ወተሃደራዊ መንግስቲ ጊኒ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ክትምለስ እያ ኢሉ

ወተሃደራዊ መንግስቲ ጊኒ ድሕሪ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ እየ ኢሉ።

መራሒ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝፈጸመ ሰራዊት ኮሎኔል ማማዲ ዱምቦያ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ናይ ምስግጋር ሓሳብ ናብ ባይቶ ቀሪቡ ክጸድቕ'ዩ ኢሉ።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝፈጸመ ይዝከር።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር'ውን ነዚ ደጊፎምዎ'ዮም። ይኹን'ምበር፡ ድሕሪ ግዜ እቶም ወተሃደራት ስልጣን ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ከረክቡ ህዝቢ ጸቕጢ ክገብረሎም ጸኒሑ።

እዚ፡ ኣባል ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ [ኢኮዋስ] እቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ናብ ስቪላዊ ምምሕዳር ዝመልሰሉ መደብ ክሳብ ሰኑይ ኣብ ዘሎ ግዜ እንተዘይኣቕሪቡ እገዳ ከም ዝገብሩ ድሕሪ ምግላጾም ዝመጽአ እዩ።

ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ 80 ኣባላት ዘለውዎ ናይ ስግግር ባይቶ ተመስሪቱ'ዩ። እዚ ካውንስል እዩ ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝሰርሕ ዘሎ።

እቲ ናይ ሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርሕን ናይ ስግግር ግዜ ክህሉ ዝብል ሓሳብ ድማ ናብዚ ካውንስል ቀሪቡ ኣሎ።

ኮሎኔል ዳምቦያ፡ ንዕኡ ሓዊሱ ዝኾነ ኣካል ኣብዚ ናይ ስግግር መንግስቲ ጣልቃ ክኣቱ ኣይኽእልን ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ወዲ 84 ዓመት ፕሬዝደንት ኣልፋ ኮንዴ ብብልሽውና ብምኽሳስ ካብ ስልጣኑ ኣሊዩዎ።

እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ምስ ገበረ ካብ ህዝቢ ዝነበሮ ቅቡልነት ስኢኑ እዩ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝፍጸሙ ዕልዋታት መንግስቲ በዚሖም ክርኣዩ እንከለው፡ ኣብዚ ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣብ ጊኒ ቢሳው ዝተፈጸመ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ'ውን ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ኮይኑ እዩ።

ኣብ ማሊ ክልተ ግዜ ሰራዊት ስልጣን ክሕዝ አንከሎ፡ ኣብ ኒጀር ዝተፈተነ ዕልዋ ፈሺሉ'ዩ።