Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 4
Listen to find out how to give your phone number.
ቍጽሪ ስልክኹም ብኸመይ ክትህቡ ከም እትኽእሉ ተኸታተሉ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 4
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
What’s your phone number?
Listen to find out how to give your phone number.
ስልኪ ቍጽርኹም ንምሃብ እትጥቀምሉ ምሉእ-ሓሳብ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation, ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ’ዚ ተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክሓልፈኩም ዘይግባእ ኣዝዩ ኣገድሲ ትምህርቲ ሒዝልኩም ቀሪቡ’ሎ። ኣብዚ ክፍለ-ትምህርቲ’ዚ ቍጽሪ ስልክኹም ምንጋር፡ ብተወሳኺ ድማ ኣሃዛት፡ 1-9 ንምጽናዕ ዝሕግዙ ምሉኣት-ሓሳባት ክትምሃሩ ኢኹም።
ቍጽሪ ስልክኹም ‘phone number’ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ንምንጋር ካብ 1-9 ዘለዉ ኣሃዛት ክትፈልጡ የድልየኩም፤ ፈለማ ካብ 1-3 ዘለዉ ንምሃሮም። ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ድገሙ።
1
2
3
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቀጺልና፡ ካብ 4-6 ዘልዉ ከነጽንዖም ንፈትን።
4
5
6
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒብና ድማ ካብ 7-9 ንዘለዉ ።
7
8
9
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብተወሳኺ’ውን ንኣሃዝ 0 (ባዶ) ክንጽውዖ የድልየና ። ]ብቋንቋ እንግሊዘኛ ‘zero’ ኢልና ንጽውዖ። ይዅን’ምበር፡ ሰባት ቍጽሪ ስልኪ ኣብ ዚህብሉ እዋን ብዙሕ ጊዜ ‘oh’ ኢሎም ይጽዉዕዎ።
0
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓደሓደ እዋን፡ ክልተ ካብ’ቶም ኣሃዛት ድርብ ወይ ከኣ ሓደ ዓይነት ምስ ዝዀኑ፡ 'double' - ኢልና ንሰምዮም - ንኣብነት ‘5 5’ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ንጽውዖ...
Double 5
ሕጂ ክልተ ሰባት ቍጽሪ ስልኮም ከተሓታተቱ ከለዉ ንስማዕ።
Liz
Hi Justin, what’s your phone number?
Justin
It’s 020 794 60 558.
Liz
Thanks!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ሓታቲት ከምዚ ኢላ ሓቲታ፡ “ክንደይ’ዩ ቍጽሪ ስልክኻ?’ ‘What’s your phone number?’ እምበኣር ብእንግሊዝኛ ቍጽሪ ስልኪ ንምርካብ እንጥቀመሉ ሕቶ እዚ’ዩ።
ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
What’s your phone number?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ነቲ ካልኣይ ሰብ ቍጽሪ ስልኩ ክህብ ከሎ ደጊምኩም ስምዑዎ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝሰማዕኩምዎ ቁጽሪ ስልኪ ክትጽሕፍዎ ፈትኑ።
It's 020 794 60 558.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም - እቲ ዝጸሓኩምዎ ቍጽሪ ስልኪ 020 7946 0558 ክኸውን ተስፋ ንገብር ። እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ነቲ ካልኣይ ተዛራቢ ቁጽሪ ቴለፎኑ ስለዝሃባ ‘Thanks!’ብምባል ኣመስጊናቶ።
ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ድገሙ።
Thanks!
ግርም! ነቲ ዝተምሃርክምዎ ናይ እንግሊዝኛ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ከም እትዝክርዎ ንርአ። ንነፍሲ ወከፍ እቶም ናይ ትግርኛ ምሉኣት-ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ፡ እንታይ ምዃኖም ብእንግሊዘኛ በልዎም።
ሰላም ጃስቲን፡ ክንደይ’ዩ ቍጽሪ ስልክኻ?
Hi Justin, what’s your phone number?
ቍጽረይ 020...
It’s 020...
…794…
…794…
…60…
…60…
…558.
…558.
የቐንየለይ!
Thanks!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም። ሕጂ ንብምሉኡ እቲ ዝርርብ ደጊምኩም ስምዕዎ።
Liz
Hi Justin, what’s your phone number?
Justin
It’s 020 794 60 558.
Liz
Thanks!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንፉዓት! ሕጂ ቍጽሪ ስልክኹም ብእንግሊዘኛ ክትነግሩን ናይ ካልኦት ክትሓቱን ትኽእሉ። ዝተመሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ግን ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዝኛ ቍጽሪ ስልክኹም ምንጋርን ናይ ካልኦት ቁጽሪ ምሕታትን ተለማመዱ።
ኣብቲ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ምሳና ክትህልዉ ተስፋ ንገብር። Bye for now!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ናይቲ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።
What's your phone number?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ሰለስተ ክፋላት ኣሎዉዎ፣ እቶም ክልተ ዝተላገቡ’ዮም።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ቅልተ ቃላት። እቲ ቀዳማይ ነቲ ካልኣይ ይገልጾ።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ብሓንሳብ ዝተላገቡ ክልተ ቃላት።Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
What’s your phone number?
ክንደይ’ዩ ቍጽሪ ስልክኹም?It’s _______.
ቍጽረይ _______.Thanks!
የቐንየለይ!one
ሓደtwo
ክልተthree
ሰለስተfour
ኣርባዕተfive
ሓሙሽተsix
ሽድሽተseven
ሸውዓተeight
ሸሞንተnine
ትሽዓተDouble______
ድርብ ______