እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ትግራይ፡ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ቢቢሲ ብዛዕባ ምዕራብ ትግራይ ንዘውጽኦ ጸብጻብ ነቒፉ
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ገበናት ኲናት ዝሕብር ጃምላዊ መቓብራት ኣብ ምዕናው ከምዝተሳተፈ ዝሕብር ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ሓቅነት የብሉን ክብል ነቒፉ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝወጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ገለ ኪኢላታት ናይቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሚሊሻ ነቲ ተጋሩ ዝተቐብርሉ ጃምላዊ መቓብራት ዘጥፍእሉ ኣገባባት ክነግርዎም ከምዝተራእዩ ዝገልጽ'ዩ።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ናብ ቢቢሲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ጸብጻብ "ዘይተረጋገጸ ክሲ" ክብል ነጺግዎ'ሎ።
ሬሳታት ተጋሩ ዝተቐብርዎ ጋህስታት ከምዘይተረኽበ'ውን እቲ ዩኒቨርሲቲ ገሊጹ።
ከምኡ ዓይነት ጭብጥታት እንተዝርከብ ነይሩ "እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ . . .ቅድሚ ኩሉ ምሓበረን መርትዖ መቕረበን" ይብል እቲ ዩኒቨርሲቲ።
"እዚ ዩኒቨርሲቲ'ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦም መጽናዕታዊ ትካላት ትምህርቲ ኮይኑ፡ ሕብረተሰብ ዘጋጥሞ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ዝተጸምደ'ዩ" ኢሉ።
ጎንደር ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ሬሳታት ብጃምላ ዝተቐብርሉ ጋህስታት ከምዝተረኽበን፡ እንተኾነ ግና ካብ 1990ታት ጀሚሩ ብህወሓት ዝተቐትሉ ኣምሓራ ዝተቐብርሉ ምዃኖም'ዩ ዝምጉት።
እቲ ካብ 1991 ጀሚሩ ን27 ዓመታት ዓብላሊ ኢድ ዝነበሮ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ኣብ 2018 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ከምዝተገለለ ይፍለጥ።
ኣብ መንጎ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓት እናንቆልቆለ ዝመጸ ምትፍናን ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ምምርሑ ይዝከር።
ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኩሎም ወገናት ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከቦም ከቢድ ምግሃስ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዓለምለኻውያን ተሓለቕት መሰላት ይኸሱ።
ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፡ ሬሳታት ተጋሩ ኣብ ጋህስታት ብምውጻእ፡ ጭብጥታት ከምዝጠፍኡ ይግበር ኣሎ።
እቲ ስጉምቲ፡ ገበናት ኲናት ተፈጺሙ እንተኾይኑ ንምርግጋጽ መርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ከባቢ ክኸዱ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዝብሃል ዘሎ።
እቲ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝሰፍሐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓልን ጥምየትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።
ብፍላይ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ኣትያ ብምሃላዋ፡ ሰብኣዊ ኩነታት እናኸፍአ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።
ናብታ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቐጻሊ ክተዓናቐፍ ብምጽንሑ'ውን ነቲ ኩነታት ንምፍታሕ ኣይተኻእለን።
ኣብ ትግራይ፡ ምቁራጽ ኣገልግሎታት መራኸቢታት፡ ባንክን፡ ኤለክትሪክን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።