Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 19
Listen to find out how to ask someone about their favourite place.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ከመይ ገርካ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝፈትዎ ቦታ ከም ትሓቱ ተረድኡ።
ድምር ነጥቢ ናይዚ ክፍለ-ስራሓት 19
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
What’s your favourite place?
Listen to find out how to ask someone about their favourite place.
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ከመይ ገርካ ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ዝፈትዎ ቦታ ከም ትሓቱ ተረድኡ።
Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ድምጺ ብምስማዕ ንርእስኹም ፈትንዋ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መርሓባ፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። ንተማሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ጠቓሚ ዝኾነ ትሑዝቶ ሒዝናሉኩም ቀሪብና ኣለና። ኣነ ተመስገን ይበሃል። ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል፡ ብዛዕባ ኣብቲ ትነብሩሉ ከተማ ኣዝዩ ዝፍተወኩም ቦታ ከመይ ጌርኩም ከምትገልጹ ክንመሃር ኢና።
እዞም ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ንሶም ዝፈትዉዎ ቦታታት ይዘራረቡ ኣለዉ።
Sian
Hi Phil, what’s your favourite place?
Phil
My favourite place is the market. How about you?
Sian
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ፡ እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት፡ ‘እቲ ኣዝዩ ትፈትዎ ቦታ ኣየናይ’ዩ’ ‘What’s your favourite place?’ ኢላ ሓቲታ። ሰሚዕኩም ነቲ ሓረግ ድገምዎ።
What’s your favourite place?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራቢ፡ ዝፈትዎ ‘favourite’ ቦታ ሹቕ ‘market’ ኢዩ ኢሉ። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
My favourite place is the market.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተመሊሱ ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲቱዋ? ንሓደ ሰብ ተመሳሳሊ ሕቶ ክትሓቱ ምስትደልዩ ንስኻ’ኸ ወይ ንስኺ’ኸ ንኽትብሉ ‘How about you?’ ክትጥቀሙ ትኽእሉ። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
How about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብዛዕባ ዝፈትዉዎ ቦታ ይዛረቡ ስለዘለዉ፡ እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ደጊማ ‘My favourite place…’ ምባል ኣየድልያን’ዩ። ኣብኡ እንከላ፡ ናተይ ‘mine’ ቤት መግቢ’ዩ ‘restaurant’ ክትብል ትኽእል። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ - ሕጂ፡ ብዛዕባ ቦታታት ንዝሓተቱ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝሃብኩሞ መልሲታት ደጊምኩም ረኣዩ።
ማርክ መናፈሻ ‘park’ ኢዩ ዘፈቱ፡ ፒት ድማ ሩባ ‘river’.
Hi Mark, what’s your favourite place?
My favourite place is the park. How about you?
Mine is the river.
ኣሊስ መሐንበሲ ቦታ ‘swimming pool’ እያ ትፈቱ። ናይ ክሌር ትፈትዎ ቦታ ድማ ሲነማ ‘cinema’ ኢዩ።
Hi Alice, what’s your favourite place?
My favourite place is the swimming pool.
Mine is the cinema.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ደጊምና ክንፍትነን ኢና። ነተን ናይ እንግሊዝኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕኩም ድገምወን። ነፍሰ-ወከፈን ከክልተ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኹም።
What’s your favourite place?
What’s your favourite place?
My favourite place is the market.
My favourite place is the market.
How about you?
How about you?
Mine is the restaurant.
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ካብዚ ሕጂ ዝተማሃርኩምዎ ክንደይ ክትዝክሩ ከምትኽእሉ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
ኣየናይ’ዩ ዝፍተወካ ቦታ?
What’s your favourite place?
ዝፍተወኒ ቦታ ሹቕ’ዩ።
My favourite place is the market.
ንስኺ’ኸ?
How about you?
ናተይ ቤት መግቢ’ዩ።
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ - ሕጂ ብእንግሊዝኛ፡ ብዛዕባ ኣብ ከተማኹም ዝርከቡ ቦታታት ክትዉከሱን ክትምልሱን ትኽእሉ። ነታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ኣብዚ ዘለኹሞ ከተማ ብዛዕባ ትፈትውዎ ቦታታት ንዝህልዋ ሕቶታት መልሲ ብምሃብ ተለማመዱ።
What’s your favourite place?
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ንብምሉኡ’ቲ ዝርርብ ደጊምኩም ብምስማዕ፡ ንዝሃብኩሞ መልሲታት ኣነጻጽሩ።
Sian
Hi Phil, what’s your favourite place?
Phil
My favourite place is the market. How about you?
Sian
Mine is the restaurant.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ ስራሕ! ሕጂ ብእንግሊዝኛ ብዛዕባ ኣብቲ ትነብርሉ ከተማ ትፈትዉዎ ቦታታት ክትተሓታቱ ትኽእሉ። ምስ መሓዙትኩም ኮይንኩም ንዝተመሃርክሞ ምልምማድ ኣይትረስዑ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ክሳብ ንራኸብ ሰሰናዩ። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
እንታይ ከምዝተማሃርካ ንምፍላጥ ነዚ ዝሰዕብ ሕቶ ትኽክል መልሲ ምረጽ።
What’s your favourite place?
3 Questions
Choose the correct answer.
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
ኣመት
ኣነ ______ ናተይ።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
ኣመት
ኣነ፡ ናተይ ______።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ
ኣመት
ብእንግሊዘኛ ከመይ ጌርካ እዩ ወይ እያ ትብልQuestion 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
What’s your favourite place?
ትፈትዋ ቦታ እንታይ እዩ?
My favourite place is ______.
ዝፈትዎ ቦታ______ እዩ።
the market
ዕዳጋ
the restaurant
ቤት መግቢ
the park
መናፈሻ
the river
ሩባ
the swimming pool
መሓንበሲ
the cinema
ሲነማ
the city centre
ማእከል ከተማ
the beach
ገምገም ባሕሪ