ክብደት ንምንካይ ብፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ረብሓ ይህልዎም’ዶ? ንጥዕና'ኸ?

ሼን ዋርን ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ነይሩ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ።

ህይወቱ ዝሓለፈሉ ምኽንያት ድማ ተፈጥሮኣዊ ከምዝኾነ ይግለጽ። እቲ ውልቀሰብ ክብደቱ ንምንካይ ብዝብል ን14 መዓልታት ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ጥራሕ ይወስድ ነይሩ።

ቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት “ናይ ወርሒ ሰነ ውጥነይ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ዝነበርኩሉ ቅርጺ ሰብነተይ ምምላስ’ዩ” ክብል ናይ ቀደም ስእሉ ብምውሳኽ ኣብ ትዊተር መልእኽቲ ጠቂዑ።

ክብደት ሰብነቱ ንምንካይ ብተደጋጋሚ ይፍትን ከምዝነበረ መሓዙቱ ይዛረቡ።

ውሕስና እዞም ግብታት?

ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ብዙሓት ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ኣለዉ። እዚኦም ከኣ ዝተሓተ መጠን ካሎሪ ብምምጋብ ብቕልጡፍ ክብደት ንምንካይ ከምዝሕግዙ ይዝረበሎም። ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ዝህልዎም ጽልዋ እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ።

“ክብደት ይንክይ፤ ሰብነትና ክጸርይ ይገብር” ዝብል መጽብዓታት (መብጽዓታት) ካብ ዝእተወሎም ጽማቝ ኣትክልትን ፍረታትን ክሳብ ዝተሓተ መጠን ካሎሪ ከምዘለዎም ዝንገረሎም ጽማቝን ሾርባታትን ኣለዉ።

ሰብ ሞያ ግን “ተጠንቀቑ!” ይብሉ።

ነዞም ምግብታት ምውሳድ ንኸቢድ ሓደጋ ጥዕና ኣመጋግባ ከቃልዑ ከምዝኽእሉን ንብዙሓት ሰባት ክሰማምዑ ከምዘይኽእሉን ይምዕዱ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እንግሊዝ (ኤን ኤች ኤስ - ናሽናል ሀልዝ ሰርቪስ) ኣብ መዓልቲ 800 ካሎሪ ምርካብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝሕብር ንዝተወሰኑ ሰባት ጥራሕ እዩ። ብፍላይ ዓይነት-ክልተ [‘ታይፕ-ቱ’] ዝበሃል ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት ወይ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ዘለዎም ሰባት ይምልከት።

ነቲ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰድ ምግቢ ምጥቃም ጥንቃቐ ብዝተምልኦን ክትትል ሕክምና እናተገበረን ክኸውን ይግባእ።

ብኦንላይን ካብ ዝዝርግሑ ፈሰስቲ ምግብታት እናዓደግካ ምጥቃም ውጽኢታዊ ዝኾነሉ አጋጣሚ ሓሓሊፉ’ዩ። ጎናዊ ሳዕቤናቱ ከኣ መርዘን ርእሲ፣ ጨረውረው ምባል፣ ከቢድ ድኻም፣ ውጽኣትን ቅርጸት ከብድን ይርከብዎም።

ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ኣሲዳት ዝሓዙ ጽማቝ ፍሩታታት (ፍራፍረ) ንናይ ስኒ ‘ኢናሜል’ [ናይ ስኒ ምስትያት ዝበሃል] ክበላሾ ይገብሩ’ዮም። እኹል ካሎሪ እንተዘይሃልዩ ድማ ንናይ ትፋስና ጨና ክቕይሮ ይኽእል።

ብድሕሪ እቲ ብመልክዕ ፈሳሲ ዝዳሎ ምግብታት ምጥቃም ናብ ስሩዕ ኣመጋግባ ክንምለስ ከለና ከጋጥም ዝኽእል ልዕሊ ዓቐን ምውሳኽ ክብደት ሰብነት ግን ካልእ ስግኣት ከምዝኾነ ሰብሞያ የጠንቅቑ።

ስለዝኾነ ንኩነታት ሰብነትና ምክትታል ኣገዳሲ ይኸውን።

ተቐያያሪ ክብደት ሰብነት?

በዓል ሞያ ፋውንዴሽን ስነ-ምግቢ ብሪቲሽ ዶክተር ሳይመን ስቴንሰን ከምዝብሎ፡ ምግቢ ምንካይ ወይ መጠን ካሎሪ ክጎድል ምግባር ቀጻሊ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን።

“ክብደት ሰብነት ንምንካይ ብቕልጡፍ ወይ ኣብ ሓጺር ጊዜ ዝግበሩ ለውጢታት ስርዓት ኣመጋግባ፡ ኣብ ገለ ሰባት ከም ናይ ሓሞት ፀፀር ዝበሉ ጸገማት ጥዕና ከኸትሉ ዝኽእሉሉ ኣጋጣሚ ዝለዓለ እዩ” ይብል ዶክተር ሳይመን።

ወሲኹ ድማ “ገለ እዋናት ልሙድ ወይ ዝውቱር ዝኸውን ዓይነት ኣመጋግባ ተቐያያሪ መጠን ክብደት ሰብነት ከኸትል ይኽእል’ዩ” ክብል የረድእ።

ንኽብደት ሰብነት ሓንሳብ ክውስኽ ጸኒሑ ድማ ክንክይ ዝገብር ዑደት ከም ማለት’ዩ።

እዚ ከኣ ኣብ ጥዕና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል።

ክብደት ንምንካይ ዝሓሸ ኣማራጺ፡ ፍሩታታት፣ ኣትክልቲ፣ ባሎንጓን ለውዝን ዝርከብዎም ዝተመጣጠነ ስርዓት ኣመጋግባ ምኽታል ከምኡ’ውን መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከምዝኾነ እቲ ዶክተር ይምዕድ።

ቀልጢፍና ክብደት ሰብነትና ንምንካይ ብዝብል ኣብቶም ብመልክዕ ፈሳሲ ዝውሰዱ ምግብታት ትኹረት ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ዘየድልይ ካሎሪ ዘለዎም ከም ኣልኮላዊ መስተ፣ ዝተጠበሰ ድንሽ፣ ብሽኩትን ብቕልጡፍ ዝዳለዉ ምግብታትን ምውጋድ ከምዘድልይ ወሲኹ ይሕብር።

ብፍላይ መሰረታዊ ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት ቅድሚ ናብ ከምዚ ዝበለ ኣመጋግባ [ክንደት ንምንካይ ዝውሰድ ፈሳሲ ምግቢ] ምእታዎም፤ ምስ ሓኪም ወይ በዓል-ሞያ ስነ ምግቢ ከዘራርቡ ይግባእ።

ምናልባት እቶም ነዚ ኣካይዳ ክጥቀሙ ዝክእሉን ዝሰማምዖምን ሰባት ፈሳሲ ምግቢ ውጽኢት ከምጽኣሎም ይኽእል’ዩ። ንብዙሓት ሰባት ግን ኣዝዩ ኣጸጋምን ሓደጋታት ከኸትል ዝኽእልን ከምዝኾነ ምግንዛብ ይግባእ።