ላይቤሪያ፡ 50 ሽሕ ዶላር ናብ ዋንኡ ብምምላሱ ህይወቱ ዝተቐየረ ኣማኑኤል

ዛንታ ተጓንፎ ላይበርያዊ ኣማኑኤል ቱሎ፡ ዘመናዊ ጽውጽዋይ እዩ ዝመስል።

እቲ ወዲ 19 ዓመት በጽሒ፡ ደንቢ ልብሲ ቤት ትምህርቲ ተኸዲኑ፡ ምስቶም ካብኡ ብውሕዱ ብሽዱሽተ ዓመት ዝንእሱ ህጻናት ክመሃር እንከሎ ክትርእዮ ብዅሉ መዳዩ ግርንቢጥ እዩ ዝመስል።

እቲ ሓደ ግዜ ኣብ መባእታ ምስ በጽሐ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ዝነበረ መንእሰይ ግን፡ ሕጂ ኣመና ሕጕስ እዩ።

ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብራኡ ንምምራሕ ብሞተር-ሳይክል ታክሲ እናሰርሐ ላዕልን ታሕትን ክብል እንከሎ 50 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ምስ ገለ ባጤራ ላይበሪያ ተሓዊሱ፡ ኣብ ጎማ ተጠቕሊሉ ጸግዒ ሓደ ጐደና ተደርብዩ ረኸበ።

ንሱ፡ ነቲ ህይወት ክቕይር ዝኽእል ዝነበረ መጠን ገንዘብ ኣልዒሉ ኣብ ጁባኡ ከእትዎ ቀሊል ነይሩ።

እንተዀነ፡ ዋና እቲ ገንዘብ ብራድዮ ላይቤርያ ቀሪቡ 'ዝረኣየ እንተሎ' ክሳብ ዝብል፡ እቲ ገንዘብ ምስ ኣሞኡ ብሓደራ ኣቐመጦ።

ኣማኑኤል ሽዑ፡ በዚ ተግባሩ 'ብድኽነት ክመውት ኢኻ' እናተባህለ መስሓቕ ሰብ ኰነ። ሰናይ ተግባሩ ግን ኣብቲ ዝኸበረ ቤት ትምህርቲ ናይ ምምሃር ዕድል ከይተረፈ ጻመዮ።

ፕረዚደንት [ላይበሪያ] ጆርጅ ዊሃ፡ 10 ሽሕ ዶላር ክህቦ እንከሎ፣ ወናኒ ሓንቲ ማዕከን ዜና'ውን ገንዘብ ሂብዎ። ዋና'ቲ ዝተረኽበ ገንዘብ ድማ ዋጋ 1500 ዶላር ንብረት ዓደገሉ።

ኣብ ርእሲኡ ግን፡ ምናልባት'ውን ካብ ኩሉ ዝዓዘዘ ክኸውን ዝኽእል ሓንቲ ኮሌጅ ኣሜሪካ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ምሉእ ነጻ ዕድል ትመህርቲ [ስኮላርሽፕ] ክትህቦ ምዃና ቃል ኣተወትሉ።

'ምስትምቓር ኣካዳምያዊ ስነ ምግባር'

ንሱ ኣብቲ ቅድሚ 135 ዓመት፡ ንደቂ'ቶም ሓራ ዝዀኑ ገላዩን ነታ ሃገር ዝመስረቱን ልሂቃን ላይቤርያውያን ተባሂሉ ዝተመስረተ 'ሪክስ' ዝተባህለ ብሉጽ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኰይኑ ብዕቱብ ኣብ ትምህርቱ ኣድሂቡ ዘሎ።

እዚ ክልተ ዝደርቡ ህንጻ፡ ኣብ ሓደ ምልኩዕን፡ 6 ኪሎ ሜትር ካብ ገማግም ውቅያኖስ ኣትላቲክ፡ ኣብ ሓደ ናይ ምሾት ስፍራ ዝተደኰነ ቤት ትምህርቲ እዩ።

"ሕጂ፡ ትምህርቲ ብግቡእ'የ ዘስተማቕሮ ዘለኹ፣ ኣብ ሪክስ ይመሃር ስለ ዘለኹ ዘይኰነ ግን፡ ብሳላ ኣካዳምያውን ሞራላውን ስነ ምግባር እዩ" ይብል ኣማኑኤል።

ኣማኑኤል፡ ከም ኵሎም ካብ ድኻ ገጠራት ዝመጽኡ ላይበርያውያን፡ ሰሪሑ ስድራቤቱ ንምሕጋዝ ኣብ ትሽዓተ ዓመቱ'ዩ ትምህርቱ ከቋርጽ ዝተገደደ።

እዚ ኸኣ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ ኰይኑ፡ ምስ ኣሞኡ ክነብር ናብ ከተማ ኣተወ።

ኣብ ክልተ ዓመቱ፡ ሞተርሳይክል ሒዙ ኣብ ስራሕ ታኽሲ ተዋፈረ። ድሕሪ'ዚ ነዊሕ ብኵራት ካብ ትምህርቲ፡ ኣብ ትምህርቲ ንምዕዋት ዓቢይ ሓገዝ ይደሊ።

ፈለማ ኣብ ሻድሻይ ክፍሊ ምስ ተመዝገበ፡ "ቅሩብ ስምዒት ትሑትነት ይስምዖ ነይሩ፡ ኣብ ክፍሊ ዓው ኢሉ ዳርጋ ኣይዛረብን ነይሩ፣ ደሓር ግን ቀስ ብቐስ ከመሓይሾ ክኢሉ" ብምባል ሓላፊ ክፍሉ መምህር ቶምጋ ባምጋቦር ንቢቢሱ ገሊጹ።

"ብኣካዳሚያዊ መዳይ ድኽም ዝበለ እዩ ነይሩ፣ በዚ እንህቦ መደባት ሓገዝ ግን ቀስ ብቐስ ክመሓየሽ ክኢሉ እዩ። ካልኣይ ደረጃ ንኽውድእ ገለ ሽዱሽተ ዓመት ይተርፎ'ሎ፣ ካባና ተመሪቝ ክወጽእ እንከሎ ድማ ወዲ 25 ዓመት ኣቢሉ ክኸውን እዩ። ንሱ ግን፡ ነቲ ምስ መማህርቱ ዘለዎ ጋግ ዕድመ ግዲ ኣይገብረሉን እዩ፤ ከም ኣዕሩኽቱ እዩ ዝርእዮም" ኢሉ።

ኣማኑኤል ነቲ ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሕልፎ ናብራ፡ ኣብ መጻኢ ብነብስኻ ንኽትነብር ዝሕግዝ ጽቡቕ ተመክሮ ህይወት ገይሩ እዩ ዝርእዮ።

ንጥንቁቕ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ሃገር ኣበርክቶ ክገብር ብምሕላን፡ ኣብ መጻኢ፡ ዩኒቨርሲቲ ኣካውንቲንግ ከጽንዕ ከም ዝደሊ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ራእይኡን ቅንዕናኡን ከኣ፡ ብልሽዋናን ምጥፍፋእን መዓልታዊ ዝውረየላ፣ ሰበስልጣናታ፡ ሃብቲ ሃገር ብምዝራፍ ወግሐ ጸብሐ ዝኽሰሱላን ሃገር፡ ከም ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዝግለጽ።

'ቅኑዕ ምዃን ጽቡቕ እዩ'

ኣማኑኤል፡ ነቶም ንዝረኸቦ ገንዘብ ናብ ዋናኡ ብምምላሱ ዝቕይዕሉ ዝነበሩ ሰባት ዘኪሩ፡ እቲ ገንዘብ ነባራዊ ኩነታቱ ንምምሕያሽ ክጥቀመሎ ይኽእል እኳ እንተነበረ፡ "ነቲ ሕጂ ረኺበዮ ዘለኹ ዕድላት ግን ኣይምኸፈተለይን፡" ይብል።

"ነዚ ንዘብቅዓኒ ፈጣሪን፣ ነቶም ቅንዕና ዝመሃሩኑ ወለደይን አመስግን። ንንኣሽቱ መንእሰያትን ድማ ሓቀኛ ምዃን ጽቡቕ እዩ፣ ዘይናትካ ኸኣ ኣይውሰድን እዩ" ኢሉ።

ኣብ ሪክስ ዘለው መማህራን፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ተመሃራይ ምርካቦም ዘለዎም ኣድናቘት ይገልጹ።

"እዛ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ዘለዎ ቅኑዕ ባህሪ ጥራይ ኣይኰነትን ከሲባ፣ ኣብ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ቤት ትምህርትና'ውን ተቐያሪ ሓላው ልዳት እዩ።" ክብል መምህር ባንግቦር ይዛረብ።

መማህርቱ'ውን ምስኣቶም ክመሃር ሕጕሳት ምዃኖም ይገልጹ።

ቤተለን ኬሊ ዝተባህለ ወዲ 11 ዓመት ተመሃራይ፡ "ምስኡ ዝዀነ ክንካፈል እንደሊን እንግደሰሉ፣ ህዱእ፡ ብዙሕ ዘይዛረብ፣ እሙን፡ ሓቀኛን መኽበሪን ዝዀነ ዓቢይ ብጻይ እዩ፡" ክብል ይገልጾ።

ካሌብ ኩፐር ዝተባህለ ወዲ 12 ዓመት ብወገኑ፡ ንባህሪያት ኣማኑኤል ኣብ ክፍሊን ዶርሚቶሪን [መደቀሲ] የድንቕ። "ካብ ኣዕሩኽቱ ዝዀነ ኣይሰርቕን እዩ፡" ከኣ ይብል እናሰሓቐ።

"ዝዀነ ነገር እንተረኺቡ፡ ንመምህር እዩ ዝነግር፤ መምህር እንተዘይጸኒሕዎ ድማ ኣብታ ጠረጴዛ ኣቐሚጥዋ ይኸይድ፡" ይብል።

መሳርሕቱ ዝነበሩ ታኽሲስታት'ውን በቲ ዝጓነፎ ዕድላት ሕጕሳት እዮም።

ንነዊሕ እዋን ዝከታተሎ ዝነበረ፡ ወዲ 30 ዓመት ላውረንስ ፍለሚን፡ ብዛዕባኡ ንቢቢሲ ክገልጽ እንከሎ፡ " ኣማኑኤል ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ምኽኣሉ ንፈጣሪ ነመስግን" ይብል።

ኣብታ ስርሓት ቻይና ዝዀነት ከም ታኽሲ ዝሰርሓላ ቦክሰር ዝዓይነታ ሞተር ሳይክሉ ኰይኑ ኸኣ ምኽሩ ይህብ።

"ንመጻኢኡን ንመጻኢ ደቁን ኣብ ትምህርቲ ክጸቅጥ ኣለዎ፣ ንሱ ነቲ ገሊአና ዘይረኸብናዮ ዕድል ረኺብዎ'ሎ" ኢሉ።