ዚምባብያዊ ፓስትር ዋልተር ማጋያ፡ ስኑዕ መድሓኒት ኤችኣይቪ ንኣመንቲ ብምሻጡ ተፈሪድዎ

ቤትፍርዲ ዚምባብዌ፡ ካብ ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስ ዘድሕን ተኣምራዊ መድሓኒት ምሂዘ ብምባል ንኣመንቱ ዝሸጠ ስሙይ ፓስተር፡ ገበነኛ ከምዝኾነ ፈሪዱ፤ ስኑዕ መድሓኒት ኣታሊሉ ብምሻጥ ድማ 700 ዶላር ኣሜሪካ ንክቕፃዕ በይኑ።

ዋልተር ማጋያ ቅድሚ ሕዚ እውን ብሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ተቐባልነት ዘይረኸበ መድሓኒት ብምሻጥ ተኸሲሱ ነይሩ እዩ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ፓስተር ዝኣሰረ እንትኸውን፡ እቲ ፓስተር ካብ ኤች ኣይቪ ኤድስ ከምዘድሕኑን ካብ እፅዋት ከምዝሰርሖምን ዝገለፆም ኣፋውስ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ።

ዚምባበዌ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብልዑል ለበዳ ቫይረስ ኤችኣይቪ ኤድስ ኣብ ሻድሻይ ደረጃ ትስራዕ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016 ዝወፅአ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ፡ 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ዚምባብያውያን ምስ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ይነብሩ።

ወዲ 35 ዓመት ፓስተር ማጋያ፡ ካብ ሞንጎ እቶም መናእሰይ ዝኾኑ፣ ህልኸኛን ኣብለጭለጭትን ሰባት ሓደ እንትኸውን፡ ዚምባብዌ ብቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ እትናግዐሉ ግዘ፡ንብዙሓት ተኣምራታዊ ቃል ከምዝፍፀመሎም ቃል ብምእታው፡ ኣእላፍ ሰዓብቲ ዘፍረየ ከምዝኾነ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሺንጋይ ኒዮካ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፀብፂባ።

እዚ ፓስተር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝሓበሮ፡ እዚ 'ኣጉማ' ዝብል ስያመ ዝሃቦ መድሓኒት፡ ኤች ኣይ ቪ ቫይረስ ኣብ 14 መዓልታት ናይ ምጥፋእ ተኣምር ዘለዎ እዩ።

" እዚ እፅዋት 100 ሚእታዊት ተፈጥራዊ እዩ፤ እዚ ዝበልኹሉ ምኽንያት ድማ ዋላ ሓደ ጎናዊ ሳዕቤን ከምዘይብሉ ስለዘረጋገፅኩ እየ" ኢሉ።

መንግስቲ እታ ሃገር ግና ተግባር እዚ ፓስተር ገበነኛ ዝበሎ እንትኸውን፡ ፖሊስ እውን ቤትፅሕፈት እዚ ፓስተር ኣጥቂዑ እዩ።

ጠበቓ እዚ ፓስተር ኤቨርሰን ቻታምብዱዛ ግና፡ ፓስተር ማጋያ እዚ መድሓኒት ብትኽክል ከምዝሰርሕ ከምዘረጋገፀን፡ ካብ ፍቓድ ሚኒስትር ጥዕና እታ ሃገር ናብ ተጠቀምቲ ምብታኑ ግና ጥሕሰት ሕጊ ከምዝኾነን ንቤትፍርዲ ገሊፁ።

ፓስተር ማጋያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ካብ ፀቕጢ ደም የድሕን ዝበሎ ሊፒስቲክ ሰሪሑ እዩ።