እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ ግድብ ሕዳሰ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ምጅማሩ ተቓዊማ
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ፡ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ድሕሪ ምጅማሩ ንስምምዓት መትከል ዝጥሓሰ'ዩ ክብል ተቓዊሙ።
እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ግድብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ምጅማራ ምስ ግብጽን ሱዳንን ዝበጽሐቶም ስምምዓት ዝጥሕስ ከም ዝኾነ ኣብሪሁ።
እዚ ንዝሓለፉ 11 ዓመታት ንሰለስቲአን ሃገራት ከካትዕ ዝጸንሐ ግድብ ትማሊ ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጀመረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ 13 ተርባይነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ትማሊ እቲ ሓደ 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከመንጩ ከም ዝጀመረ ተሓቢሩ።
ኩሎም ተርባይናት ናብ ስራሕ ምስተሰጋገሩ ኢትዮጵያ 5 ሽሕን 150 ሜጋዋት ከተመንጩ ትጽቢት ይግበር።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ግብጺ ቐዳማይን ካልኣይን ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኮነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው "በይንኣዊ" ክብል ነቒፉ ኣሎ።
" . . . እዚ ውሳነ ኢትዮጵያ ብቐዳማይ ሚኒስትራ ኣቢላ ብ2007 ዝፈረመቶም ስምምዓት መትከል መሰረት ገይሩ ዝተዋህባ ግቡእ ከም ዝጥሓሰት ግብጺ ተረጋግጽ" ይብል።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብሸነኽ ሱዳን ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ሰለስቲአን ሃገራት ኣጠቓቕማ ሩባ ኒል መሰረት ብምግባር ብ2015 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ሓሙሽተ መትከላት ሓበራዊ ስምምዕ ዝፈረማ ኮይነን፡ እዞም ስምምዓት ምትሕብባር፣ ዓብዪ ጉድኣት ዘይምብጻሕን ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥን ዝብሉ ዝሓዙ'ዮም።
በዚ መሰረት ኣብ ዙርያ ምምላእን ኦፕሬሽንን እቲ ግድብ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ እንተሃልዩ ኣብ ሰናይ መትከል ተደሪኹ ብዘተ ወይ ድርድር ይፍታሕ ይብል።
እንተኾነ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ክሰማምዓ ብዘይምኽኣለን እቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲደንኦ እየን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ምምንጫው ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ግድብ ከጀምር እንከሎ "ድልየት ኢትዮጵያ ሓይሊ ብምምንጫው ንጎረባብቲ ሃገራት ምጥቃም፣ እቲ ማይ'ውን ናብ ግብጽን ሱዳንን ምልኣኽ ኣይኮነን" ዝበለ ኮይኑ "60 ሚኢታዊት ድልየት ኢትዮጵያ ነቲ ብጸልማት ዝሳቐ፣ ዕንጸይቲ ተሰኪመን ጽዓት ዝፈጥራ ኣዴታት ምሕጋዝን ካብ ድኽነት ምውጻእን'ዩ" ኢሉ።