨወይቲ፡ ነቲ ተሳፋሪ፡ ብመጉልሕ ደምጽን፡ ኣሎና ብዝበሉዎ ናይ ሐሶት ቦምባታትን ድሂሎም ነቲ ፓይለት፡ ነታ ነፋሪት ናብ ኣውስትራልያ ከቕንዓ ይጭቕጭቕዎ ነበሩ።
እቲ ፓይለት፡ መገሽኡ ንናይሮቢ ስለዝኾነ እትረፍ ንአውስትራልያ፡ ለይትን መዓልትን ልዕሊ 10 ሰዓት ዘብርር ነዳዲ ከምዘይበሉ እኳ እንተሓበሮም ኣይሰምዕዎን።
ይኹን እምበር ደቡባዊ ገማግም ኣፈሪቃ ሒዙ ብምስጢር ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ልዑል ስዒድ ኢብራሂም ኣብ ደሴት ግራንደ ኮሞሮ ክዓልብ እኳ እንተፈተነ እቶም ጨወይቲ ስለዝዓናቐፉዎ ዕምቆት ኣብ ዘይብሉ ገማግም ባሕሪ ክዓልብ ተገዲዱ።
እታ ነፋሪት ጽፍሒ ባሕሪ ምስ ተንከፈት ከኣ ምስቲ ዝነበራ ፍጥነትን ክብደትን ኣብ ክልተ ተገሚዓ።
እታ ነፋሪት ምስ ወደቐት፡ ነበርቲ እታ ደሴት፣ ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበሩ ቱሪስትን ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑ ሓካይምን ቀዳማይ ረድኤት ክገብሩ ናብቲ ቦታ ጎዮም።
ሓደ ካብቶም ቱሪስተ እታ ነፋሪት ኣብ ዕረፍቲ ንዝነበሩ ገያሾ እታ ደሴት ንምሕጓስ ትሒታ ትበርር ዘላ ናይ ምርኢት ነፋሪት መሲሉዎ ኣብ ኣጋ ምዳቓ ንዝኽርን ታሪኽን ዝኸውን ዘደንቕ ስእላዊ ሰነድ ኣትሪፉ።
ደሃይ ኣቶ ኣስመላሽ?
ንናይሮቢ ክትኣቱ ዝነበራ ነፋሪት ምስ ደንጎየት፡ እታ ጋሻ እተጽበ ዝነበረት ስድራ፡ ብፍላይ ከኣ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ጸሃይቱ ሚኪኤል ክጭነቑ ጀሚሮም።
ግዜ እናነውሐ ብዝኸደ መጠን እቲ ሻቐሎት እናወሰኸ ስለዝመጽአ ናብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ናብ ዝርከቡ ደቆምን መቕርብን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ክደዋውሉ ጀመሩ።
ድሕሪ ቁሩብ፡ እታ ነፋሪት ከምዝተጨውየት ምስተሰምዐ፡ ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ ደቆም ወላዲቶም ከይሰምዓ ክከላኸሉ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ደቆም ከኣ ምስ ቤተሰብ ተኣኻኺቦም ካብ መስኮት ተለቪዥን ደሃይ ክሰምዑ ኣብ ተሌፎንን ሚድያን ተጸምዱ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝነበረት ጓሎም ኤደን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ዘይትርስዖ ትዝታ ኣለዋ።
" ሓወይ 'ነቦና ዝሓዘት ነፋሪት ደሃይ ኣጥፊኣ ኣላ' ኢሉ ምስ ደወለለይ፡ ተቐላጢፈ፡ ኣብ ጥቓይ ናብ ዝነበረት ሓፍተይ ከይደ ዳርጋ ብዙሓት መቕርብ ኣብ ፊላደልፊያ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ኣከባቢ ንነብር ስለዝነበርና ተኣኻኺብና፡ ነንሓድሕድና እናተጸናናዕና፡ ምናልባት ሕማቕ ነገር እንተመጺኡ እንታይ ክንገብር ከምዘለና እናተዘራረብና ደሃይ ክንጽበ ጀሚርና" ትብል።
ኣስዒባ ከኣ "ድሕሪ ብዙሕ ሸቐልቐል ኣብ ጀርመን ካብ ዝነብሩ ቀረባ ቤተ-ሰብ ኣቦና ኣብ ተሌቪዥን ቃለ መሕትት ክገብር ከምዝረኣዩዎን ከምዝደሓነን ምስተነግረና ኣስተንፊስና፤ ግን ከኣ በቶም ሽዑ መዓልቲ ብዘይሓሰቡዎ መገዲ ብሕማቐ ዝጠፍኡ መጋይሽቱ ቖልዓ፣ ሰበይትን ዓበይትን ብዙሕ ጉሂና" ብምባል ሕሉፋ ትዝክር።
መስበርቲ መንኩብ ኣጋጢሙዎ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣቦይ ኣስመላሽ ንሓካይም እቲ ሆስፒታል ስልኪ ከደዉሉዎም ብምሕታት፡ ነታ ዋላ'ኳ ደሃይ ጀርመን እንተሰምዐት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝነበረት ስድራ ብድምጾም ደሓን ምህላዎም ኣበሲሮሙዋ። ሽዑ ዝነበረ ሓጎስን ሓዘንን ዝተፈራረቖ ህሞት ኣብቲ ገዛ ክሳብ ሕጂ ኣይርሳዕን እዩ።
ካብታ እዋንን እቲ ዕለትን ንደሓር እታ ዕለት ከም ዳግማይ ልደት ኣቦይ ኣስመላሽ ኮይና ትበዓል ኣላ። ኣብዛ ዕለት እምበኣር ኣቦይ ኣስመላሽ ካብቲ 83 ዓመት ዕድሜኦም፡ ዳግማዊ ልደቶም የብዕሉ።
እዞም ካብ ሰማይ ናብ ባሕሪ ወዲቓ ካብ ዝተኸስከሰት ነፋሪት ዝደሓኑ በዓል ጸጋ ዕድመ ኣቦ፡ ነቲ ዘጋነፎም ፈጻሜ እትትርኽ ንእሽቶ መጽሓፍ ብምሕታም ነቲ ናይ ሰማያት ናይ ጨወይቲ ዕግርግርን ናይ ዓበይትን ሕጻናትን ሻቕሎትን ሰኒዶምዎ ኣለዉ።
ግዳያት'ቲ ሓደጋ
ካብቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 175 እቶም 125 ክሞቱ እንከለዉ ሓምሳ ሰባት ከኣ ከቢድን ፈኪስን ጉድኣት ወሪዱዎም ደሒኖም።
ካብቶም ፓይለትን ተሓጋገዚኡን ዝርከቡዎም ዓሰርተ ክልተ ሰራሕተኛታት እታ ነፋሪት፡ ሽዱሽተ ድሒኖም እቶም ፍርቆም ግን ዕራርቦ ጸሓይ እታ ዕለት ክርእዩዋ ዕድል ኣይገበሩን።
ካብ መንጎ እቶም ተጓዓዝቲ ዉሩይ ናይ ኲናት ጋዜጠኛን ኣሕታሚ ሰላምታ እተሰምየት መጽሄት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን መሓመድ ኣሚን ይርከቦም።
ኣብታ ነፋሪት ሓያሎ ሰበስልጣናት ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝነበሩ እውን እቲ ድሒሩ ብማዕከናት ዜና ዝወጽአ ጸብጻብ የረጋግጽ።
ነቲ ነፋሪት ዝመርሕ ዝነበረ ፓይለት ሰሎሞን ኣባተን ተሓጋጋዚኡ ዮናስ መኩርያን ከኣ ብዘርኣዩዎ ብቕዓት ምምራሕ፡ ብትካል ብቕዓት ድሕነት በረራ ተሸሊሞም'ዮም።