Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 9
Listen to find out how to ask about someone’s birthday.
ንሓደ ሰብ ዕለተ-ልደቱ መዓስ ምዃኑ ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 9
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
When is your birthday?
Listen to find out how to ask about someone’s birthday.
ንሐደ ሰብ ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ብከመይ ኣገባብ ከም እትሓቱዎም ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ሰላም፤ እንቋዕ ብድሓን ናብ መደብ Essential English Conversation መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ ......... እበሃል፣ ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ንሰባት ብዕለተ-ልደቶም ከመይ ኢልኩም ከም እትውከሱዎም ክትመሃሩ ኢኹም።
ሕጂ ክልተ ሰባት ብዛዕባ ዕለተ-ልደቶም ክተሓተቱ ከለዉ ተኸታተሉ።
Amy
When’s your birthday?
Phil
My birthday’s on June the 10th.
Amy
Mine’s on October the 3rd.
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
ብመጀርታ ኤይሚ ን ፊል ‘መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ?’ ኢላ ሓተተቶ’ ‘When is your birthday?’
ንቕድም ነቲ ሓረግ ስምዑዎ፡ ድሓር ድገሙ።
Insert
When’s your birthday?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ ፊል ከምዚ ኢሉ መለሰ - “ዕለተ-ልደተይ 10 ሰነ’ዩ” ‘My birthday’s on June the 10th.’ እቲ ዕለት ብመዓልትን ወርሕን ምስ እንገልጾ ‘on’ ዝብል ቃል ንጥቀም። ንኣብነት፡ 10 ግንቦት ከምኡ’ውን 22 ሚያዝያ ብኸምዚ ኣገባብ ንገልጾም ‘on May the 10th’ and ‘on April the 22nd’
ንቅድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
Insert
My birthday’s on June the 10th.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዕለተ-ልደትና ምስ እንጠቅስ ዝተወለድናሉ ወርሒ ከነቕድም ንኽእል። ኣስማት ኣዋርሕ ከምዚ ዝስዕቡ’ዮም ...
Insert
ጥሪ January
የካቲት February
መጋቢት March
ሚያዝያ April
ግንቦት May
ሰነ June
ሓምለ July
ነሓሰ August
መስከረም September
ጥቅምቲ October
ሕዳር November
ታሕሳስ December
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒብኩም እቲ ዝተወልድኩሙሉ መዓልቲ ብተርታዊ ቍጽሪ ወይከኣ ብኣሃዝ ኢኹም ተቕርቡዎ። ተርታዊ ቍጽሪ ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ዘኣመሱ ማለት’ዩ።
Insert
First, second, third.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ዕስራ ዘሎዉ ኣሃዛት ኣብ መወዳእታ ‘th’ ዘድምጽ ቃል ክትውስኹሉ ትኽእሉ። ንኣብነት ...
Insert
ራብዓይ fourth
ዓሽራይ tenth
መበል ዓሰርተ-ሸሞንተ eighteenth
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ኣሃዛት “ዕስራ ምስ በልና እቲ ተወሳኺ ንጽል-ኣሃዝ ነጥብቐሉ” ።
Insert
ዕስራን-ኣርባዕተን – Twenty-fourth
ዕስራን-ሸውዓተን – Twenty-seventh
ዕስራን-ትሽዓተን – Twenty-ninth
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ ኤይሚ ን ፊል “ዕለተ-ልደተይ ሰለስተ ጥቅምቲ’ዩ” ኢላ ነገረቶ። ‘Mine’s on October the 3rd’
ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
Insert
Mine’s on October the 3rd.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ከም መፈተንታ’ምበኣር ኻልኦት ሰባት ብዛዕባ ዕለተ-ልደቶም ክዛረቡ ከለዉ ንስማዕ።
When’s your birthday?
My birthday’s on May the 23rd.
Mine’s on January the 10th.
When’s your birthday?
My birthday’s on February the 13th.
Mine’s on August the 8th.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! እቲ ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክሩዎ እስከ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ?
When’s your birthday?
ዕለተ-ልደተይ ዓሰርተ ሰነ’ዩ።
My birthday’s on June the 10th.
ናተይ ከኣ ሰለስተ ጥቅምቲ’ዩ።
Mine’s on October the 3rd
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ናይ ሎሚ ቀንዲ መግለጽ-ሓሳባት ንምኽላስ ንብምልኡ’ቲ ምይይጥ ደጊምኩም ስምዑዎ።
Amy
When’s your birthday?
Phil
My birthday’s on June the 10th.
Amy
Mine’s on October the 3rd
ኣቕራቢቋንቋትግርኛ
ግርም! ሕጂ’ምበኣር ብእንግሊዘኛ ንሰባት ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ክትውከሱዎም ትኽእሉ። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ ዕለተ-ልደቶም መዓስ ምዃኑ ተወከሱዎም። እቲ ዕለት ብኣገባብ ግለጹዎ - ማለት ቅድም ወርሒ ድሓር ዕለት ኣከታቲልኩም ኣቕርቡዎ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation የራኽበና። See you next time!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ናይቲ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።
When is your birthday?
3 Questions
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ንምእማት ... ብፊደል ‘n’ ዝውድእ ‘)Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣርባዕተ ፊደላት።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ሰለስተ ፊደላት።Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
When’s your birthday?
መዓስ’ዩ ዕለተ-ልደትካ/ዕለተ-ልደትኪ?My birthday’s on ______ the ______.
ዕለተ-ልደተይ ____________________እዩ።My birthday’s on the ______ of ______.
ዕለተ-ልደተይ _____________________እዩ።January
ጥሪFebruary
የካቲትMarch
መጋቢትApril
ሚያዝያMay
ግንቦትJune
ሰነJuly
ሓምለAugust
ነሓሰSeptember
መስከረምOctober
ጥቅምቲNovember
ሕዳርDecember
ታሕሳስ