እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዊድን፡ ሓደ ሕሉፍ ጉጅለ ቅዱስ ቁርኣን ከምዘቃጽል ድሕሪ ምግላጹ ናዕቢ ተላዒሉ
ኣንጻር ስደተኛታት ዝንቀሳቐስ ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ቁርኣን ከምዘቃጽል ምግላጹ ስዒቡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዊድን ዝተወልዐ ጎንጺ ንመበል ራብዓይ መዓልቲ ቀጺሉ፡፡
ብሰንበት ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ኖርኮፒንግ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ፖሊስ ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ክትኩሱ እንከለው ሰለስተ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጸሖም ተገሊጹ፡፡
ብተወሳኺ ብዙሓት መካይን እንትቃጸላ 17 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ብቐዳም ደገፍቲ እቲ ሕሉፍ የማናዊ ጉጅለ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ማልሞ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ መካይን ኣቃጺሎም፡፡
ኣብዚ ቕነ መንግስታት ኢራንን ዒራቕን ንልኡኻት ስዊድን ብምጽዋዕ ንምቅጻል ቁርኣን ተቓዊሞም ነይሮም፡፡
መራሒ ስትራም ኩርስ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ዴንማርካዊ-ስዊድናዊ ራስመን ፓሉዳን፡ ቅዱስ ቁርኣን ከምዘቃጸለን ነቲ ተግባር ከምዝደግሞን ገሊጹ ነይሩ፡፡
እቲ ጉጅለ ካብ ሓሙስ ክሳብ ቀዳም መድረኻት ከካይደሎም ተሊሙ ኣብ ዝነበረ ከተማታት ኣብ ዝተኻየዱ ሰልፊታት ተቓውሞ 16 ፖሊስ ጉድኣት ክበጽሖም እንከሎ ብዙሓት መካይን ፖሊስ ተቓጺለን፡፡
ፓሉዳን ብሰንበት ኣብ ከተማ ኖርኮፒን ሰልፊ ከምዘካይድ ምግላጹ ኣንጻሩ ካልእ ሰልፊ ክካየድ ምኽንያት ከምዝኾነ ዶቸ ወለ ጸብጺቡ፡፡
ፖሊስ መጥቃዕቲ ምስተፈጸሞም ናይ መጠንቀቕታ ጠያይቲ ከምዝተኮሱ ዝገለጹ ኮይኖም ሰለስተ ሰባት ፍንጣር ከምዝሃረሞም ገሊጾም፡፡
ሰልፈኛታት ብዓይኒ ዕሙት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር ብወገኑ ‘‘ቅድሚ ሕዚ ጎነጽ ዝበዝሖም ናዕቢታት ርእይና ኢና፤ እዚ ግን ዝተፈለየ እዩ’’ ኢሉ፡፡
ቅድሚ ሕዚ እውን ጉጅለ ስትራም ኩርስ ቁርኣን ንምቅጻል ትልሚ ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ ኣብ ስዊድን ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ ነይሩ፡፡
ኣብ 2020 ብዓሌታውነትን ካልኦት ገበናትን ንሓደ ወርሒ ኣብ ዴንማርክ ዝተኣሰረ መራሒ እቲ ሕሉፍ ጉጅለ ኣብ ከም ፈረንሳን ቤልጂየምን ሓዊሱ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ቅዱስ ቁርኣን ናይ ምቅጻል መደብ ነይርዎ፡፡