ጅግና ሲኤንኤን ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ኣብ መቐለ ዝተገበረላ ኣቀባብላ

ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሃን ሲኤንኤን፡ ንኢትዮጵያዊት ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና እዚ ዓመት ኢሉ ከምዝሸለማ ይፍለጥ።

ፍረወይኒ መብራህቱ፡ ወርሓዊ ጽግያት ክብሪ'ዩ ብምባል ዝሕጸብ መንዲል ንጽህና [ሞዴስ] ብምፍራይ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣማራጺ እተቕርበሉ ፋብሪካ ኣብ ከተማ መቐለ ከፊታ ኣብ ምስራሕ እትርከብ እያ።

ሓሙስ፡ ሽልማታ ሒዛ ናብ መቐለ ምስኣተወት፡ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።