ንፈለማ እዋን ብኮቪድ ዝተለኽፈ ሰብ ከምዝረኸበት ዝገለጸት ሰሜን ኮርያ ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ

ሰሜን ኮርያ ንፈለማ እዋን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ከም ዝረኸበት ድሕሪ ምግላጽ ተሪር ዕጽዋ ኣዊጃ።

ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፡ ዓሌት ኦሚክሮን ዝኾነ ኮሮናቫይረስ ኣብ ርእሰ ከተማ ፒዮንግያንግ ከም ዝተዘርግሐ እኳ እንተገለጸ፡ ክንደይ ሰባት ከም ዝተረኽቦም ግና ኣየነጸረን።

ማዕከን ዜን 'ኬሲኤንኤ' ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት "ንግንባር ውሸባ" እታ ሃገር ጥሒሱ ዝኣተወ "ዝዓበየ ህጹጽ ኩነት" ምዃኑ ገሊጹ።

መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን እታ ሃገር ክትገብሮ ንዘለዋ ንምውሳን ህጹጽ ርክባት የካይድ ምህላው'ውን ሓቢሩ።

እንተኾነ ብዙሓት ወሃበቲ ርእይቶ፡ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ዝኣተወ ሕጂ ከም ዘይኮነ እዮም ዝገልጹ።

ሰሜን ኮርያ ክታበት ኮቪድ-19 ንምዕዳል ፍቓደኛ ብዘይምዃና 25 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ንሓደጋ ዝተቓልዐ ምዃኑ'ውን ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰሜን ኮርያ ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንዝተለገሰ ብሚልዮናት ዝቑጸር ክታበት ኣስትራዜነካን ፍርያት ቻይና ዝኾነ ሲቫክን ምንጻጋ ይዝከር።

ስርዓተ ጥዕና እታ ሃገር ዝተዳኸመ ምዃኑ ድማ ነቲ ሻቕሎት የጋድዶ።

ሰሜን ኮርያ ንኮቪድ ክትገጥም ዝመረጽትሉ ዋና መገዲ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ዘራኽባ ኩሉ ዶባት ብመርግጥ ኮይኑ፡ ኣብ ጥሪ 2020 ካብተን ቀዳሞት ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት እያ።

እንተኾነ እዚ፡ መሰረታዊ ቀረባት ናብታ ሃገር ከይኣቱ'ውን ዓጊቱ እዩ። ብሰንኪ'ዚ እታ ሃገር ንሕጽረት መግብን ቁጠባዊ ቅልውላውን ተቓሊዓ እያ።