ናይጀርያ፡ 'ሰባት ናብ ገነት ንምእታው' 700 ዶላር ዘኽፍል ፓስተር

ሓደ ሰባኺ፡ ንሰባት ናብ መንግስተ ሰማያት ከእትወኩም'የ ብምባል ልዕሊ 700 ዶላር ብምኽፋሉ ተኸሲሱ።

ፓስተር ኣደ ኣብራሃም፡ ናብ ገነት ዘእቱ ኣፍደገ ከምዝፈልጥ ብምሕባር፡ ክኣትዉ ንዝደልዩ 310 ሽሕ ናይራ (750 ዶላር) ከምዘኽፈለ ሓደ ካብ ሰዓብቱ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ እቲ ክሲ ቀሪብሉ ዘሎ።

እቲ ዝበሎ ኣፍደገ መንግስተሰማያት፡ ኣብ ዞባ ኢኪቲ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣራሮሚ-ኡግበሺ ከምዘሎ'ዩ ንሰዓብቱ ዝገልጽ።

ብዛዕባ'ቲ ኣፍደገ ከምዝተዛረበ ንቢቢሲ ዝተኣመነ ፓስተር ኣብራሃም፡ ገንዘብ ግን ከምዘይተቐበለ'ዩ ዝከራኸር።

እቲ "ዘገልግሎ ኣምላኽ" ነቲ ኣፍደገ መንግስተ-ሰማያት ከምዝገለጸሉ ድማ ይዛረብ።

ክርስትያናዊ ማሕበር ናይጀርያ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንፓስተር ኣደ ኣብራሃም ካብቲ ማሕበር ከምዝሰጎጐ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ዞባ ኢኪቲ ብወገኑ፡ ካብ ኣባላት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ቤተክርስትያን ናይ ጽሑፍ ምስክርነት ብምእካብ መርመራ ጀሚሩ'ሎ።

እቲ ፈለማ ኣብ ዞባ ኮጊ ዝተመስረተ ብፓስተር ኣደ ኣብራሃም ዝምራሕ ቤተክርስትያን፡ ጸኒሑ ናብ ዞባ ካዱና ከምዝገዓዘን፡ ቀጺሉ'ውን ምስ ሰዓብቱ ናብ ደቡብ ብምስጋም፡ ኣብ ዞባ ኢኪቲ ሓደ መዓስከር ብምምስራት ከምዝሰፈረ ይግለጽ።

እቲ ንፖሊስ ዝሓበረ ግን፡ ድሮ ናብቲ ዝመጸሉ ዞባ ካዱና ተመሊሱ ኣሎ። በዓልቲ ቤቱ ግን፡ ኣፍደገ መንግስተ-ሰማያት ክኽፈት ትጽበ ከምዘላ ብምግላጽ ምስኡ ምምላስ ከምዝኣበየቶ ተፈሊጡ።

እቶም ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰብሓዳር፡ መዓልታዊ ብተሌፎን ከምዝራኸቡ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ብኖህ ኣብራሃም'ውን ዝጽዋዕ ፓስተር ኣደ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣባላት ቤተክርስትያኑ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣዝማዶም ንቤተክርስትያኑ ገንዘብ ከዋጽኡ ክጉስጉስዎም ምሕታቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ'ዩ።