ብድሕሪ ዘጋጠመን ጾታዊ-መጥቃዕቲ ብብቕዓት ደው ክብላ ዝቃለሳ ደቂኣንስትዮ

ስንዱን ኣሰለፍን ንኣዲስ ኣበባ ብስም ጥራሕ’የን ዝፈልጥኣ ነይረን። ኣብቲ ተወሊደን ዝዓበያሉ ናይ ገጠር ቀበሌ ኣዲስ ኣበባ ኩሉ ነገር ዘይሰኣና፤ ንዓይንን እዝንን ዝምቸው ነገራት ጥራሕ ዝርከበላ፤ ሰሪሕኻ እትልወጠላ፤ ካብ ናብረአን ሓሊፉ ንናብራ ድኻታት ቤተሰበን ከመሓይሻ ዝኽእላሉ ዕድል ዝረኽባላ ዓባይ ከተማ ከምዝኾነት ትቑጸር።

በዚ ተስፋታት ልበን ዝሸፈተ ስንዱን ኣሰለፍን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ መዓልቲ ቆሪጸን ናብ ኣውቶብስን እንተዘይተሳፈራ’ኳ ልበን ግን ኣቐዲሙ ሸፊቱ’ሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እናሃለዋ ድማ “ጉዳይ ኣዲስ ኣበባ ነዓይ ግደፋለይ” ዝብል ሰብ ተረኸበ።

በዓልቲ ሞያ ኣተሓሕዛ ገዛ ስንዱ

ስንዱ ኣብዚ እዋን ብሞያ ኣተሓሕዛ ገዛ ስልጠና ወሲዳ ኣብ ሓደ ገዛ ተቖጺራ ኣብ ምስራሕ ትርከብ። ነቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ዝነበረ ህይወታ ናብ ድሕሪት ምልስ ኢላ ክትዝክሮ ከላ ግን ንነብሳ ኣብቲ ሎሚ ዘላትሉ ቦታ ከምእትረኽባ ገሚታ ኣይትፈልጥን ነይራ።

ኣብ ሙሉእ ዕድሜኣ ብሕታውነት ተሰሚዕዋ ዘይፈልጥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽኣ ግን ንታሪኽ ህይወታ ብሓድሽ መልክዕ ክጽሕፎ ጀመረ።

ስንዱ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሓደ ቆልዓን’ያ ነይራ። ሓዋ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኸይዳ ዝሓሸ ናብራ ክህልዋ ከምዝኽእል ሰሪሓን ጽዒራን ገንዘብ ክተዋህልል ከምእትኽእል ምስነገራ ንወዳ ምስ ቤተሰባ ገዲፋ፤ ንሓዋ ኣሚና ነይራ ናብታ ብዙሕ ዝዝረበላ ኣዲስ ኣበባ ዝኸደት።

ሓዋ ንመኽፈሊ ኣውቶብስ ዝኾና 200 ብር ምስለኣኸላ ነቲ ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ምስ ኣዲኣ ገዲፋ ተጓዓዘት። ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስኣተወት ድማ ቆልዓ ናይ ምሕብሓብ ዕድል ስራሕ ረኸበት።

ነቲ ስራሕ ክትረክብ ዝገበራ ሓዋ ድማ ወርሓዊ ደሞዛ እናተቐበለ ከቐምጠላ ጀመረ። ስንዱ ነተን ምስ ሓዋ ትዓቑረን ዘላ ገንዘብ ሒዛ ንወዳን ቤተሰባን ክትርእይ ትሓሰብ ኣብ ዝነበረትሉ ሓደ እዋን ክፉእ ነገር ኣጋጠማ። በዓል ገዛ ናይታ ተቖጺራ ትሰርሓላ ዝነበረት ሰበይቲ ተጋሰሳ።

እዚ ጾታዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸማ ስንዱ ካብቲ ገዛ ብምውጻእ ኣብ ካልእ ገዛ ተቖጺራ ምስራሕ ቀጸለት። ድሕሪ እዋን ነብሰ-ጾር ምዃና ዝፈለጠት ስንዱ ነቶም ዘስርሕዋ ገዛ ምስኣፍለጠቶም ምስኦም ክትቕጽል ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ምስ ሓዋ ትዓቑሮ ዝነበረት ገንዘብ 2000 ብር ከምዝበጽሐ እትፈልጥ ስንዱ ንኽህባ ምስሓተተቶ ክህባ ኣይከኣለን። ሰባት እናልኣኸት ክህባ እንተተማሕጸነቶ’ውን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ካብቲ እዋን ንደሓር ድማ ካብ ኢድ ሰብ እትጽበ ከምዝኾነት ትዛረብ።

ሓንቲ ሰበይቲ ገንዘብ ሂባታ ገዛ ተኻርያ ክትነብር ጀመረት። ግዜ ሕርሲ ምስኣኸለ ድማ ብሕክምና መጥባሕቲ ክትወልድ ከኣለት። ቀደሙ ንነብሳ’ኳ ክኢላ ክትነብር ዘይትኽእል ዝነበረት ስንዱ ውላድ ተወሲኽዎ ናብራ ፈተና እናኾና ከምዝኸደ ትዛረብ።

ናይ 15 መዓልታት ሓራስ እናሃለወት ናብ ሓደ ንደቂኣንስትዮ ዝተዳለወ መዕረፊ [ትካል ግብረ-ሰናይ] ክትኣትው ሰባት ስለዝሓገዝዋ፤ ናብቲ ትካል ምስ ኣተወት ድማ ነቲ ዝደፈራ ሰብ ከሲሳ ንውላዳ ቐለብ ዝኸውን ገንዘብ በቢወርሒ ክኸፍላ ተፈሪዱላ ነይሩ።

ካብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ምስወጸት ግን እቲ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ንቐለብ ቆልዓ ዝኸውን ገንዘብ ዝህባ ዝነበረ ኣቦ ውሉዳ ነቲ ገንዘብ ኣቋረጾ። ንሳ’ውን ሕሪኡ እናተጓየየት ሃበኒ ክትብል ኣይከኣለትን።

ኣብቲ ንደቂኣንስትዮ ዝሕግዝ ማእኸል ኣብ ዝጸንሐትሉ እዋን ዝተፈላለዩ ሙያ ከምዝሰልጠነት እትዛረብ ስንዱ፡ ምስወጸአት በቲ ዝሰልጠነቶ ሞያ ትሰርሕ ከምዝነበረት ትገልጽ። ኣብዚ እዋን ከኣ ብኣተሓሕዛ ገዛ ሰልጢና ትሰርሕ ምህላዋ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“ነዓይ ዝረኣያ ብዙሕ ክመሃራ እየን”

ኣሰለፍ [ነዚ ዛንታ ብዝብል ስማ ዝተቐየረ] “ሻሂ ቡን እናሸጥኩ እየ ዝመሓደር” ትብል።

ተወሊዳ ኣብ ዝዓበየትሉ ገጠር ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ድልየት እንተነበራ’ኳ ኣካላዊ መጉዳእቲ ስለዘለዋ ግን ብትምህርታ ክትደፍእ ዘተባብዓ ሰብ ኣይረኸበትን።

“ገዛ ክሕልወሎምን ከጸራርየሎምን ጥራሕ ይደልዩ ነይሮም” ትብል። ኣብ ውሽጣ ብዙሕ ባህግታት ከምዝነበራን “ይኽእል እየ” ዝብል ድልዱል መንፈስ ከምዘለዋን እትገልጽ ኣሰለፍ፡ ናብታ ብዙሕ ዝዝረበላ ኣዲስ ኣበባ ጠፊኣ መጸት።

እታ ጉድኣት ኣካል ዘለዋ ኣሰለፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመጸአት ዘጋጠማ ህይወት ግን ኣብ ጎደና ምሕዳር ነይሩ። ሽዑ ክትመጽእ ከላ ጓል 14 ዓመት ከምዝነበረት ትዛረብ። ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ጎደና ምስጸንሐት ሓደ ለይቲ ተዓመፀት።

በቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸመ ጾታዊ ግህሰት ውኒኣ ስሒታ ዝረኸብዋ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሆስፒታል ወሰድዋ። ኣብቲ ሆስፒታል ግቡእ ሕክምና ምስረኸበት ድማ ናብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ክትኣትው ተገበረት።

ፖሊስ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ግህሰት ዝፈጸመ ሰብ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ክሰምር ከምዘይከኣለ ኣሰለፍ ትዛረብ። ብዝተገበረላ ምርመራ ኤች ኣይቪን ጥንስን ድማ ነብሰጾር ከምዝኾነት ጥራሕ ተረጋገጸ።

ካብ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ብዝተፈለየ ኣብቲ ማእኸል ንኽልተ ዓመታት ክትጸንሐ ከምዝተገበረት እትዛረብ ኣሰለፍ፡ ክሳብ እትወልድን ድሕሪ ምውላዳን ብዙሕ ሓገዛት ከምዝረኸበት ትገልጽ።

ናብ ጎደና ክሳብ ዝወጸትሉ እዋን ኩሉ ሰብ “ኣይትኽእልን” ይብላ ከምዝነበረ፡ ኣብቲ ማእኸል ደቂኣንስትዮ ግን ኩሉ ነገር ክትገብር ከምእትኽእል ክተርእይ ከምዝኸኣለት ትዛረብ።

ክእለት ስራሕቲ ንግዲ፣ ስልጠና ምድላው ምግብን ካልኦት ሞያታትን ብምውሳድ ንነብሳ ብቕዕቲ ከምዝገበረት’ውን ትሕብር። ኣብቲ ማእኸል ዝነበራ ጻንሒት ዛዚማ ምስወጸአት ድማ ናብ ንግዲ ተዋፈረት።

ኣብቲ ፈለማታት ኣብ ጽርጊያ ኮፍ ኢላ ሶፍትን ዝመሳሰሉን ትሸይጥ ዝነበረት ኣሰለፍ “ኣብዚ እዋን ኮንቴይነር [ብሓጺን ዝተሰርሐ ሹቕ] ተዋሂቡኒ ሻሂ ቡን እሸይጥ ኣለኹ” ትብል።

ክሳብ ሎሚ ብዙሓት ብድሆታት ከምዘሕለፈት ብምግላጽ “ድሕሪ ሕዚ ግን ዝሓሰብክዎ ነገር ዕውት ካብ ምግባር ዝእግደኒ ነገር የለን” ክትብል ዘለዋ ነብሰ-ምትእምማን ትገልጽ። ኣብ መጻኢ ድማ ንዝተዋፈረትሉ ስራሕቲ ንግዲ ብምስፋሕ ካልኦት ጉድኣት ኣካል ደቂኣንስትዮ ቆጺራ ክተስርሕን ዕድል ስራሕ ክትፈጥረለንን ድልየት አለዋ።

መዕረፊ (ማእኸል) ደቂኣንስትዮ

ቅድም ክብል ማሕበር ምክልኻል ጾታዊ መጥቃዕቲ ብዝብል ዝፍለጥ ዝነበረ ሎሚ ማሕበር ልምዓት መዕረፊ ደቂኣንስትዮ ዝብል ስያመ ሒዙ’ሎ። ብዝበጽሐን ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተሃሰያን ኣብ ጎነን ዝድግፈን ሰብ ዝሰኣናን ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ንምሕጋዝ ዝሰርሕ ትካል’ዩ።

እዚ ማሕበር ንዝተደፈራ (ጾታዊ ግህሰት ንዝተፈጸመን) ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሕጊ ደገፍን ሞያዊ ስልጠናታትን እናሃበ 18 ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።

እቲ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ማሕበር ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማታት ኣዳማን ሃዋሳን ደቂኣንስትዮ ዝዓርፋሎም ክልተ ማእኸላት ከምኡ’ውን ኣብ ደሴን ሑመራን ተወሰኽቲ ኣብያተ ጽሕፈት ብምኽፋት ንግዳያት ፆታዊ ዓመጽ ደገፍ ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ንዝተፈላለዩ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ዝተቓልዓ ደቂኣንስትዮ ንምድጋፍ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልዲያ ሓደ መዕረፊ ብምኽፋት ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኣተሓባባሪት እቲ ታካል ኑንያት ጎሳዬ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ናብቶም ማእኸላት ምስኣተዋ ንድልየተን መሰረት ዝገበሩ ሞያዊ ስልጠናታት ከምዝወሃብወን ኑንያት ትገልጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ መዕበዪ ግንዛበን ድጋፍን፤ ፈጠራ ስራሕን ዕድል ኣብ ምምችቻውን፤ ደገፍ ስነልቦናን ሕክምናን ይህብ።