እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ብሓባር ዝተሰወሩ እሱርን ዋርድያን 'ፍሉይ ርክብ' ከምዝነበሮም ተገሊጹ
ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ኣላባማ ላውደርዳል ካውንቲ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዓርቢ ንጉሆ ዝተሰወሩ ሓደ እሱርን ከም ዝተሓባበረቶ ዝተጠርጠረት ዋርድያን "ፍሉይ ርክብ" ከም ዝነበሮም መርመርቲ ገሊጾም።
ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ኣላባማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዝነበረ ካሴይ ዋይት ምስ'ታ ሓላፊት እሱራት ዝነበረት ኣባል ፖሊስ ርክብ ከም ዝነበሮ ካብ መተኣስርቱ ከም ዘረጋገጸ ሓቢሩ።
ፖሊስ ነቲ ወዲ 38 ዓመትን ንጓል 56 ዓመት ቪኪ ዋይትን ንምርካብ ኣብ ኣለሻ ተዋፊሩ ኣሎ።
ንሳቶም፡ ካሴይ ገምጋም ጥዕና ኣእምሮ ክግበረሉ ትወስዶ ኣብ ዝነበረት እዋን እዮም ተሰዊሮም።
ርክብ ክልቲኦም ፍቕራዊ ብዛዕባ ምንባሩ ግና ፖሊስ ኣየነጸረን።
ዓርቢ- እታ ክልቲኦም ዝተሰወሩላ መዓልቲ - ቪኪ ካብ ስራሕ እትሰናበተሉ መዓልቲ እዩ ነይሩ። ገዛኣ ኣብ ቀረባ እዋን ክትሸጦ እንከላ ዝበዝሐ ግዜኣ ኣብ ገማግም ክተሕልፎ ወጢና ምህላዋ ንብጾታ ነጊራ እያ።
ፖሊስ፡ እታ ዋርድያ ንኣሰራርሓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብምጥሓስ ነቲ ጥርጡር ንበይና ሒዛቶ ብምውጻእ ነቲ ተግባር ግቡእ ምድላዋት ብምግባር፡ ከም ዝፈጸመቶ ይኣምን።
ኣገልግሎት ፖሊስ ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ክልቲኦም ንመወዳእታ ግዜ ዝተርኣዩ ብዓርቢ ምዃኑን ኣብ ሓንቲ ፎርድ ዝዓይነታ መኪና ምንባሮምን ገሊጹ።
ክልቲኦም ምምስሳል ሽም ኣቦ እኳ እንተሃለዎም፡ ዝምድና የብሎምን።
ካሴይ ዋይት ሕጂ ናይታ ዋርድያ ብረት ሒዙ ክኸውን ስለ ዝኽእል "ዕጡቕን ኣዝዩ ሓደገኛን" ክኸውን ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ኣጠንቂቖም።
ፖሊስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ካሴይ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ምዃኑ ብምግላጽ ኣባላት ጸጥታ ክጥንቀቑ መኺሩ።
ቪኪ ዋይት ኣብዚ እዋን ጥረ ገንዘብ ትጥቀም ምህላዋ ከም ዝጥርጥር ዝገለጸ ፖሊስ ኣላባማ፡ ቴለፎና'ውን ጠፊኡ ምህላው ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ስለያ ኣሜሪካ ንገንዘባዊ ምንቅስቓስ እታ ዋርድያ ይፍትሽ ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
ኣገልግሎት ፖሊስ ኣመሪካ እቲ እሱር ንክትሓዝ ሓበሬታ ንዝሃበን ቪኪ ዘላትሉ ንዝሓበረን ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ዝበጽሕ ሽልማት ከም ዝህብ ይገልጽ ኣሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ላውደርዳል ካውንቲ ሸሪፍ ሲንግልተን፡ ቪኪ ዋይት ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ከም ዘገልገለት ብምግላጽ ሓጋዚት ዳይሬክተር ህንጸት ከም ዝኾነትን ስርሓ እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዝኸድሉ መጓዓዝያ ምውህሃድ ከም ዘጠቓልልን ሓቢሩ።
እቲ እሱር ባዕላ ናብ ቤት ፍርዲ ክትወስዶ ምውሳና ጥሕሰት ፖሊሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ሲንግልተን፡ ብከቢድ ገበናት ዝኽሰስ ሰብ ብኽልተ ሰባት ከም ዝዕጀብ ሓቢሩ።
ቪኪ፡ ንዓመታት "ኣብነታዊት ሰራሕተኛ" ናይዚ ዓመት ተባሂላ ብደጋጋሚ ዝተሸለመት ምስግንቲ ሰራሕተኛ ከም ዝኾነት'ውን ሓቢሩ። ካብዚ ብዝብገስ ክሳብ ጭቡጥ መርትዖ ዝርከብ ብተሓባባርነት ክኸሳ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ካሴይ ዋይት፡ ብመስከረም 2020 ንጓል 58 ዓመት ኮኒ ሪጅወይ ብካራ ብምውጋእ ብኽልተ ገበናት ቅትለት እዩ ተኸሲሱ።
ኤጀንሲ ኣኽባሪ ፌደራላዊ ሕጊ ኣመሪካ፡ እቲ እሱር ብ2015 ብስርቂ መኪና፣ ብዝምታን ካብ ፖሊስ ብምህዳምን ዝርከቡዎም ዝተፈላለዩ ገበናት ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
እቲ ቅትለት ተኣሚኑ ፍርዲ ይጽበ ከም ዝነበረ'ውን ሰብ መዚ ገሊጾም።
ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ብመቕተልቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እታ ቀቲሉ ክሰርቃ ዝፈተነ ሰበይቲ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምህዳሙ ድሕሪ ምስምዓ ርዒዳ ከም ዘላ ተዛሪባ።
ንሳ ንማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ካሴይ ዋይት ከይረኽባ ምስ ስድራቤታ ተሓቢኣ ከም ዘላ ገሊጻ።