Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 2
Listen to find out how to talk about where you come from.
ካበይ ከም ዝመጻእኩም ብኸመይ ከምእትገልጹ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 2
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
Where are you from?
Listen to find out how to talk about where you come from.
ካበይ ከም ዝመጻእኩም ብኸመይ ከምእትገልጹ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation, ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ’ዚ ተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ክሓልፈኩም ዘይግባእ ኣዝዩ ኣገድሲ ትምህርቲ ሒዙልኩም ቀሪቡ’ሎ። ኣብዚ ክፍለ-ትምህርቲ’ዚ ካበይ ከም ዝመጻእኩም ንኽትሕብሩ ዚሕግዙ ምሉኣት ሓሳባት ክትምሃሩ ኢኹም።
ክልተ ሰባት ካበይ ከም ዝመጹ ንሓድሕዶም ክተሓተቱ ከለዉ ንስማዕ።
Lauren
Hi David, where are you from?
David
I’m from London. How about you?
Lauren
I’m from Manchester.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንጀማሪ ክብድ ይብል ይኸውን፣ ግናኸ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና። እታ ቀዳመይቲ ሰብ ‘ካበይ ኢኹም መጺእኩም?’ ኢላ ሓቲታ። ‘Where are you from?’ ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሓር ነቲ ሓረግ ድገሙ።
Where are you from?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራቢ ‘ኣነ ካብ ለንደን እየ’ ኢሉ መሊሱ። ‘I’m from London.’ ከምዚ ዚስዕብ በሉ ‘I’m from…’ ኣስዒብኩም ከኣ ካበይ ከም ዝመጻእኩም ወስኹሉ። እዚ ኣዘራርባ’ዚ ንሃገራት፡ ንዞባታት፡ ንዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኸተማታት ክንጥቀመሉ ንኽእል።
ፈለማ ኣዳምጹ፡ ድሕሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
I’m from London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒቡ ነታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ተመሳሳሊ ሕቶ`ዩ ሓቲትዋ። ተመሳሳሊ መልሲ ንምርካብ ዝሕተት ሕቶ ከምዚ ይመስል - 'ንስኺ’ኸ ካበይ መጺእኪ?' ‘How about you?’ ብተመሳሳሊ ከምዚ ዚመስል ሕቶ ክሕተት ይከኣል፡ ‘And you?’ ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሓሪኡ ነቲ ሓረግ ድገሙ።
How about you?
And you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ካብ ከተማ ማንቸስተር ዝመጸት ስለ ዝዀነት ‘ኣነ ካብ ማንቸስተር እየ’ ኢላ መሊሳ። ‘I’m from Manchester.’ ቅድም ኣዳምጹ፡ ድሓር ነቲ ሓረግ ድገሙ።
I’m from Manchester.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ካልኦት ሰባት ካበይ ከም ዝመጹ ዝተሓታትትዎ ምስ ሰማዕኩም ዝበልኩምዎ፡ ንርአ።
Hi Mark, where are you from?
I’m from Liverpool. How about you?
I’m from Birmingham.
Hi Claire, where are you from?
I’m from London. And you?
I’m from Brighton.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ’ምበኣር፡ እስከ ደጊምና ንፈትን። ነቶም ናይ እንግሊዝኛ ምሉኣት-ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ድገሙዎም።
Hi David, where are you from?
I’m from London.
How about you?
I’m from Manchester.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝተምሃርክምዎ እንግሊዝኛ ክሳብ ክንደይ ክትዝክርዎ ከም እትኽእሉ ንርአ። ነቶም ናይ ትግርኛ ምሉኣት-ሓሳባት ድሕሪ ምስማዕ ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምዎም።
ሰላም ደቪድ፡ ካበይ ኢኻ መጺእካ?
Hi David, where are you from?
ኣነ ካብ ለንደን እየ።
I’m from London.
ንስኺኸ?
How about you?
ኣነ ካብ ማንቸስተር እየ።
I’m from Manchester.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም። ሕጂ ንብምሉኦም ምሉኣት-ሓሳባት ደጊምኩም ኣዳምጹ።
Lauren
Hi David, where are you from?
David
I’m from London. How about you?
Lauren
I’m from Manchester.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ንፉዓት! ሕጂ ካበይ ከም ዝመጻእኩም ክትነግሩን ንካልኦት ሰባት ካበይ ከም ዝመጽኡ ክትሓቱን ኪኢልኩም ኣለኹም። ዝተመሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ግን ኣይትረስዑ። መሓዛ ብምንዳይ ብእንግሊዘኛ ካበይ ከም ዝመጻእኩም ሓብሩዎም፣ ካበይ ከም ዝመጹ ኸኣ ሕተትዎም።
ኣብቲ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ምሳና ክትህልዉ ተስፋ ንገብር። Bye for now!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ናይቲ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተምሃርኩም ርእስኩም ገምግሙ።
Where are you from?
3 Questions
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Choose the correct answer.
ሓገዝ
Activity
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Choose the correct answer.
ኣመት
ኣየናይ ናይ ሕቶ ቃል ኢና ንቦታታት ንጥቀመሉ?Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Choose the correct answer.
ኣመት
ብኸመይ ኢኹም ንሓደ ሰብ ተመሊስኩም ተመሳሳሊ ሕቶ ትሓትዎ?Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Choose the correct answer.
ኣመት
እቲ/ታ ተዘራቢ/ት ካበይ ከም ዝመጹ ይዛረቡ ኣሎዉ።Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Where are you from?
ካበይ ኢኻ/ኢኺ?I’m from _______.
ኣነ ካብ __________ እየ።How about you?
ንስኻ/ንስኺ ኸ?city
ከተማcountryside
ገጠርcoast
ገምገም-ባሕሪmountains
እምባታት