እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ኣልበሽር ዝተሰምዐ ዓሌታዊ ጸርፊ ቁጥዐ ፈጢሩ
ጉዳይ ክሲ፡ ካብ ስልጣን ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ዝነበረ ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ስበስልጣናቱን ካብ ዝርኢ ዝነበረ ቤት ፍርዲ፡ ብቐጥታ ብተለቪዥን እናተመሓላለፈ፡ ዓሌታዊ ጸርፊ ተሰሚዑ። ነቲ ድሕሪ ዕልዋ ኣልበሽር እውን ንሰለስተ ዓመታት ዝቐጸለ፡ ጸረ-ዓሌትነት ካብ ምኽንያታቱ ዝገበረ ኣድማ ሱዳናውያን ከኣ መሊሱ ኣጕሂርዎ::
ጕጅለ ጠበቓታት ኣልበሽር፡ ኣብ ማእከል‘ቲ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኮፍ ኢሎም ንሓድሕዶም ክዘራረቡ እንከለው፡ እቲ ማይክሮፎን ክፉት ምንባሩ ፍጹም ኣየስተውዓሉን።
ሓደ ካብኣቶም፡ “እዚ‘ባርያ’ ምስቲ ክፉእ ኣፍንጭኡ ክጽለአኒ መዓት እዩ . . .” ክብል ተሰምዐ።
ብቛንቋ ዓረብ፡ ን ‘ባርያ’ ዝውክል፡ “ዓብድ” ዝብል ቃል፡ ንዘይኣዕራብ፡ ኣፍሪቃ ዝመበቈሎም ሱዳናውያን መጸውዒ/መፍለዪ ዝዝውተር ቃል እዩ፤ ንጸለምቲ መጽረፊ ድማ።
እቲ ዘረባ፡ ምስቲ ብተለቪዥን፡ ዩትዩብን ገጽ ፈይስቡክ ሱና - ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ዝፍኖ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ምንም ምትሕሓዝ ኣይነበሮን።
እቶም ሰባት ዝዘራረቡሉ ዝነበሩ ሉቕማን ኣሕመድ ዝተባህለ ዳይረክተር ኣገልግሎት ዜና መንግስቲ ዝዀነ ህቡብ ጋዜጠኛ ካብ ስርሑ ተባሪሩ እዩ።
ኣሕመድ፡ ወኪል ቢቢሲ ዓረብ ዝነበረ፡ ወዲ ዳርፉር እዩ። ነዚ መዝነት’ዚ [ዳይረክተር] ዝተዋህቦ ድማ ድሕሪ ምእላይ ኣልበሽር፡ ኣብ መንጐ ወተሃደራትን ሲቪላውያንን ብዝተበጽሐ ምክፍፋል ስልጣን እዩ።
ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ እቶም ጀነራላት ነቲ ውዕል ምክፍፋል ስልጣን ብምስራዝ፡ ዕልዋ ገይሮም።
ኣሕመድ ግን ንዝሰዓበ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሓላፍነቱ ጸኒሑ ነይሩ። እንተዀነ፡ ነቲ ጀነራል ርእሰ-ብሄር ብዘይምኽባርን፡ ብዛዕባኡ ዝዝርግሑ ዜናታት ኣብ እግሪ ወይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል መጋዚን ከም ዝኸውን ብምግባርን ክኽሰስ ጸኒሑ።
እታ ዘረባ ናይቶም ጠበቓታት እተርኢ ሓጻር ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መድያ ብቕልጡፍ ተዘርጊሓ። እቲ ብዋጋ ኣሕመድ ዝተገብረ ዓሌታዊ ጸርፊ ድማ ብብዙሓት ተወጊዙ’ሎ።
ነቲ ኣብ 2019 ብደለይቲ ለውጢ ተቓወምቲ ዝዝመር ዝነበረ፡ “ኦ ኣንቱም ዕቡያት ዓሌታውያን፣ ብመላኣ ‘ዛ ሃገር እኮ ዳርፉር እያ!” ዝብል መዛሙር ድማ የዘኻኽር።
እዚ፡ ናብቲ ኣብ 1989 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝመጸን፡ ምስ ግጭት ዳርፉር ኣብ ዝተኣሳሰር ኣብ ዓለም ፍሉጥ ዝዀነን ዑመር ኣልበሽር ዝቐንዐ እዩ ነይሩ።
ንሱ [ኣልበሽር]፡ እቶም ብመንግስቲ ዝድገፉ ብ ‘ጃንጃዊድ’ ዝፍለጡ ፈረሰኛታት ሚሊሻ ኣዕራብ፡ ኣብ ፈለማ 2000 ኣብ ልዕሊ’ቶም “ዙርጋ” ዝበሃሉ ጸለምቲ ተወለድቲ ‘ቲ ከባቢ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብገበን ኲናትን ምጽናት ዓሌት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ተኸሲሱ ነይሩ።
እቲ ብሓደ ካብ ጠበቓታት ኣልበሽር ዝተሰምዐ ዘረባ፡ ንተቓለስትን ደለይቲ ለውጥን፡ ሱዳን ንድሕሪት ተንደልህጽ ከም ዘላ ዘዘኻኸረ ነይሩ።
ኣልበሽርን መሳርሕቱ ነበርን ገና ኣብ ፍርዲ እዮም ዘለው። እንተዀነ እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣዛዝነት ሒዙ ን 30 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሓ ዝጸንሐ ኣልበሽር፡ ኣብ ማሕቡስ ኣይኣተወን ዘሎ።
ካብቲ ዝተኻየደሉ ዕልዋ ኣትሒዙ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ብሕታዊ ወተሃደራዊ ሆስፒታል እዩ ዘሎ። ብዙሓት ከም ዝግምትዎ’ውን እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጕጅለ ወተሃደራት፡ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ናብ ገዛኡ ክሰዶ ይኽእል እዩ። እዚ ግን፡ ነቲ ንዕኡ ካብ ስልጣን ክእለ ዝገበረ ሰውራ ንድሕሪት ዝቕልብስ እዩ ተባሂሉ ድማ ይንቀፍ።
“እዚ ውጽኢት ናይቲ ብልሽው ኣተሓሳስባ እዩ፡” ይብል መራሒ ሰልፊ ኮንግረስ ሱዳንን ኣባል ናይቲ ስልጣኑ ዝተሓድገ ሲቪላዊ ክፋል መንግስቲ ሱዳን ነበር፡ ኣብ ትዊተሩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ‘ዳርፉር ባር’ ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣብ ጐድኒ ኣሕመድ ደው ብምባል፡ ኣንጻር ጕጅለ ጠበቓታት ክሲ ኣበጊሱ’ሎ።
ኣሕመድ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ቓልሲ “ዓሌታውነት ኣብ ሱዳን ንምግታእ” ዝዓለመ እዩ ነይሩ።
ከምዚ ዝበለ ቅሉዕ ዓሌታውነት፡ ኣብ ሓደ ወግዓዊ ኣጋጣሚ እሞ ድማ ካብ ናይ ሕጊ ሰባት ክትሰምዕ እንከለኻ ኣመና ዘሰንብድን ዘሻቕልን ምዃኑ፡ ኣሕመድ ይገልጽ።
እቲ ጉዳይ ዝኸፍአ ዝገብሮ ድማ ሓደ ካብቶም ጠበቓታት፡ ‘ሃይማኖቱ ዘራኸሰ’ ኢሉ ክጸርፎ ምስምዑ እዩ። እቲ ሓቂ ግን ኣሕመድ ኣብታ ብዓብላልነት ምስልምና እትኽተል ሃገር - ሱዳን፣ ንሱ’ውን ሃይማኖቱ ዘኽብር ኣስላማይ ምዃኑ እዩ።
ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሱዳይ ድሕሪ ናጽነት - 1956 እዩ፡ ኣብ ብሕታውን መንግስታውን መሓውራት ከስፋሕፍሕ ተራእዩ። እዚ ኸኣ፡ ሓድጊታት ናይቲ ኣብ መበል 19 ክፍለዘመን፡ ኣውሮጳውያንን ኣዕራብን ነጋዶ፡ ንመሸጣ ዝዀኑ ምሩኻት ንምሓዝ ንደቡብ ገጾም ብምውራር ዝፈጠርዎ ንግዲ ገላዩ።
እዚ ዓሌታዊ ኣጠማምታ፡ ንታሪኽ ናይታ ሃገር ዓብሊሉ፡ ኣብ ክሊ ልሂቃን ኻርቱም ደራኺ ሓይሊ ሒዙ ነዊሕ ሰሪቱ ዝጸንሐ እዩ።
ኣብ መወዳእታኡ፡ ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ንኽትእውጅ ደፋኢ ምኽንያት ኰይኑ፤ ኣብቲ ዘይ-ኣዕራብ ህዝብታት ብብዝሒ ዝነብርዎ ግዝኣታት ደርፉር፡ ዝባውንቲ ኑባን ብሉ-ናይልን ’ውን ጸረ-ዓሌትነትን ኣድልዎን ቁጡዕ ምልዕዓላት ፈጢሩ።
ዓሌትን ኣብ ሱዳን፡ እቲ ቐንዲ ማእከል ትዅረት ቤት ፍርዲ ሄግ እዩ። እንተዀነ፡ መራሕቲ ዕጡቓት ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ዝነበሩ፡ ነቲ ዝቐርብ ክሲ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይነጽግዎ።
እቲ ብ “ዓሊ ኩሻይብ” ዝፍለጥ ዓሊ መሓመድ-ዓሊ ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ጉዳይ’ቲ ኣስታት 300,000 ሰባት ዘህለቐን፡ ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ቤት-ኣልቦ ዝገበረን ግጭት፡ ቀዳማይ ተኸሳሲ ኰይኑ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ እዩ።
ድሕሪ’ዚ ኣብ ጥቅምቲ ዝተገብረ ዕልዋ፡ ጉዳይ ዓሌትነት፡ ጽልኢን ግርጭትን ዝቱኽቱዅን ዘረባታት ንህዝባዊ መድረኻት ብሒቶምዎ እዮም።
ዳርፉር ከም እንደገና ማእከል ዓሌታዊ ግጭት ብምዃን ጠንቂ ብዙሓት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሱዳን ዝተራእየ ገበናትን ምልዕዓላት ክተከውን ተራእያ እያ።
እቶም ካብ ኻርቱም ወጻኢ ዝነብሩ፡ ካብ ካልእ ዓሌት ዝዀኑ ጕጅለታት፡ ነቲ ብሞተር ብሽክለታን ዕጥቅን ዝስነ፡ ኣብ ጽርግያ ዝግበር ናዕቢ፡ ቀንዲ ተወቀስቲ እዮም።
ማሕበራዊ ሜድያታት’ውን ዓሌታዊ ወጥሪ ዘጋድዱ፡ ጥርጡራት ክቕጥቀጡ፡ ክሳቕዩን ብዘይሕጋዊ ብይን ክቐተሉን ዘርኢ ኣሳእል ብብዝሒ የስፍሩ እዮም።
እቶም ናዕበኛታት፡ እቲ ዝድግፍዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምብሓቱ፡ ‘ተጠሊምና’ ዝብል ስምዒት ሒዞም ምስቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ዝነበሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ዳርፉር፡ ኑባን ብሉ ናይልን ብኣድማዕነት ክተኣሳሰሩ ጀሚሮም ኣለው።
ምክትል መራሒ ሱዳን፡ ሌተና ጀነራል መሓመድ ሓምዳን “ሕሜቲ” ዳጋሎ ግን፡ ነዚ ዅሉ ንረብሓ የውዕሎ’ሎ። [ንሱ] በቶም ልሂቃን ከም መጻእተኛ እዩ ዝርአ፣ ብወገን ዳርፉር ድማ፡ መራሒ ናይቲ ካብ ጃንጃዊድ ዝወጽአ፡ ቅልጡፍን ሓያልን ወተሃደራዊ ደጋፊ ሓይሊን ይርአ። እንተዀነ፡ እዚ ሕጂ ምስቶም ናይ ቅድም ጸላእቱ ዝነበሩ ተቓልስቲ ዳርፉርን ዕሱባት ሚሊሻን፡ ፈጢርዎ ዘሎ ሽርክነት፡ ስልጣኑ ዝያዳ ከዕሙቕ ዕድል ፈጢሩሉ’ሎ።
ኣብ ርእሲ’ዚ መዛም ውህደት’ዚ፡ ሱዳን ንዓሌትነት ዝርኢ ሕጊ ስለዘይብላ፡ ኣሕመድ ብሕጊ ተማጕቱ ክረትዕ ዘሎ ተኽእሎ ኣመና ጸቢብ እዩ።
እንተዀነ፡ ንሱ ይዅን ሰዓብቱ፡ ናይቲ ማሕበራዊ ውህደት ምትእስሳርን ’ታ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ዓሌትነትን፡ ንሱ ክፈጥሮ ዝኽእል ለውጥን መርኣያ ክኸውን ከም ዝኽእል ይትስፈው።