እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምምዕባል ክትቅጽሎ ምዃና ኪም ጆንግ-ኡን ኣፍሊጡ
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ምስራሕ ክትቅጽሎ ምዃና ኣነጺሩ።
ኣብቲ ንምምስረታ ሓይልታት ሰራዊት ሰሜን ኮርያ ንምዝካር ዝተዳለወ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ብዓለምለኻዊ ውዕል ዝተኣገደ ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይላት ((ICBMs) ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 2017 ንፈለማ እዋን እቲ ዝሓየለ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዝ ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ፈቲና ምንባራ ይዝከር።
እቲ ናይ ሽዑ ፈተነ ሚሳይል ዓለምለኻዊ ኩነኔ ኣስዒቡላ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣመሪካ፡ ብሰንኪ'ቲ ፈተነ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር ሓያሎ እገዳታት ኣንቢራ ነይራ። እዚ ኣህጉራት ዝሳገር ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ኑክሌራዊ ቦምባታት ዝውንጭፍ ኮይኑ፡ ሰሜን ኮርያ ንኣመሪካ ከተጥቅዕ ተኽእሎ ዝህባ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ካብ ትሕተ-ማያውያን (ሳብመሪን) ዝውንጨፍ ባሊስቲክ ሚሳይላት'ውን ቀሪቡ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ንኩነኔ ማሕበረሰብ ዓለም ዝሰምዕ እዝኒ የብሉን።
"ናይ ሃገርና ኑክሌራዊ ዓቕምታት ንምሕያል ብቕልጡፍ ምምዕባል ክንቅጽሎ ኢና" ብምባል ኣሃዱታት ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዝኾነ እዋን "ድሉዋት ክኾኑ ኣለዎም" ከምዝበለ፡ ኣገልግሎት ዜና ሰሜን ኮርያ ጠቒሱ።
ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ሰሜን ኮርያ ብቐንዱ ንምክልኻል ዝዓለመ'ኳ እንተኾነ፡ ንኻልእ ዕላማ'ውን ክውዕል ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ'ታ ሃገር መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ግብረመልሲ ከምእትህብ ኣጠንቂቑ።
ኪም፡ ሃገሩ ማዕረ ካልኦት ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ዝውንና ሃገራት ክትስራዕን፡ ንቁጠባ እታ ሃገር ዝሓለኸ እገዳታት ክለዓልን'ዩ ዝደሊ።
እንተኾነ ግን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኑክሌራዊ ጥሙሓ ከየቋረጸት እገዳታት ከምዘይለዓል ስለዘቕበጸ፡ ዲፕሎማስያዊ ርክበን ደስኪሉ ይርከብ።
በዚ ዘንጸርጸረ ኪም ድማ ናብ ፈተነ ሚሳይላትን መጠንቀቕታታትን ኣብ ምሃብ ኣትዩ'ሎ።
ኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ኣብ ዝወረደሉ እዋን፡ ኪም ንዘለዎ ተቐባልነት ንምስሳን ሓይሉ ከርኢ ከምዝደሊ'ውን ይግለጽ'ዩ።
ኣብቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ካብ ዝቐረበ ኣጽዋራት 'ሃውሶንግ-17' ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ይርከቦ።
ኪኢላታት ደቡብ ኮርያ ብወገኖም፡ ንብቕዓት ናይቲ ንምርኢት ዝቐረበ ሚሳይል ኣብ ምልክት ሕቶ የእትውዎ።
ከምቲ ልሙድ፡ ፒዮንግያንግ፡ ንዘማዕበለቶ ሓደስቲ ኣጽዋራት ኣብቲ ታንክታት፡ መዳፍዕን ወተሃደራትን ዝሳተፍዎ ወተሃደራዊ ምርኢታት'ያ ተቕርቦ።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ትማል ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ኣቓልቦ ተዓዘብቲ ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ። ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ሓያሎ ፈተነታት ስለዘካየደት፡ ሓድሽ ነገር ይቕልቀልዶ ይኸውን ዝብል ትጽቢት ነይሩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብቲ ኣብ ፓንግየ-ሪ ዝተባህለ መደበር ፈተነ ናይ ተዂሲ ምልክታት ተራእዩ ምንባሩ፡ ነቲ ስግኣት ኣዛይድዎ'ዩ።
ኣብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ሓድሽ መራሒ ናብ ስልጣን ዘምጽአ ፕረዚደንታዊ ምርጫ'ውን ንዝምድና ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝገደደ ደረጃ ዘውረደ ክስተት'ዩ።
ፕረዚደንት ዩን ሱክ-ዮል ኣንጻር ሰሜን ኮርያ ተጻባኢ መርገጺ ዘለዎ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ሱህ ዉክ፡ ሃገሩ ንነቚጣታት ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ንምጥቃዕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ምግላጹ ንፒዮንግያንግ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።
ኣብ 2018፡ ኪም ጆንግ-ኡን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ንኹሉ ፈተነታት ሚሳይላት ኣደስኪልዎ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብ 2020 (ባይደን ፕረዚደንት ድሕሪ ምዃኑ)፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝኣተዎ መብጽዓ ከምዘይቅየድ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ባይደን ብወገኑ፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ምስ ሰሜን ኮርያ ክዘራረብ ቅሩብ ከምዝኾነ'ኳ እንተገለጸ፡ ዛጊት ዝወሰዶ ተበግሶ የለን።
ኣብ ክንድኡ፡ ኣመሪካ ምስ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ዘለዋ ዝምድናታት ቀዳምነት ብምሃብ'ያ ትሰርሕ ዘላ።