ኣብ መንጎ ቻይናን ኣውስትራልያን ዘሎ ወጥሪ እንታይ እዩ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣብ ፓሲፊክ ዝርከባ ናእሽቱ ደሴታትን እተገብረ ውዕል ውሕስነትን ድሕነትን፡ ናብ መላእ እቲ ውቅያኖስ ከቢድ ማዕበል ልኢኹ ኣሎ።

እቲ ልሒዅ ዝወጽአ ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ ቻይና ናብ ደሴታት ሰሎሞን ሰራዊታ ክትልእክን ኣብኡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ከተቕውም ከም እትኽእልን ይሕብር።

እዚ ክውንነት ነታ ምስ ደሴታት ሰሎሞን ብደቡብ እትዳወብ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ መሻርኽቲ ኣመሪካን ዓባይ-ብሪጣንያን ዝኾነት ኣውስትራልያ ኣሻቒሉዋ ኣሎ።

ፕሮፌሰር ትካል ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣውስትራልያ ኣላን ጊይናጊል፡ "ዝርዝር ናይቲ ስምምዕ እኳ ብንጹር እንተዘይተፈልጠ፡ ካብቲ ዝፍራሕ ምቛም ወተሃደራዊ መደበር ዝንእስ እውን እንተዀነ: ቻይና ኣብ ፓሲፊክ እግራ እተንብረሉ ቦታ ረኺባ ኣላ" ይብል።

ደሴታት ሰሎሞንን ኣውስትራልያን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ኣለወን።

ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣትሒዛ ኣውስትራሊያ እታ ንደሴታት ሰሎሞን ዝበዝሐ ሓገዝ እትህብን ቀረባ መሻርኽቲ ምዕባለን ኮይና ዝጸንሐት ሃገር እያ።

ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ዝህብ ኣመት እኳ እንተነበረ፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ በዚ ኣጸቢቑ ከየስተብሃለሉ ዝተኸስተ ሓዲሽ ምዕባለ ሰምቢዱ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ መንግስቲ ኣውስትራልያ፡ ቻይና፡ ምስ ደሴት ሰሎሞን ንዘለዋ ውሽጣዊ ፖለቲካ ከተትርርን ናይ ልቓሕን ቊጠባዊ ወፍርን መሓውራት ክትዝርግሕ ከም ዝጀመረት ተዓዚባ ነይራ።

እቲ ፍጻሜ ንካንቬራ ነቲ ኣብ "ቤተ ሰብ ፓሲፊክ" ዝነበረ ቘላሕታ ብምትዕርራይ፡ ረድኤት እተውሕዘሉ "ስጕምትታት" ንክተመሓይሽ ደሪኹዋ እያ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ካንቬራ ጽምዶ ፖሊሲ ምስ ደሴታት ሰሎሞን ከምቲ ዝግባእ ስለ ዘየድመዐ ቻይና መርገጽ እግሪ ረኺባ ይብሉ ንኣተሓሕዛ እቲ ጉዳይ ዝነቕፉ ተንተንቲ ፖለቲካ።

"እቲ ዕላማ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት ንኸየጋጥም'ዩ ክኸውን ነይሩዎ። ብኻልእ መገዲ ከተንብቦ ኣይከኣልን እዩ - እዚ ከኣ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ዲፕሎማሲያዊ ፍሽለት እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ጊንጀል ።

እቲ ነገር ንኣውስትራሊያ ዓቢ ነገር ኣይኮነን። ኣስታት ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ እተነግረ ስምምዕ ኣውኩስ፡ ነቲ ቻይና ኣብ ኢንዶ-ፓሲፊክ ዘለዋ ህርፋን ንምቅዋም ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን መሻርኽትን፡ ካልእ ናይ ግጭት ባይታ ንከይፍጠር የተሓሳስበን እዩ።

ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝዝረብ ዘሎ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ሰሎሞንስ ምናሴ ሶጋቫረ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስ ቻይና ዝጸንሐ ትሕተ ቅርጽን ካልእ ናይ ንግዲ ወፍርን፡ ጸጥታዊ ውሕስነት ንምርካብ መሰል ከም ዘለዋ ብንጹር እዩ ዝጣበቕ።

ብሰሉስ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መደረ ከኣ "ኣብ ጂኦ-ፖለቲካዊ ቁርቁስ ሓያላን ክንኣቱ ድላይ የብልናን" ኢሉ። ትሕዝቶ እቲ ንድፊ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑን እቲ ዝለሓዅ ንድፊ ከኣ ናይ መወዳእታ ከምዘይኮነን ሓቢሩ።

ደሴታት ሰሎሞን ኣብ 2019 ምስ ቻይና ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ንምምስራት ስምምዕ ገይረን።

እቲ ስምምዕ፡ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ቻይና ኣብተን ደሴታት "ንምዕራፍ ንምስግጋርን" ዘኽእል ስምምዕ ዘነጽር እዩ።

ንሱ ከኣ ወተሃደራዊ መደበር ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ዘተሓሳስብ እዩ ነይሩ ።

ብዘይካዚ፡ በይጂንግ ንቻይናውያንን ኣብተን ደሴታት ንዚግበሩ ፕሮጀክትታት ንምውሓስ ሓይልታት ከተዋፍር ትኽእል እያ።

ብመሰረት እቲ ንድፊ፡ ነበርቲ ሶሎሞንስ ንቻይና "ፖሊስ፡ ዕጡቓት ወተሃደራትን ካልኦት ኣኽበርቲ ሕግን" ክልእኹላ ክሓትዋ ይኽእሉ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ሚሃይ ሶራ ዝበሃል ናይ ትካል ሎዊ ተንታኒ፡ እቲ ሰነድ ቻይና ኣብ ደሴታት ፓሲፊክ እተዋፍሮ ዓይነት ሰራሕተኛን ነቲ ስልጣን ዘለዎም ሓይልታትን ብንጹር ከም ዘይገለጸ" ይጠቅስ።

እቲ ምስ ቻይና ዝተገብረ ውዕል ምስቲ ደሴታት ሰሎሞን ምስ ኣውስትራልያ ዘለዎም ናይ ድሕንነት ስምምዕ ኽነጻጸር ከሎ፡ እቲ ናይ ቻይና ኣዝዩ ዝሰፍሐ እዩ ።

እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ስርዓት ብቐንዱ ምስታ ብዙሕ ዕግርግር ዝረኣየላ ደሴታት ሰሎሞን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝተሓሓዝ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ሆኒያራ ብርቱዕ ናዕቢ ምስ ተላዕለ ካብ ኣውስትራልያ፡ ኒው ዚላንድ፡ ፊጂን ቫኑዋቱን ጸጥታ ዘኽብሩ ወተሃደራት ተላኢኾም።

"እቲ ምስ ቻይና ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ጸጥታዊ ርክብ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሚዛን ክቕይሮ ይኽእል እዩ ። እትረፍ ርሑቕ ንዘላ ቻይና ነቶም ኣብቲ ቐረባ ዘሎና እውን ቀሊል ኣይኮነን" ይብል ሚስተር ሶራ።

"ውዕላት ድሕነት ካብቲ ውዕል ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎም ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሃገራት ንዘሎ ቅርበትን ምትሕብባርን ምትእምማንን ዘመልክት እዩ "ክብል ነቲ ጉዳይ ብዝያዳ የብርሆ።

ኣብ ፓሲፊክ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ቻይናውያን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ብነበርቲ ደሴታት ሰሎሞን ተቐባልነት ረኺቡ ዝጸንሐ፡ ብኣውስትራልያ ኒውዚላንድን ደሴታት ፓሲፊክን ተዓቂቡ ዘሎ ርጉእ ሃዋህው ከበላሽዎ ይኽእል እዩ።

ኣውስትራልያ፡ "ንርግኣትን ጸጥታን እቲ ዞባ ኸዳኽሞ" ዝኽእል ነገር ከም ዘሎ ክትዛረብ እንከላ፡ ኒው ዚላንድ ድማ ኣንጻር "ወተሃደራዊ ውድድር ኣብቲ ዞባ" ተዛሪባ።

ህላወ ቻይና ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ንኣውስትራልያ ብዛዕባ ከጋጥም ዝኽእል ወራር ዘይኰነስ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ብዛዕባ እትእክቦ ስለያዊ ሓበሬታ እዩ ብቐንዱ ዘተሓሳስባ።

ኣብ ደቡብ ፓሲፊክ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰራዊት ቻይና ምእታው እውን ከይተረፈ፡ ንኣውስትራልያን ወተሃደራዊ ተደላይነታን እውን ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእልን እዩ።

ሚስተር ሶራ፡ "እቲ ግዜ ርሑቕ ስለዘሎ እቲ ቻይና ኣብ ደሴታት ሰሎሞን እትሃንጾ ዘላ መሰረት ፡ ኣብ እዋን ግጭት እንታይ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ ገብር ብዙሕ ኣይርድኣናን እዩ" ኢሉ።

"ኣብ ሓደ ዞባ፡ ነቲ ዞባ ዘወግንን ካልኦት ሃገራት ንኸይኣትዋ ዘግልልን ወተሃደራዊ ህላወ እንተ መስሪትካ ሓደጋ እዩ"

እዚ ነቲ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ዘሎ ዲናሚካዊ ውጥረት እዩ ዝኸፍአ ክርቢት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቤጂንግ ኣብቲ ንውድድር ዝኸውን ማያት ሰብ ዝሰርሖ ደሴታት ሃኒጻ፡ ንሓይልታት ሓይሊ ባሕርን ነፈርትን እታ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ንከይሓልፉ ወተሃደራዊ ደረት ገይራትለን ትርከብ።

ክሳዕ ሕጂ ፡ ኣውስትራልያን ካልኦት ሃገራት ፓሲፊክን ኣብ ተዛማዲ ርፍኣት ዘለዎ ፓሲፊክ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ጸኒሑወን እዩ።

ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ስምምዕን ክውንነትን ሓያል ውድድር ተሪር ስትራተጂያዊ ጥርዚን ክፈጥር ይኽእል እዩ።