ኮሮናቫይረስ፡ ቻይና ኣብ ዝዓበየት ከተማኣ ዕጽዋ ኣዊጃ

ቻይና፡ ለበዳ ኮቪሮናቫይረስካብ ዝጅምር ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ ዝዓበየት ከተማኣ ዕጽዋ ከም ዝኣወጀት ኣፍሊጣ።

ሰበ ስልጣን ጥዕና፡ መርመራ ኮቪድ-19 ንከካይዱ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዝመጽእ ትሽዓተ መዓልታት ብኽልተ ደረጃ ክትዕጾ እያ።

ዋላ'ኳ ልዕሊ ኣህጉራዊ መለክዒታት ሓድሽ ማዕበል መልከፍቲ እንተዘይኰነ፡ ኣብቲ ኣገዳሲ ቊጠባዊ ማእከል ዝበሃል ከባቢ ንኣስታት ሓደ ወርሒ እቲ መልከፍቲ ወሲኹ ኣሎ።

ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን፡ ቁጠባ እታ ሃገር ምእንቲ ከይጉዳእ ነታ ኣስታት 25 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብሩላ ከተማ ክትዕጾ ኣይደለዩዋን።

ይኹንምበር፡ ሻንጋይ ኣብ ሓጺር መዓልታት ልዑል ለበዳ ስለ ዘመዝገበት እቶም ሰበስልጣን ሓሳቦም ዝቐየሩ ይመስሉ።

እቲ ዕጽዋ ኣብ ክልተ ደረጃታት ክትግበር እዩ። እቲ ምብራቓዊ ወገን ናይታ ከተማ ካብ (ሰኑይ 28 መጋቢት) ክሳብ 1 ሚያዝያ እቲ ምዕራባዊ ወገን ድማ ካብ 1-5 ሚያዝያ ክዕጾ እዩ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ጠጠው ክብልን ኣብያተ ጽሕፈት ትካላት ኮነ ፋብሪካታት ስርሐን ደው ከብላ ወይ ሰራሕተኛታተን ካብ ገዛ ከም ዝሰርሑ ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለው።

ምምሕዳር እታ ከተማ፡ ህዝቢ "ንመምርሒ'ቲ ዕጽዋ ንክከታተሎ ነቲ ሓበሬታ ኣብ "ዊ-ቻት" ሓቲሙዎ ኣሎ።

ሰባት ዋላ'ኳ ኣብ እዋን ለበዳ ኣብ ውሽጢ እተን ዞባታት ክጐዓዙ ዝኽእሉ እንተኰኑ፡ እቲ ዕጽዋ ግን ንብምሉአን ኣውራጃታት ቻይና ጸልዩወን ይርከብ። ይኹንምበር ሻንጋይ ክሳብ እዚ እዋን እታ ዝዓበየት ከተማ እያ ።

ሻንጋይ ዝዓበየት ንግዳዊት ከተማ ቻይና እያ ። ኣብዚ እዋን ከኣ ቻይና ንሓደ ካብቲ ብሰፊሑ ዝዝርጋሕን ዝኸፍአ ዕንወት ዘውርድ ዘሎን ኦሚክሮን ዝተባህለ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ትቃለስ ኣላ።

ሰበ-ስልጣን ምብራቓዊ ሻንጋይ እቲ ሕምብርቲ ቁጠባ ዝኾነ ከባቢ ንቑጠባዊ ዕቤት ክስከሞ እንከሎ እቲ ጸኒሑ ዝዕጾ ፍርቂ ክፋል እታ ከተማ ከኣ እጃሙ ከም ዝገብር ሓቢሮም።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ቻይና ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ብተዛማዲ ሒደት ቍጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ ስለ ዘለዎም ንዕጽዋ ብዝምልከት ጸኒሑ ክረአ እዩ።

ትንታነ ዕጽዋ ሻንጋይሮቢን ብራንት

ኣብታ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ዕጽዋ እትጸንሕ ከተማ ገለ ክፋላ ክጽሙ እዩ። ይኹንምበር ሕጂ ነበርታ ሃንደበት ራዕዲ ስለ ዝሓዞም ካብ ንቡር ንላዕሊ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ኣሎ።

ካብ ገዛ ምስ ወጻእኩ ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ንግድን ሸቐጣ ሸቐጥን ነዊሕ ሪጋ ናይ ሰባት ተዓዚበ።

እቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ከባቢየይ እተኸፍተ ናብ ባቡራት ዝወስድ መተሓላለፊ መገዲ ጽባሕ ሰኑይ ክዕጾ እዩ ።

ህዝባዊ መጓዓዝያ ደው ክብልን ኩሎም ተቐማጦ እታ ከተማ ከኣ መርመራ ኮቪድ ክገብሩን እዮም።

ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣስታት 25 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት በዚ ዕጽዋ'ዚ ክጽለዉ እዮም። ፈለማ እቲ ምብራቓዊ ሸነኽ ዳሕራይ ከኣ እቲ ካልእ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክዕጾ እዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ለበዳ ከተማ ዉሃን ተዓጽያ። ቅድሚ በዓል ልደት ከኣ ዢያን ተዓጽያ። ሕጂ ከኣ እታ ማእከል ንግድን ርእሰ-ማልን ቻይና ዝኾነት ከተማ ሻንጋይ ትዕጾ ኣላ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ሻንጋይ ኣዝያ ዓባይን ኣገዳሲትን ማእከል ቁጠባ ከተማ ስለ ዝኾነት ኣይክትዕጾን እያ ክብሉ ዝጸንሑ ሰባት ሕጂ ከምቲ ዝሓሰቡዎ ከም ዘይኸውን ርእዮምዎ ኣለው።

ብደሆ ዜሮ ኮቪድ

እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ለበዳ ኮቪድ ነቲ "ዜሮ ኮቪድ" ዝብል ፖሊሲን ስትራቴጂን ኣዝዩ በዳሂ ገይሩዎ ኣሎ።

ስለ ዝኾነ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ዕጽዋን ቀይድታት ምንቅስቓስን ተኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ፖሊሲ ንቻይና ካብ ካልኦት ምስ'ቲ ቫይረስ ንክነብራ ዝጽዕራ ዘለዋ ሃገራት ይፈልያ እዩ ።

ኰይኑ ግና፡ ልኡም ምምሕልላፍን ኦሚክሮን ነቲ ዜሮ ኮቪድ ዝብል ስትራቴጂ ምክልኻል ዝቕይሮ እንተኾይኑ ጸኒሑ ክረአ እዩ።

ገሊኦም ተቐማጦ ሻንጋይ ብዛዕባ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ቀጻሊ መርመራታት ኮቪድ ኣሰልቺዩዎም ኣሎ። በዚ ከኣ እቲ ናይ ዜሮ-ኮቪድ ፖሊሲ ዋግኡ ክቡር ከም ዝኾነ ይስመዖም ኣሎ።

ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና፡ ብሰንበት ልዕሊ 4,500 ሓደስቲ ኣባላት ስድራ ቤት ከም ዝተለኽፉ ሓቢሩ።