Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 29
Listen to find out how to pay for something at the till.
ከመይ ጌርኩም ከምእትኸፍሉ ንምፍላጥ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 29
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
At the till
Listen to find out how to pay for something at the till.
ከመይ ጌርኩም ከምእትኸፍሉ ንምፍላጥ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሑ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ እዚ ኣገደስቲ ክፋላት ቋንቋ እንግሊዝ ሒዙልኩም ዝቐርብ መደብ እዩ። ኣነ ተኽለማሪያም በኪት እየ፡
ኣብዚ ክፋል እዚ ከመይ ጌርና ካብ ድዃን ዝዓደግናዮ ነብረት ከምንኸፍል ክንምሃር ኢና።
ነዞም ክልተ ሰባት ኣብ ዱዃን ዝዘራረቡ ዘሎዉ ጽን ኢልና ንስማዓዮም።
Shop Assistant
That’s 9.99, please.
Tony
Can I pay with a credit card?
Shop Assistant
Yes. Sign here, please.
Tony
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ፡ እዚ ምይይጥ’ዚ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
መጀመርያ፡ እቲ ዋና ድካ ንቶኒ ጥቕላላ ዋጋ 9.99 ምዃኑ ሓበሮ። ኣይትረስዑ፡ ውጋታት ክትነግሩ ከሎኹም ንክሊቲኤን ቁጽርታት ብምጥቃስ ትነግሩ።ንኣብነት 12.99 ከምኡ’ውን 20.50።
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
That’s 9.99, please.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቶኒ ኣስዕብ ኣቢሉ ‘ብክረዲት ካርድ’ዶ ክኽፍል ‘Can I pay with a credit card? ኢሉ ሓተቶ። ብደቢት ካርድ ክትክፍል እንተደሊኻ ድማ ‘Can I pay with a debit card?’ ትብል። ብጥረ ገንዘብ ክትከፍል እንተ ደሊኻ ድማ ‘Can I pay with cash?’ ትብል። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Can I pay with a credit card?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ዋና ድካን ድማ ‘እወ ትኽእል ኢኻ፡ ኣብዚ ፈርም’ ‘Yes. Sign here, please.’ ኢሉ መለሰሉ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Yes. Sign here, please.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ ቶኒ ነቲ ዋና ድካን የቀንየለይ ‘Thank you’ በሎ። እዚ ድማ ምልክት ናይ ኣኽብሮት እዩ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ሕጂ ነዞም ኣብ ድካን ዝዘራረቡ ዘሎዉ ሰባት ብምስማዕ ነብስኸም ኣርሙ።
That’s 14.99, please.
Can I pay with cash?
Yes. Here’s your receipt and change.
Thank you.
That’s 19.99, please.
Can I pay with a debit card?
Yes. Sign here, please.
Thank you.
That’s £8.95, please.
Can I pay with a credit card?
Yes. Sign here, please.
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ ደጊምኩም ፈትኑ። ነዘን ናይ እንግሊዝኛ ምሉእ ሓሳባት ጽን ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
ንነፍስወከፈን ክልተ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኩም።
That’s 9.99, please.
That’s 9.99, please.
Can I pay with a credit card?
Can I pay with a credit card?
Yes. Sign here, please.
Yes. Sign here, please.
Thank you.
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕቢ ጽቡቕ፡ ማዕረ ክንደይ ከምትዝክሩ ነብስኹም ፈቲሹ። ነዘን ዝስዕባ ሓሳባት ብትግርኛ ሰሚዕኩም፡ ብእንግሊዘኛ ድገምወን።
9.99 እዩ ዋግኡ፡
That’s 9.99, please.
ብክረዲት ካርድ ክኽፍል ይኽእል ድየ?
Can I pay with a credit card?
እወ፡ ትኽእል፡ ኣብዚ ፈርም።
Yes. Sign here, please.
የቀንየለይ
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ኣብ ድኳን ንብረት ክንዕድግ እንከለና እንታይ ዓይነት ቃላት ከም ትጥቀም ፈሊጥኩም ኣሎኹም። ምስ ስያን ልምምድ ግበሩ።
ዘክሩ፡ ብካርድ ክኸፍል ይኽእል’ዶ ኢልኩም ምሕታት ኣይትረስዑ። ኣብ መወዳእታ ከኣ የቀንየለይ ምባል ኣይትረስዑ።
That’s 9.99, please.
Yes, sign here, please.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ፡ ሕጂ ነዚ ዝርርብ ብምሉኡ ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ፈትሹ።
Shop Assistant
That’s 9.99, please.
Tony
Can I pay with a credit card?
Shop Assistant
Yes. Sign here, please.
Tony
Thank you.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ከምይ ጌርኩም ካብ ድዃን ንብረት ንምዕዳግ ዘኽእለኩም ቋንቋ ፈሊጥኩም ኣሎኹም። እንተኾነ ግን ልምምድ ምግባር ኣይትርረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ‘Can I pay with a credit card?’ እንዳ በልካ ተለማመዱ። ኣብ ካልእ ግዜ ብኻልእ መደብ የራኽበና። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ እንታይ ከምዝተማሃርኩም ነብስኹም ገምግሙ።
At the till
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ብዛዕባ መስርዕ ናይ ቃላት ሕሰቡ።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ብክረዲት ካርድ ንኸፍል ከምዘሎና ኣይትረስዑ፡ ይሓትት ድማ ኣሎኹ።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
እዚ እወ ወይ ኣይፋሉን ዝምለስ እዩ።Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English to learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ም ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
That’s ______, please.
______ እዩ ዋግኡ።
Can I pay with a debit card?
ብደቢት ካርድ ክኽፍል እኽእል’ዶ?
Can I pay with a credit card?
ብክረዲት ካርድ ክኽፍል እኽእል’ዶ?
Can I pay with cash?
ብጥረ ገንዘብ ክኸፍል’ዶ?
Yes. Sign here, please.
እወ፡ ፈርም ኣብዚ።
Yes. Here’s your receipt and change.
ቅብሊትካን ማልስካን እንካ
Thank you.
የቐንየለይ