ዲቪ ሎተሪ፡ ዲቪ ዝበጸሖም ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ንመንግስቲ ኣመሪካ ከሲሶም

ዲቪ በጺሕዎም ናብ ኣመሪካ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ዝደንጎዮም ኢትጵያውያንን ሱዳናውያንን ንመንግስቲ ኣመሪካ ከሲሶም።

እቶም 12 ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን፡ ኣብ 2022 ናይ ኣመሪካ 'ሎተሪ ዳይቨርሲቲ ቪዛ' ተዓወትቲ እኳ እንተኾኑ ናብ ኣመሪካ ዘእትዎም ናይ ጉዕዞን መንበርን ፍቓድ ክረኽቡ ግን ኣይከኣሉን።

ከሳሲ 'ተስፋዬ' ን ተኸሳሲ 'ብሊንከን'ን ኣብ ዝብል ብዝተኸፈተ ናይ ክሲ መዝገብ፡ ቪዛ ዝረኽቡሉ ከይዲ ካብተን ኣገልግሎት ምሃብ ደው ኣቢለን ዘለዋ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካርቱምን ዝርከባ ኤምባሲታት ወጻኢ ከይሳለጥ ካብ ሕጊ ወጻእ ተኸልኪልና ክብሉ ከሲሶም።

እተን ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከባ ኤምባሲታት ስሩዕ ኣግለግሎት ቪዛ ምሃብ ኣይጀመራን።

ብመሰረት ሕጊ ፍልሰት ኣመሪካ ተዓወትቲ ዲቪ ሎተሪ ዝኾኑ ሰባት ናይ ቤት ፍርዲ ተቓውሞ እንተዘይሃልዩ ቅድሚ እቲ ከይዲ ዝዛመሉ መዓልቲ 30 መስከረም 2020 ንቃለ መሕተት ክቐርቡ ይግባእ ነይሩ።

ነቶም ከሰስቲ ወኪሉ ዝከራኸር ከርቲስ ሊ ሞሪሰን "30 መስከረም ቪዛ እንድሕር ዘይተዋሂብዎም፡ ንሳቶምን (እቶም ከሰስትን) ኣመሪካን ወርቃዊ ዕድል ክስእኑ እዮም" ኢሉ።

ብተወሳኺ ምምሕዳር ባይደን ንጉዳያት ዲቪ ቀዳምነት ምሃብ ከምዝገደፎ እቲ ወኪል ገሊጹ።

ካልእ ነቶም ስድራቤታት ዘማኽር ራፋኤል ኡረና ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ድማ ምምሕዳር ባይደን ዋላኳ ቃል እንተኣተወ፡ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብፍላይ ንኣመልከትቲ ዲቪ ቃሉ ኣይኽበረን ኢሉ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዒራቓውያን ተዓወትቲ ዲቪ ክሲ ኣቕሪቦም ዝነበሩ ኮይኖም ቃለ መሕተት ዘካይዱሉ ቦታ ምስተቐየረሎም ግን ነቲ ክሲ ኣቋሪጾምዎ እዮም።

"ዳይቨርሲቲ ኢሚግራንት ቪዛ' ዓመታዊ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝገብር ኮይኑ ኣፍሪቃውያንን ጸለምቲ ስደተኛታትን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዘኽእል ዝዓበየ ዕድል ምዃኑ ይፍለጥ።