Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 22
Listen to find out how to order food in a restaurant.
ኣብ ቤት ብልዒ ብኸመይ መግቢ ከምትእዝዙ ጽን ኢልኩም ተኸታተሉ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 22
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
At the restaurant
Listen to find out how to order food in a restaurant.
ኣብ ቤት ብልዒ ብኸመይ መግቢ ከምትእዝዙ ጽን ኢልኩም ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሑ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ ተክለማሪያም በኪት እየ፡ ኣብዚ ክፋሊ ትምህርቲ እዚ፡ ከመይ ገርካ መግቢ ኣብ ቤት ብልዒ ከም ትእዚዝ ክንምሃር ኢና። ነዚ ኣብ ቤት ብልዒ መግቢ ዝእዝዝ ዘሎ ዓሚል ጽን ኢልና ንስማዓዮ።
Phil
How can I help you?
Sian
Hi, can I have the meat stew? And some water to drink.
Phil
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እነተመሲሉ ኣይሻቀሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቅራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እቲ ኣሳሳዪ ነቲ ዓሚል ‘How can I help you?’ ኢሉ ይሓቶ። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ድማ ኣብ ድካናት፡ ቤት ብልዕታትን፡ ዕዳጋን ዝሰርሑ ሰባት ንዓማዊሎም ዝሓትዎ ሕቶ እዩ።
መጀመርታ ስምዑ ብድሕሪኡ ድገምዎ።
How can I help you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒቡ እቲ ዓሚል ጸብሒ ስጋ ‘meat stew’ ኣዚዙ። እቲ ዓሚል ‘Can I have…?’ ዝብል ሕቶ ኣቅሪቡ። መጀመርታ ስምዑ ብድሕሪኡ ድገምዎ።
Hi, can I have the meat stew?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ዓሚል ዝስተ ማይ’ዉን ‘water’ ኣዚዙ እዩ።
And some water to drink.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ኣሳሳዪ ‘Yes, of course’ ማለት ሓራይ ኢሉ መለሰሉ። መጀመርታ ስምዑ ብድሕሪኡ ድገምዎ።
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቅ! ሕጂ ናይዞም ዝተፈላለዩ ሰባት ዘረባ ኣብ ቤት ብልዒ መግቢ ምእዛዝ ሰሚዕኩም እንታይ ከምዝተማሃርኩም ርእስኹም ገምግሙ።
ስተፋኒ ጸብሒ ሓምሊን ‘vegetable stew’ ጽማቑን ‘juice’ ኣዚዛ።
How can I help you?
Hi, can I have the vegetable stew? And some juice to drink.
Yes, of course.
ክሪስ ዓሳን ‘fish’ ልስሉስ መስተን ‘soda’ ኣዚዙ።
How can I help you?
Hi, can I have the fish? And some soda to drink.
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓራይ እምበኣር፡ ሕጂ ንፈትን ። ነቲ ናይ እንግሊዘኛ ምሉእ ሓሳብ ስሚዕኪም ድገምዎ። ንነፍሲ ወከፍ ክልተ ግዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
How can I help you?
How can I help you?
Hi, can I have the meat stew?
Hi, can I have the meat stew?
And some water to drink.
And some water to drink.
Yes, of course.
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቅ እምበኣር፥ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርክሞ ኢንግሊዝ ከምትዝክርዎ ርእስኩም እትግምግሙሉ ግዜ በጺሑ። ነዚ ብትግርኛ ትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዘኛ በልዎ።
እንታይ ክሰምዓካ፡
How can I help you?
ጸብሒ ስጋዶ ምሃብካኒ፡
Can I have the meat stew?
ዝስተ ማይ ከኣ ምሱኡ፡
And some water to drink
እሺ ሓራይ
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቅ! ሕጂ ከመይ ገርካ መግቢ ትእዝዝ ፈሊጥኩም ኣሎኹም። ንስያን እንታይ ከምትደዩ እናነገርኩም ልምምድ ግበሩ።
How can I help you?
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቅ! ሕጂ ነቲ ዝርርብ ብምሉኡ ደጊምኩም ስምዑዎ እሞ መልስታትኩም ገምግሙ።
Phil
How can I help you?
Sian
Hi, can I have the meat stew? And some water to drink.
Phil
Yes, of course.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ኣብ ቤት ብልዒ ብእንግሊዘኛ ገርኩም መግቢ ክትእዝዙ ትኽእሉ ኢኹም። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ መግቢ ምእዛዝ ልምምድኩም ቀጽልዎ። ኣብ ካልእ ግዜ ብካልእ የራክበና። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ነቲ ቕኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተማሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።
At the restaurant
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
እዚ ሰብ ሐገዙ ይህብ ኣሎ።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
እዚ ሰብ ገለ ነገር ይሐትት ኣሎ።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ዋጋ ጽማቁ ክንደይ’ዩ።Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ም ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
How can I help you?
እንታይ ኽሕግዘካ?
Hi, can I have the ______? And some ______ to drink.
ሰላም፤ ______ መሃብካኒ? ከምኡ’ውን ______
Yes, of course.
እሺ፡ ሕራይ
chicken
ደርሆ
lamb
ስጋ ዕየት
vegetables
ሓምሊ
potatoes
ድንሽ
juice
ጽማቁ
soda
ልስሉስ መስተ