እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እስራኤል፡ ቤተ-እስራኤላውያን ዝበዝሐ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ይበጽሖም- ጸብጻብ
ኣብ እስራኤል ካብ ዝፍፀሙ ዓሌት መሰረት ዝገበሩ [ዝበዝሑ]መጥቃዕትታ ኣብ ቤተ-እስራኤላውያን ዝወርዱ ምዃኖም ጸብጻብ ሚኒስቴር ፍትሒ እስራኤል የመልክት።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2021] ኣብ እስራኤል ካብ ዘጋጠሙ 458 ዓሌታዊ መጥቃዕቲታት፡ እቶም 48 ሚእታዊ ኣብ ቤተ-እስራኤላውያንን ኣብ ዓረብን ከም ዝተፈፀሙ፡ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እዚ፡ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፡ ምቝጻር ስራሕን ዘጋጥም ኣድልዎ፣ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ዘረባታትን ምልክታት፡ ብፖሊስ ዝፍጸም ምክልባትን ኣብ ትምህርቲ ዘጋጥሙ ገበናትን ይርከብዎም።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብ ሚኒስትር ፍትሒ እስራኤል ዝበጽሐ ሓበሬታ፡ መበቆል ዓሌቶም ኢትዮጵያዊ ዝኾኑ እስራኤላውያን ኣድልዎን ተነጽሎን ከም ዝበጽሖም የረድእ።
ኣብቲ ሚኒስትሪ ካብ ዝተመዝገቡ ዓሌት ተኮር መጥቃዕትታት፡ እቶም 24 ሚእታዊ ብቐጥታ ኣብ ቤተ-እስራኤላውያን ዘነጻጸሩ ክኾኑ እንከለው፡ ዝተረፈ 24 ሚእታዊ ኣብ ዓረብ፡ 10 ሚእታዊ ድማ ኣብ ደቂ ማእከላይ ምብራቕ ኣይሁዳውያን ዝተፈጸሙ እዮም።
ብ2019 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ 497፣ ኣብ 2020፡ 506፣ ኣብ 2021 ኣስታት 458 ኣብ ዓሌት ዝተመሰረቱ መጥቃዕትታ ተፈጺሞም።
እዚኦም ብሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ዝተመዝገቡ ጥራይ እዮም።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ግን ካብዚ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ሚኒስተር ፍትሒ እንታይ ይብል?
ሚኒስተር ፍትሒ እስራኤል ካብ ዝመዝገቦም ዓሌት መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታት ሰለስተ መርኣያ ንውሰድ።
እቲ ሓደ ዩቫል መኩሪያ ኣብ ዝተባህለ ኢትዮ- እስራኤላዊ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ቪክትሪ ኣብ ዝተባህለ መደበር ብሰንኪ ሕብሪ ቆርበቱ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከም ዘጋጠሞ ዝገልጽ ሓበሬታ ብፈይስቡክ ዘርጊሑዎ።
እቲ ሚኒስተር ነቲ ቪድዮ ድሕሪ ምርእዩ ነቲ መደበር ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ከሰሶ፡ እቲ መደበር ንዩቫል 23,000 ዶላር ክኸፍሎ ወሲኑ።
እቲ ካልኣይ መርኣያ ካብ ምዕራብ እስያ ድሩዜ ካብ ዝተባህለ ማሕበረሰብ ኣብ ዝመጽኡ መጻምድቲ ዝወረደ መጥቃዕቲ እዩ።
እቶም መጻምድቲ ወተሃደራት ኮይኖም፡ ንእስራኤል ከገልግሉ ካብ ጆሃንስበርግ ናብ እስራኤል ክምለሱ ነፋሪት እናተጸበዩ እንከለው፡ ሰራሕተኛታት ፀጥታ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ዘረባ ተዛሪቦምዎም።
እቲ ሳልሳይ ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ኣብ ኣዕራብ ዝተፈፀመ ኣድልዎ እዩ።
ምስ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ዝወጽኡ እገዳታት ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ሓይልታት፡ ነቶም ኣይሁዳውያን ሓዲጐም፡ ነቶም ኣዕራብ ግን ቁልፊ ኣይተዓጠቕኩምን ብዝብል ቀጺዖምዎም።
እቲ ጉዳይ ሪፖርት ምስ ተገብረ ግን መቕጻዕቶም ተላዒሉ እቶም ፖሊስ ከም ዝተቐጽዑ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዓሌታውነት ኣብ እስራኤል
ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ መጥቃዕቲታት ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ካብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝኸዱ ቤተ-እስራኤላውያን ከም ዝፍጸም ጻብጻብ ሚኒስተር ፍትሒ ይገልፅ።
ቅድሚ ሕዚ ቤተ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ ተቓውሞ ምስ ፖሊስ ጎንፂ ከም ዝፈጠሩ ይዝከር።
ብፍላይ እቶም ንእስራኤል ክኸዱ ንዓመታት ዝሓልሙ ዝነበሩ ተኸተልቲ እምነት ኣይሁድ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፡ ንዓሌታዊ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ብተደጋጋሚ ድምፆም የስምዑ ነይሮም።
ፖሊስ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተ-እስራኤላውያን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ሓይሊ ካብ ዝጥቀም ኣትሒዙ፡ ክሳብ ምቕታል ዝበጽሕ ሓደጋታት ኣውሪዱ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ተኸተልቲ እምነት ኣይሁድ ዝኾኑ ቤተ-እስራኤላውያን፡ መንግስቲ እስራኤል ብዘዳለዎም ምስጥራዊ በረራታት ኣብ መወዳእታ ዘመነ ደርግ ንፈለማ ግዜ ናብ እስራኤል ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ።
ካብኡ ንድሓር ግና እዞም ቤተ-እስራኤላውያን ተመዝጊቦም መንግስቲ እስራኤል'ውን ነቲ ኩነታት እናጻረየ ብሕጋዊ መገዲ ጉዕዞ ይፍጽሙ ኣለው።
ኣቐዲሞም ናብ እስራኤል ዝኣተው ቤተ-እስራኤላውያን፡ ዝተፈላለዩ ፀገማት የጋጥሞም ከምዘሎ'ኳ እንተ ተገልጸ ሕዚ'ውን ናብ እስራኤል ክኸዱ ዝፅበዩ ኢትዮጵያውያን ከም ዘለው ይንገር።
ዓሌት መሰረት ካብ ዝገበሩ መጥቃዕትታት ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ፀገማት ዘጋጠሞም ቤተ-እስራኤላውያን ከም ዘለዎ ኾይኑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕ ተዋፊሮም ዝተዓወቱን ኣብ ደረጃ ሚኒስትርነትን ካልእ ጽፍሕታት ሓላፍነት ዝበጽሑ ከም ዘለው'ውን ይፍለጥ።