እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጅግና ሲኤንኤን ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ኣብ መቐለ ዝተገበረላ ኣቀባብላ
ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ሲኤንኤን፡ ንኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ከምዝሸለማ ይፍለጥ።
ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ወርሓዊ ጽግያት ክብሪ'ዩ ብምባል ዝሕጸብ መንዲል ንጽህና [ሞዴስ] ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራጺ እተቕርበሉ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ እትርከብ እያ።
ሓሙስ፡ ሽልማታ ሒዛ ናብ መቐለ ምስኣተወት፡ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።