እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጊኒ ብምኽንያት'ቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዞባዊ ቁጠባ ኢኮዋስ ተኣጊዳ
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ጊኒ ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ዕልዋ ምክያዱ ስዒቡ፡ እታ ሃገር ካብ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኢኮዋስ) ከምዝተኣገደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቡርኪና ፋሶ፡ ኣልፋ ባሪ ገሊጹ፡፡
እቲ ማሕበር ኣልፋ ኮንደ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ እውን ጠሊቡ ኣሎ፡፡
መራሕቲ እተን ነቲ ሕብረት ዘቖማ 15 ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጊኒ ብወዲ 41 ዓመት ኮሎኔል ማማዲ ዶምቦያ ዝተመርሐ ዕልዋ፡ ኣመልኪቶም ብመንገዲ ኢንተርነት ዘትዮም፡፡
ኮለኔል ዶምቦያ፡ ብግዕዝይናን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን እዩ ንፕረዚደንት ኮንደ ዝኸሶ።
መራሕቲ እቲ ዕልዋ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሑስ ኩነታት ከምዘሎ እኳ እንተሓበሩ፡ እቲ ወዲ 83 ዓመት ግን ዛጊድ ኣበይ ከምዘሎ ኣየተፈለጠን፡፡
እቲ ብሓይሊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ፡ ኣብ ዘበን ስልጣን ኮንደ ዝተኣሰሩ 80 እሱራት ፖለቲካ ፈቲሑ ኣሎ፡፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ኣስታት 400 ሰባት ተኣሲሮም ነይሮም፡፡
መብዛሕተኦም ካብቶም ዝተፈትሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣልፋ ኮንደ ንሳልሳይ እብረ ክወዳደር ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሃገራዊ ሰልፊ ተቓውሞ ዝተኣሰሩ እዮም፡፡
ብሰሉስ መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ጊኒ፡ ንሓድሽ ጅማሮ ዕድል ዝፈጥር እዩ ብዝብል ነቲ ዕልዋ ደጊፍዎ፡፡
ነቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ቅያዊ ክብል ዝገለጾ መራሒ ተቓዋሚ ሴሎ ዳለይን ዳያሎ፡ ሃገራዊ ምርድዳእ ክሳለጥ ሓቲቱ፡፡
እቲ ኣብ ጊኒ ዝተፈጸመ ዕልዋ ካብ ነሓሰ 2020 ናብዚ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንራብዓይ ግዘ ዝተኻደ እዩ፡፡
ኣብ ማሊ ክልተ ዕልዋታት ዝተኻየዱ ኮይኖም ኣብ ኒጀር ድማ ሓደ ዘይሰመረ ዕልዋ መንግስቲ ተፈቲኑ ነይሩ፡፡