7ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ኮን ቦውማን ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ኣመዝጊቡ

ኣብቲ ብዓርቢ ቀጺሉ ዝወዓለ ሻብዓይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ሆላንዳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ጃምቦ-ቪስማ ኮን ቦውማን መሳጢ ናይ ዓቐብ ቅጽበታዊ ውድድር ብምርኣይ ናይ ግራንድ ቱር ፈላሚ ናይ መድረኽ ዓወቱ ኣመዝጊቡ።

እቲ ወዲ 28 ዓመት ኣብቲ ካብ ድያሞንተ ናብ ፖተንዛ ዝተኻየደ 196 ኪሜ ዝሸፈነ ዓቐበት ዝበዝሖ ውድድር፡ ምስ ሰለስተ ተቐዳደምቲ ብምዃን ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ እዩ ውዒሉ።

ካልኣይ ሆላንዳዊ ባውክ ሞለማ ካልኣይ፡ ኢጣልያዊ ዳቪድ ፎርሞሎ ሳልሳይ ኣትዮም።

ብሽክለታ ተበላሽያቶ ዝነበረት ንቦውማን ወዲ ጋንትኡ ቶም ዱሞሊን መበል ራብዓይ ዛዚሙ።

ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ዘለው ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስ መበል 58፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን መበል 100 ከምኡ'ውን ብሓሙስ ምስ ፍሉጣት ናይ ፍጥነት ተቐዳደምቲ ዓለምና ገጢሙ ራብዓይ ዝዛዘመ ቢንያም ግርማይ መበል 155 ኣትዮም።

ኣብ 2017 ተዓዋቲ ጂሮ ዝኾነ ቶም ዱሞሊን ነቲ ተሪር ዓቐበት ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ክመርሖ እንከሎ ዳቪድ ፎርሞሎን ኮን ቦውማንን ካብ እግሩ ኣይተፈለዩን።

ሰለስቲኦም ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ቦታ እናተቐየየሩ ኣብ ዝቐጸሉሉ፡ ቶም ዱሞሊን ብሽክለታ ስለዘበላሸወ ፍጥነቱ ክቕንስ እኳ እንተተገደደ ብዙሕ ከይጸንሐ ስለዘርከቦም ወዲ ጋንታኡ ኮን ቦውማን ንክዕወት ዓቢ ኣበርክቶ እዩ ጌሩ።

ባውክ ሞለማ መዛዘሚ ህንጻጽ ሒደት ኪሜ ምስተረፎ ክሞልቕ ፈቲኑ እንተኾነ ግና ንኮን ቦውማን ክሕዝዎ ኣይከኣሉን።

ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ (ሮዛ ማልያ) ዝመጸ ለውጢ ስለዘየሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ መሪሕነቱ ቀጺሉ ኣሎ። ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን-ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ ሰለስተ ደረጃታት ብምምሕያሽ መበል 56፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሽዱሽተ ብምምሕያሽ መበል 95 ክኾኑ እንከለው፡ ቢንያም ግርማይ ከኣ ካብ መበል 93 ናብ 113 ወሪዱ ኣሎ።

ኣብ ናይ ነጥቢ (ሊላ ማልያ) 'ውን ዝመጸ ለውጢ ብዘይምህላው ቀዳማይ፣ ኣርኖድ ደማር ካልኣይ፣ ቢንያም ግርማይ ሳልሳይ ማርክ ከቨንዲሽ ኮይኖም ተሰሪዖም ኣለው።

153 ኪሜ ዝሽፍን ሻምናይ መድረኽ ሎሚ ቀዳም ኣብ ኣብ ከተማ ናፖሊ ክካየድ እዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር፡ ማቲው ቫን ደር ፖኤል ካብ ጋንታ ኣልፐቺን ፈኒክስ፣ ቶም ፒድኮክ ካብ ኢንኦስ ግረናድየርስ፣ ቢንያም ግርማይ ካብ ኢንተርማርቸ ዋንቲ-ጎበርት፡ ከምኡ'ውን ኣልበርቶ ቤትዮል ካብ ኢኤፍ ኤጁኬሽን-ኢዚ ፖስት ሓያል ውድድር ከርእዩ ትጽቢት ይግበር።