'ብጻዕርን ስራሕን ዝመጽእ ዓወት'ዩ እቲ ዝመቀረ'

ጸጋዛኣብ ምስ ብጾቱ

ምንጪ ስእሊ, SG

ጸጋዝኣብ ኪሮስ፡ ካብ ከባቢ ሰንዓፈ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ምሕድግ ኢላ፡ 'ቢሓት' ካብ ዝተሰምየት ዓባይ ዓዲ ተወሊዱ፣ ገና ብቘልዓኡ ሓረስቶት ወለዱ ዘፍረዩዎ ዝርካቡ ስንቂ ቋጺሩ መባእታ ትምህርቱ ኣብ መዝባን ፎርቶን ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ከኣ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ተማህረ።

ብድሕሪኡ ኣብ ጋሕቴላይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዱ፡ ኣብ ሃገራዊ መልቀቕ ፈተና [ማትሪክ] ነጥቢ ስለዘምጽአ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ብዓውደ ቁጠባን ፋይናንስን ብዲግሪ ተመሪቑ ኣብ ሳዋ ንሰለስተ ዓመት መምህር ኰይኑ ኣገልገለ።

ጸጋዛኣብ ነቶም ድሕሪ ናጽነት ካብ ሜዳ መጺኦም ኣብ መባእታ መሰረት ዘትሓዙዎን ፍቕሪ ትምህርቲ ዘሕደሩሉን፡ ካብኡ ቅሩብ ፍርዝን ዝበሉ ደቂ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብኽብሪ'ዩ ዝዝክሮም።

"ብዕድመ ቅሩብ እዮም ዝመርሑና ልቦናኦም ግን ዓቢ እዩ። ኣብ ህይወተይ ፍቕሪ ስነ-ጥበብን ምንባብን ከሕደሩለይ ፍልጠቶም ከመሓላልፉለይ ለይትን ቀትርን ይተግሁ ስለዝነበሩ፡ ንኣበርክቶኦም ልዑል ክብሪ ኣሎኒ፡" ይብል።

ኤርትራ ናጽነታ ምስ ተጓናጸፈት፡ ኣብ ዓዲ ዝጸንሐን ካብ በረኻ ዝኣተወን ኵሉ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክጐዩ ጀሚሩ። እቶም ኣብ ከተማታት ዝነበሩ፡ ግን ከኣ ናይ ትምህርቲ ድሌቶም ዝተሰናኸለ ብኲናትን ወረ ኲናትን ተዓናቒፎም ዝጸንሑ ቘልዑን መንእሰያትን ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ ትምህርቲ ክዓስሉ ተራእዩ።

ጸጋዝኣብ እምበኣር ከም ኵሎም ጽምኢ ትምህርቲ ዝነበሮም መዛንኡ፡ ማህደሩ ተኾልኲሉ መሶብ ገዛኦም ዘፍረዮ ዕንጋሎ ቋጺሩ ኣብ ትምህርቱ ብልዑል ተገዳስነት ተግሀ።

"ንፉዓት መማህራን ስለዝረኸብና ኵላትና እቶም መዛኑ ንፉዓት ኢና ነይርና። ብቕዱስ ቅንኢ ንወዳደር፣ ንሓድሕድና እናተሓታተትና ለይትን ቀትርን ነጽንዕ፣ ክሳብ መጨረሻ በቲ መንፈስ እቲ ሰጕምና ኣብ ላዕለዋይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን እውን ኣይሓመቕኩን ብዝምስገን ልዑል ነጥቢ ትምህርተይ ዛዚመ፡" ክብል ነቲ ኣብ እዋን ዝነበረ ጽምእን ፍቕርን ትምህርቲ ብናፍቖት ይዝክር።

እንተዀነ ብሰንኪ ኲናት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጲያን (1988-2000)ን ድሕሪኡ ዝሰዓበ፡ ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኣብ 2003 ዝተኣታተወ፡ ነብሲ ወከፍ ተማሃራይ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱን ወተሃደራዊ ታዕሊምን ኣብ ሓደ ዓመት ኣብ ሳዋ ክውድኦ ዘገድድ መምርሒ ክውን ምስ ኮነ፣ ትምህርትን ውትህድርናን ተቛሪኑ ተገዳስነት ተማሃሮን መምህራንን ከምዝወደቐን ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ከምዘንቈልቈለን የረድእ።

"እቶም ንሳዋ ዝወርዱ ዝነበሩ ዓቕመ ኣዳምን ሄዋንን ዘይበጽሑ፡ ኣብ ምጉባዝ ዝርከቡ ደቂ 16-17 ዓመት ልዑል ምክትታልን ክንክንን ወለድን ሕብረተሰብን ዘድልዮም መንእሰያት እዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ኵሉ እቲ ምምሕዳር ወተሃደራዊ ብምዃኑ እቶም ብገለ ምኽንያት ዝድንጕዩ ብበትሪ እናተደርዑ ብመራሒ ጋንታ ተኾብኪቦም እዮም ንኽፍሊ ዝኣትው። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ቀይዲ ዝተሓዙ ተማሃሮ ከኣ ከመይ ኣቢሎም ክመሃሩን ከጽንዑን ይኽእሉ?" ብምባል እቲ ቀንዲ መደብ ምውራድ ሳዋ ንተማሃሮ 12 ክፍሊ፡ ንትምህርቲ ዘይኮነስ ንመንእሰያት ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ መሳርዕ ቈሪንካ ምቍጽጻሮም ዝዓለመ ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ቦታ ኣዝዩ ሃሩር ስለዝዀነን ነቲ ዋዒ ዘዝሕል ኮነ ዘህድእ ከም ቬንቲለተር ኮነ መዝሓል ኣየር ስለዘይነበሮ፡ ብዙሓት ተማሃሮ ይሽገሩን የማርሩን ነይሮም። ብፍላይ ደቀንስትዮ ከኣ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ዘኽይድ ገለ ዓይነት ዘይፍለጥን ዘይተጸንዐ ሕማም ይሓማ ነይረን።

እንተዀነ ኣብቲ ምምሕዳር ንትምህርቲ እዝንን ልብን ዝህብ ኣይነበረን። መማህራን'ውን ዕግበት ኣይነበሮምን። መምህር ኮነ ተማሃራይ ኵሉ ሓውሲ እሱር'ዩ። ይዅን እምበር እቶም መማህራን ንተማሃሮኦም ንምሕጋዝ ብዝከኣሎም ይጽዕሩ ነይሮም ይብል ጸጋዝኣብ።

"እቶም ብኸቢድ ዲሲፕሊን ዝተሓዙ ዝነበሩ መንእሰያት ጸቕጢ ስለዝበዝሖም ኣብ ፍርቂ ዓመት ንዕረፍቲ ናብ ስድራኦም ምስ ከዱ ብዙሓት ብኡ ኣቢሎም ክኹብልሉ/ ክጠፍኡ ስለዝጀመሩ፣ ካብ 2008 ንደሓር እቲ ናብ ስድራኻ ምኻድ ተቛሪጹ ነገራት እናኸፍአ ኸደ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ መንእሰያት ሃገር ገገዲፎም ክስደዱ ጀሚሮም፡" ይብል ብዙሓት ተማሃሮኡ፡ "እንታይ ራእይ ኣሎና፡" ብምባል ከምዝተሰደዱ ብምዝካር።

ብድሕሪኡ ጸጋዝኣብ፡ ኣብ ሃገራዊ ማሕበር ተማሃሮን መንእሰያትን ኤርትራ ተመዲቡ ኣብ ማይ ነፍሕን ዞባ ደቡብን ብዝተፈላለየ ሓላፍነትን ክሳብ 2011 ብዅሉ ዝኽእሎ ሰርሐ።

ኣብ ስፖርት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣትለቲክስ ልዑል ፍቕርን ድሕረ ባይታን ስለዝነበሮ፡ ኣብ ሃገራዊ ፈረደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ንምወላን ካልእ ርክባትን ጉዳያት ኣብ ምስላጥ ብትግሃት ከምዘገልገለ ይዛረብ። እንተኾነ ኣብ ብዙሕ መዳያት ምሕደራ እታ ሃገር፡ ጉዳያት ዝዓናቕፍ እምበር ዝሕግዝ ኣካይዳ ስለዘይረኣየ፡ ኣብ መወዳእታኡ'ውን ስግኣት ድሕነት ስለዝሓደሮ ካብ ሃገር ክወጽእ ከም ዝወሰነ ይሕብር።

"ሓደ መዓልቲ" ይብል ጸጋዝኣብ፡ " ኣብ ማይ ነፍሒ ስእሊ ነብሲሄር ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ዝነበሮ፡ መልእኽቲ ተቓውሞ ዝሓዘ ጽሑፍ ብለይቲ ስለ ዝተበተነ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ተጸዊዐ፡ መን ከም ዝበተኖ ተሓቲተ፣ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብለይ ሓቢረዮም። እንተዀ ሃገራዊ ድሕነት ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ናብ ኣስመራ እናጸውዑ ብሓደ ኣባሎም ተኸታቲሎምኒ፡" ይብል።

ድሕሪኡን ኣብ መንደፈራ ኣብ ሕዳር 2009 ብኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህግደፍን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ሕቶ ብምሕታቱ፡ ሕቶን ምክትታልን ስለዘጋጠሞ፡ ብዅሉ ዅሉ ስግኣት ሓዲርዎ ካብ ሃገር ከምእትሰደ ይሕብር።

ድሕሪ ስደቱ ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ፡ "ዘላቒ ሰላም ብመንገዲ ስፖርት" ብዝብል ትምህርቲ ማስተርስ ዲግሪ ምስ ዛዘመ፡ ንሃገረ ኖርወይ ኣትዩ ሕቶ ዑቕባ ሰሊጥዎ ስታቫንገር ኣብ እትበሃል ከተማ ምስ ስድራኡ ይነብር ኣሎ።

ጸጋዛኣብ

ምንጪ ስእሊ, SG

"ካብ ዓዱ ዝወጽአ ሰብ ኵሉ ሳዕ ብደሆታት ኣለዎ። ብፍላይ ንቋንቋ ብዝምልከት ዳርጋ ኵሉ ስደተኛ፡ ዝዀነ ዓይነት ደረጃ ትምህርቲ ይሃልዎ፡ ኵሉ ናብ ቀዳማይ ክፍሊ እዩ ዝምለስ፡" ዝበለ ጸጋዝኣብ ንሱ'ውን ዲግሪታቱ ኣጸጊዑ ከም ጀማሪ "ሀ" ኢሉ ንኽልተ ዓመት መባእታዊ ትምህርቲ ቋንቋ ድሕሪ ምዝዛም፡ ብዛዕባ ስደትን ባህላዊ ምትእስሳርን ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ተማሂሩ። ሕጂ ኣብ መንግስታዊ ትካል ከም ኣማኻሪ ጉዳይ ስደተኛታት ኰይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ይዛረብ።

ቋንቋ መፍትሕ ኵሉ እዩ፣ ቋንቋ እንተዘይፈሊጥካ ባህልን ኣነባብራን ሓደ ሕብረተሰብ ክትርዳእ ኣይትኽእልን ኢኻ። ቋንቋ ኖርወይ ከኣ ምስ ኢንግሊዝኛ ብዙሕ ርክብ ስለዘይብሉ፡ ቅሩብ ክብድ ኢሉ እዩ። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣብ ኖርወይ ንዝዀነ ስደተኛ ንኽልተ ዓመት መባእታዊ ቋንቋ ስለዝምህርዎ፡ ተገዲሱ ክመሃር ንዝደሊ ሰብ መገድን ሓገዝን ኣሎ። ኣብ ዓደይ'ኳ ከምዚ እየ ነይረ ዝብል በዓል ጽሩራ ኮነ፡ ዲግሪታት እንከለኒ'ዶ ፊደል ክቘጽር'የ ዝብል ሰብ ኣይዕወትን እዩ፡ ብምባል ጸጋዝኣብ ተመኵሮኡ የካፍል።

ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ድራማን ግጥምን ልዑል ተገዳስነት ዘለዎ ጸጋዝኣብ፡ ሓደ እዋን ኣብ ኤርትራ ብውድብ መግብን ሕርሻን፡ "መግቢ ንዅሉ" ብዝብል ቴማ ዝተወደበ ውድድር ግጥሚ ሻብዓይ ደረጃ ኰይኑ ስለዝተዓወተ፡ ናይ ኮሞዲኖ ሰዓትን "መግቢ ንዅሉ" ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ካብ ሮማ ኢጣልያ ዝመጽአ ማልያ ሽልማት ተዋሂቡ።

ጸጋዛኣብ

ምንጪ ስእሊ, SG

"እቲ ሽዑ ዝተዋህበኒ ሽልማት ዋላ'ኳ ንኡስ ይዅን እምበር ንዓይ ግን ብሞራል ደረጃ ዓቢ ስለዝዀነ ነቲ ናይ ስነ-ፍልጠት ተገዳስነተይ ብዝያዳ ኣዕብዩዎ፡" ይብል።

ወዲ ሰብ ድሕሪ ልደቱ ብዝግበረሉ ወፍሪ ስድራን ቤተሰብን እዩ ዝፈላለ እምበር፡ ክውለድ እንከሎ ኵሉ ማዕረ'ዩ ዝብል እምነት ዘለዎ ጸጋዝኣብ፡ ኵሉ ዕድል ዝረኸበ መንእሰይ ሕጂ እውን ድኻሙ ከይጸብጸበ፡ ነብሱ ክቕይርን ዓቕሙ ከማዕብልን ክጽዕት ከምዘለዎ የዘኻኽር።