ተኣጊደን ዝጸንሓ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ፍቓድ ረኺበን

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሰንኪ ዝበጽሐ ሓደጋ፡ ንነዊሕ እዋን እገዳ ተነቢርወን ዝጸንሓ ነፈርቲ ቦይንግ 737 ማክስ ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ፍቓድ ከምዝሃበ፡ በዓል መዚ ሲቪል ኦቪዬሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ነፈርቲ፡ ካብ ትማሊ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 3 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክበራ ይኽእላ ምዃነን ሓቢሩ።

ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቁጽሪ በረራ ኢቲ-302 ቦይንግ 737 ማክስ፡ ይጓዓዙ ዝነበሩ 157 ተሳፈርትን ሰራሕተኛታት በረራን ምኽንያት ሞት ዝኾነ ሓደጋ ምስ በጽሐ እዩ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ሰማይ ከይበራ ተኸልኪለን ጸኒሐን።

መጋቢት 1 ቀን 2011 ዓ.ም ዝበጽሐ ሓደጋ ስዒቡ፡ ቦይንግ 737 ማክስ ነፈርቲ፡ ካልእ መምርሒ ክሳብ ዝወጽእ ኣብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵአያ ከይበራ ኣጊዱ ነይሩ።

ኮይኑ ግና፡ ምምሕዳር ፌዴራል ኣቬሽን ኣመሪካ፡ ኣብ'ዚ ሕዚ እዋን፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ብምፍላይ፡ ፍታሕ ከምዝገበረ ዘመልክት መምርሒ ምውጽኡ ስዒቡ እዩ እቲ እገዳ ተልዒሉ ዘሎ።

በዓል መዚ ሲቪል አቪዬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ነፈርቲ ዝተገብሩ ምምሕያሻት ዲዛይን፣ መምርሕታት በረራን ስልጠናን ብዝግባእ ከምዝፈተሸ ድማ ገሊጹ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያውን ነቶም መምርሒታት ተግባራዊ ምግባሩ ድሕሪ ምርግጋጹ ነቲ እገዳ ምልዓሉ ሓቢሩ።

ኩባኒያ ቦይንግ፡ ምስቶም ብ2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ማክስ 737 ግዳያት ዝኾኑ ስድራቤት ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ኣብ ቺካጎ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኣፍራዪ ነፈርቲ ብሞት እቶም ተጉዓዝቲ ተሓታቲ ክኸውን ተሰማሚዑ።

እቶም ስድራ ግዳያት ድማ ካብቲ ኩባኒያ ናይ መቕጻዕቲ ካሕሳ ኣይሓቱን።

ጠበቓታት እቶም ስድራ ግዳያት ቦይንግ "ሙሉእ ንሙሉእ ተሓታቲ" ከም ዝኸውን ብምግላጽ እቲ ስምምዕ ከም ዓብዪ ምዕራፍ ተቐቢሎምዎ።

እዚ ስምምዕ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻእ ዘለው ስድራቤታት [ኣብ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን] ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ብኣብያተ ፍርዲ ኣመሪካ ኣቢሎም ካሕሳ ክሓቱ ዘኽእሎም ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ዋንነታ ናይ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ቦይንግ ምስ ተሓምሸሸት ዕዳጋ መሸጣ ነፈርቲ ቦይንግ ነክዩ'ዩ።

እተን ነፈርቲ መርመራ ክሳብ ዝካየድ ን20 ኣዋርሕ ጠጠው ክብላ ተገይሩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ኩባኒያ ቦይንግ ኣብ ሶፍትዌርን ስልጠናን ምምሕያሽ ገይረ'የ ብምባሉ ናብ ስራሕ ክምለሳ ተፈቒዱለን ኣሎ።