እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ግጭት ተላዒሉ ከምዝነበረ ተገሊጹ
ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዋስኑ ቦታታት ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ውግእ ከም ዝነበረ ምንጪታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ትማሊ ሰንበት [30 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም] ኣብ ከባቢታት ራማን ባድመን ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ልውውጥ ተዅሲ ምንባሩ ይግለጽ።
ክልል ትግራይ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዋሰነሉ ከባቢታት ጐንጺ ተላዒሉ ነይሩ፡ ክብሉ ምንጪታት ቢቢሲ ካብ ትግራይ ኣረጋጊጾም።
ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ መጥቃዕቲ ከፊቶም ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ኣብቲ ከባቢ እውን "ውግእ ተኻይዱ'ዩ፡" ኢሉ።
እንተኾነ እቲ ግጭት ንሓጺር ግዜ ዝጸንሐ ከም ዝኾነን ልዑል ቍጽሪ ዝሓዘ እግረኛ ሰራዊት ዘየካተተ ብኸቢድ ብረት ዝተገብረ ምልውዋጥ ተዅሲ እዩ ነይሩ ክብል ገሊጹ።
እዚ መጥቃዕቲ፡ "ምትኹታኹ ባህሪ ህወሓት ዘርኢ'ዩ፡" ክብል ነቒፉ።
እንተኾነ ስሙ ዘይንገልፆ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ትማሊ ሰንበት ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዓዲ ዃላ ናብ ራማ ከቢድ ብረት ከምዝተኮሱ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሓይልታት ትግራይ ነዚ ካብ ኤርትራ ዝተተኮሰ ከቢድ ብረት'ውን ግብረ መልሲ ከምዘይሃብሉ እቲ ጀነራል ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ባድመን ኣብ ራማን ውግእን ልውውጥ ተኹሲ ከቢድ ብረትን ነይሩ ዝብል ሓበሬታ'ውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ብምግላፅ ነቲ ዝተገለፀ ሓበሬታ ነፂግዎ።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ኤርትራ መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መራሕቲ ትግራይ ኲናት ትግራይ 'ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣማራጺ ክንወስድ ክንግደድ ኢና' ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ 'ቅሉዕ ደብዳበ'፡ ዋላ'ኳ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ተኣዊጁ ዘሎ፡ "ሰብኣዊ ምቍራጽ ተጻብኦታት" ናእዳኡ እንተገለጸ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይምቁራጽ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጸቕጢ ኣይገበረን ክብል ነቒፉ።
"ዛጊት ዝኣክል ሞትን ዕንወትን በጺሑ እዩ። እንተኾነ፡ ህዝብና ብጥሜትን ብቐሊሉ ምክልኻል ዝከኣሉ ሕማማትን ክሃልቕ ስቕ ኢልና ክንዕዘብ ኣይንኽእልን። በዚ መሰረት ሰላማዊ ፍታሕ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ ካልእ ኣገባብ ክንወስድ ክንግደድ ኢና፡" ክብል ኣብ ደብዳበኡ ገሊጹ።
ኣብቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝተሳተፈን ብገበናት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት፡ ሓይልታት ትግራይ'ውን ናብ ኤርትራ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሮኬት ከም ዝፈጸሙ ይዝከር።
እቲ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን'ውን ከም ዝልሓመ ይፍለጥ።
መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ናብቲ ክልል ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝተኣወጀ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበሩ'ኳ እንተገለጹ እቲ ጎንጺ ግን መሊኡ ኣይሃድአን።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ምዕራብ ትግራይ ኢትዮጵያ ብምኻድ፡ ድልውነት ሰራዊት እታ ሃገር ከም ዝተዓዘበ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ጸብጺበን።