ሰኔጋል፡ ኣብ ሆስፒታል ዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ 11 ሓደሽቲ ዝተወለዱ ዕሸላት ቀቲሉ

ትማሊ፡ ኣብ ሰኔጋላዊት ከተማ ቲቫዎኔ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆስፒታል ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ፡ 11 ሓደሽቲ ዝተወለዱ ዕሸላት ከም ዝቐተለ ፕረዚደንት እታ ሃገር ገሊጹ።

ማኪ ሳል ኣብ ትዊተሩ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ክፍሊ መዋልዳን ሆስፒታል ማሜ ዓብዱ ዓዚዝ ዳባክ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ንሚኒስተር ጥዕና'ታ ሃገር ዓብዱላየ ዲዩፍ ሳር ካብ ስልጣኑ ኣባሪርዎ።

ሚኒስተር ዓብዱላየ ሳር፡ እቲ ኣብ ከተማ ቲቫውነ ዘጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ስዒቡ፡ ብዋና ዳይረክተር እቲ ሚኒስትሪ ኰይና ዝጸንሐት ማሪ ከሚሰ ንጐም ንድየ ተተኪኡ'ሎ።

እቲ ኣብ ሆስፒታል ቲቫውነ ዝርከብ ክፍሊ ዕሸላት ብሰንኪ ጸገማት ኤሌክትሪክ ምዃኑ ዝተገልጸ ሓደጋ ባርዕ'ዩ ተቓጺሉ።

ፕረዚደንት መኪ ሳል፡ ንሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ፣ ጠንቂ'ቲ ሓደጋ ኸኣ ክምርመር ኣዚዙ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ፕረዚደንት፡ ዝመጽእ ሰንበት ናብ ቲቫውነ ብምብጻሕ ምስ ቤተሰብ እቶም ዕሸላት ክራኸብን ከጸናንዖምን ትጽቢት ይግበር።

ኣገልግሎት ጥዕና ሰኔጋል፡ ብጸገማት ሰራሕተኛታት፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ መሳርሕታትን ፋይናንስን ዝተሃሰየ ጽላት ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

እታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ሆስፒታላት ከም ዘለዋ ዝንገረላ ሃገር፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብዚ እዋን ብተኸታታሊ ዝረአ ዘሎ ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ስክፍታታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይንገር።

እቲ ካብ መዝነቱ ተባሪሩ ዘሎ ሚኒስተር ጥዕና፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ኣብ ጀኔቭ ስዊዘርላንድ ንኣኼባ ገይሹ ምንባሩ ዝተፈልጠ ኰይኑ፡ ነቲ ኣኼባ ኣወንዚፋ ከም ዝምለስን ጠንቂ'ቲ ሓደጋ ምጽራይ ይግበረሉ ምህላውን ገሊጹ ነይሩ።

ሰኔጋላውያን በቲ ዘሕዝን ክስተት ዝተሰመዖም ቊጠዐ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገልጹን ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ቅሬታኦም ከስምዑ ቀንዮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ ሊንጉረ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ክፍሊ መወልዳን ሓደ ሆስፒታል፡ ተመሳሳሊ ጠንቂ ብዘስዓቦ ባርዕ ሓዊ፡ ኣርባዕተ ዕሸላት ምማቶም ይዝከር።