ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኢትዮጵያዊ ዮናታን ኣካሉ

ዮናታን ኣካሉ ብ2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዲቪ ሎተሪ በፂሕዎ ናብ ኣሜሪካ ምስከደ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኮይኑ ይርከብ።

"ግዜ ቁልዕነተይ ፅቡቕ ኢለ ክገልፆ ብዝኽእል ኩነታት ሓሊፉ" ዝብል ዮናታን፡ ፈታዊ ፀዋታ ብምንባሩ ብዙሓት የዕሩኽ ከምዝነበርዎ ይዛረብ።

ሕልሚ ቁልዕነት

"እዚ ክኸውን'የ እናበልኩ ኣብ ሓደ ነገር ጥራሕ ዘድሃብኩሉ ድልየት ኣይነበረን" ክብል ብዛዕባ ኣብ ግዜ ቁልዕነት ዝህሉ ሕልሚ ይዝክር። ኣብ ሓደ ዝሃድእ ድልየት ኣይነበሮን።

"ናብ ሕክምና ክኸይድ ከለኹ ዶክተር ክኸውን እምነ፤ ነፋሪት ኣብ ዝርእየሉ ግዜ ፓይለት ምዃን እምነ" ይብል።

ኣብቲ ሽዑ እዋን ድልየትን ፀቕጥን ወለዲ ስለዝሓየለ ናብ ትምህርቱ ከድህብ ኪኢሉ። ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ውፅኢት ስለ ዝረኸበ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣትዩ ኣብ 2009 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ብመካኒካል ምህንድስና ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ።

"ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፅቡቕ ኣብ ዝበሃል ውፅኢት ነይሩኒ። ካብቶም ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ተምሃሮ'ኳ እንተዘይነበርኩ፡ ዝሓሸ ዝበሃል ውፅኢት ረኺበ ተመሪቐ" ይብል።

ዘይተሓሰበ ኣጋጣሚ

ዮናታን ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ካብ ሃገሩ ንኽወፅእ ንሓደ መዓልቲ'ውን ሓሳብን ድልየትን ኣይነበሮን። ይኹን ደኣ'ምበር ሓደ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።

በብዓመቱ ካብ ኣሜሪካ ዝወሃብ ዕድል ዲቪ ሎተሪ በፂሕዎ። በቲ ዕድል ተጠቒሙ ናብታ ሃገር ክኣቱ ድልየት ስለዘይነበሮ ግን ተገዲሱ ኣየመልከተን። ከመይ ደኣ ነቲ ዕድል ረኺቡ?

"ካሕሳይ ሃይለ ዝበሃል ዝፈትዎን ዘኽብሮን ዓርከይ፡ ንበዓሉ ዲቪ ከመልክት ከሎ ናተይ'ውን እውን መሊእዎ።" ክብል ነቲ ኩነታት ይዝክር።

ዮናታን ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ድልየት መሓዝኡ ሰሚሩ ዕድል ዲቪ ሎተሪ በፅሖ። ብ2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ድማ ጉዕዞ ናብ ኣሜሪካ ኮይኑ።

"ናብ ኣሜሪካ ከይደ ዝኣተኹላ ከተማ ኣትላንታ ትበሃል። ቀረባ ዝበሃል ሓው፣ ሓፍቲ ወይ ድማ ወላዲ ኣብኡ ስለዘይነበረኒ ቁሩብ ከቢዱኒ ነይሩ" ይብል።

ይኹን ደኣ'ምበር ዝፈተዎን ዝፀልኦን ነገራት ነይርዎ። ናይቲ ህዝቢ ደረጃ ስልጣነ ከም ዝሰሓቦን ከም ዘሕጎሶን ዝዛረብ ዮናታን፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዝነበሮ ስጡም ማሕበራዊ ርክብ ኣብኡ ክረኽቦ ዘይምኽኣሉ ግን ሕጉስ ኣይገበሮን።

"ብሕታውነት ስለ ዝብርትዓካ ህይወት ቀሊል ኣይኮነን። ዕድላት ዘለዎ ሃገር ስለዝኾነ ግን ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ምብፃሕ ይከኣል እዩ" ይብል።

ምስ ሓትንኡ ናብራ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ስራሕ ዝረኽበሉ ዕድል ክፍጠር ይምነ ነይሩ። ቁሩብ ምስ ፀንሐ ዝረኸቦ ዕድል ስራሕ ኣብ ሓደ 'ሱፐር ማርኬት' እዩ። በዚ ክቕፅል ግን ኣይደለየን። ሕጉስ እውን ኣይነበረን።

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ

በቲ ይሰርሖ ዝነበረ ስራሕ ሕጉስ ዘይነበረ ዮናታን ካልኦት ዝሓሹ ዕድላት ምምዕዳዉ ኣይገደፈን። ሽዑ ሓደ ምልክታ ክቃላሕ ሰሚዑ። ናብ ሓይሊ ባሕሪ ክፅምበር ንዝደልዩ ፃውዒት ዘቕርብ ምልክታ'ዩ ወፂኡ።

"ከም ኣጋጣሚ እቲ ዝምልምል ሰብ ናብቲ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ ስለ ዝመፀ ሓትነይ ሒዛትኒ ከይዳ" ዝብል ዮናታን ዜግነት እታ ሃገር 'ኣለካ'ዶ?' ዝብል ሕቶ ከም ዝቐረበሉ ይዝክር።

በቲ ሽዑ እዋን ኣሜሪካዊ ዜግነት ስለዘይነበሮ፡ ብዲቪ ሎተሪ ናብታ ሃገር ስለዝኣተወ ግን መንበሪ ፍቓድ ማለት 'ግሪን ካርድ' ኣቕሪበሉ። በቲ መንበሪ ፍቓድ ክምዝገብ ከም ዝኽእል ስለ ዝተገለፀሉ ድማ ተመዝጊቡ።

"መእተዊ ፈተና ስለዝነበሮ ናይ መጀመርያ ፈተና ወሲደ፤ ናብ ካልኣይ ፈተና ስለዝሓለፍኩ እቲ ዝምልምል ሰብ ናብ ካልእ ቦታ ወሲዱ ክፍተን ገይሩኒ" ክብል ነቲ ይዛረብ።

ኣብቲ ካልኣይ ፈተና'ውን ዝሓለፈ ዮናታን ንሓሙሽተ ዓመታት ንኽፍርም ዕድል ምስ ቀረበሉ ፈሪሙ።

ኣብቲ ፈለማ ነቲ ስራሕ ንምልማድ ተፀጊሙ ነይሩ። ቋንቋን ሓድሽነት እቲ ስራሕን ፈተናታት ኮንዎ። ግዜ እናወሰደ ምስ ከደ ግን ነቲ ስራሕን ህይወት ኣባልነት ሓይሊ ባሕርን ክለምድ ኪኢሉ።

"ንውፅኢት ፈተናኻን ዝንባለታትካን ብምርኣይ ናብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ስራሕ ስለ ዝምድቡኻ፡ ኣነ ድማ ኣብ ክፍሊ ምህንድስና ብሞያ ኤሌክትሪ ተመዲበ" ይብል። ፒት ኦፊሰር (ሰከንድ ክላስ) ኮይኑ ስርሑ ቀፂሉ።

ፒት ኦፊሰር ዮናታን፡ 'ኣብ ግዜ ቁልዕነትካ ኣባል ሓይሊ ክኸውን እየ ዝብል ሕልሚ ነይሩካ'ዶ ይኸውን?' ዝብል ሕቶ ኣልዒልናሉ ነይርና።

"ከምኡ ዓይነት ድልየት ኣይነበረንን። ምኽንያቱ ከምቲ ዝፍለጥ ባሕሪ ኣብ ዘይብላ ሃገር ኮይንካ ናብኡ ክትሓስብን ድልየት ክሓድረካእ ኣይክእልን" ዝብል መልሲ ሂቡና።

ብዙሓት ኣፍሪቃውያን፡ ብፍላይ ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሃገራት ናይጀርያ፣ ካሜሩን፣ ጋና ዝመፁ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ከም ዘለዉ ይዛረብ። ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ቦታ ግን ብዙሓት ኢትዯጵያውያንን ኤርትራውያንን የለዉን።

"ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝነበረርኩሉ እዋን ሰለስተ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ረኺበለኹ። ኣብ ካልኦት ቦታታት ግን ከም ዘለዉ ሰሚዐ ኣለኹ" ዝብል ዮናታን፡ ፀዓዱ ኣሜሪካውያን ንኣፍሪቃውያን ኣባላት ብፅቡቕ ከም ዝርእይዎም ይዛረብ።

120 መዓልታት ኣብ ባሕሪ

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝመፁ ዜጋታት ብኣባልነት ስለዝሓቁፍ፡ ኣብ መንጎኦም ፅቡቕ ሰነያ፣ ፍቕርን ንክእኣልን ኣሎ። መዓልቲ ኣፍሪቃ፣ ኤስያ፣ ስፓኒሽ እናተበሃለ ናይ ኩሎም በዓላት ይኽበር፤ ሓቢሮም ድማ የብዕልዎ።

እታ ንሱ ዝሰርሐላ መርከብ መዋፈሪት ስለዝኾነት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም በፂሑ እዩ።

ንግዝኣታት ኣሜሪካ ሓዊሱ፤ ካብ ፓናማ ካናል ክሳብ ሃዋይ፣ ካብ ጉዋም ክሳብ ጃፓን፣ ካብ ኮርያ ክሳብ ቻይና ('የለው ሲ')፣ ካብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ክሳብ ኣወስትራልያ፣ ካብ ደሴት ሰሎሞን ክሳብ ሲንጋፑር፡ ብሓፈሻ ናብ 15 ዝኣኽሉ ማያዊ ኣካላት በፂሑ።

ፒት ኦፊሰር ዮናታን ንሓሙሽተ ዓመታት ስለዝፈረመ ገና ብአባልነቱ ክቕፅል'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ብሙሉእ ሓላፍነት ስርሑ ኣይኮነን ክቕፅል። ናይዚ ምኽንያት ድማ ትምህርቲ እዩ።

"ሕዚ ናብ ተጠባባቕነት ክኸይድ ወሲነ ኣለኹ። ካልኣይ ንኽፍርም ኣቕሪቦምለይ ነይሮም ኣነ ግና ኣይፈረምኩን። ዕድመ ከይከደ ትምህርቲ ክቕፅል ስለዝደለኹ ንትምህርቲ ቀዳምነት ሂበለኹ" ክብል ሓቢሩልና።

እቲ ዕድል ትምህርቲ ዝረኸቦ ካብቲ ሓይሊ ባሕሪ እዩ። ብተጠባባቕነት ኣብ ዝቕፅለሉ እዋን፡ ንትምህርቱ እናተኸታተለ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ግዜ ተፀዊዑ ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ከገልግል ግድን እዩ። ስልጠናታት ኣብ ዝህሉ'ውን ተመሊሱ ይኣቱ።

መዓርጉን ሓላፍነት ስርሑን ብዝነበሮ እዩ ዝቕፅል። ትምህርቱ ምስ ወደአ ግን ተመሊሱ ናይ ምፍራም ሓሳብ ኣለዎ።

ዮናታን ነቲ ሞያ ፈታኒ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ እዩ ዝዛረብ። "ነቲ ናይ ባሕሪ ህይወት ከቢድ እዩ። ውትህድርና ክድረቦ ከሎ ድማ ብዝበለፀ ይኸብድ" ይብል።

ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ከቢድ ህይወት ከም ዘሕለፈ፡ ብኸይዲ ግዜ ግን እናለመዶ ስለ ዝመፀ ስርሐይ ኢሉ ከም ዝሓዞን ይዛረብ።

ካብ 90 ክሳብ 100 መዓልታት ኣብ ባሕሪ ክፅንሑ ዝተለመደ እዩ። "እንተዘይ ተጋግየ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ባሕሪ ዝፀናሕኩሉ ግዜ 120 መዓልታት ይመስለኒ"

ጉዳይ ሓዳርን ሃገርን

ፒቲ ኦፊሰር ዮናታን ናብ ኣሜሪካ ካብ ዝኸይድ ሽድሽተ ዓመታት መሊእዎ'ሎ። ኣብ መንጎ ግን ሰለስተ ግዜ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ነይሩ።

ኣብታ ናይ መጀመርታ ጉዕዞ ቤተሰብ ንምሕታትን ዓዲ ንምርኣይን'ዩ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ። ኣብ ካልአይቲ መገሽኡ ድማ ሕፀ ገይሩ። ኣብ ሳልሳይ ጉዕዞ ዝተወለደት ጓሉ ንምርኣይ ተመሊሱ።

ኣብተን ናብ ኢትዮጵያ ዝተመላለሰለን እዋናት ንኹነታት ሃገሩ ተዓዚቡ እዩ። ለውጥታት እንተሃለወ'ኳ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ነታ ሃገር ናብ ድሕሪት ክመልሳ ከም ዝኽእል ስግኣቱ ይገልፅ።

ንወለዶታት ዕድል ናይ ዘይምሃብ ፀገም፡ መንቀሊ ብዙሓት ጎንፅታት ይኸውን ከም ዘሎ የረድእ። ነዚ ምስቲ ኣብ ዝሰርሓሉ ሓይሊ ባሕሪ ዘሎ ሓደ ተሞክሮ የተሓሕዞ።

"ኣብዚ ሓደ ፅቡቕ ተሞክሮ ኣሎ። 'ፎርስ ሪታየር' ዝበሃል መስርሕ እቲ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ቦታ ዝለቀሉ ኣካይዳ እዩ።" ክብል ይሕብር።

"ንሱ ዝሓለፈሉን ዝተረብሓሉን መገዲ እቲ ሓድሽ ወለዶ'ውን ክበፅሓሉ ኣለዎ፤ ዕድል ንምሃብ ብዝብል ናብ ካልእ ክሰግሩ ወይ ክወፁ ይግበር"

እዚ ተሞክሮ ናብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ክተኣታቶ ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ ናብ ፖለቲካዊ መዝነት መናእሰይ ብምምፃእ መፃኢ ዕድሎም በዓልቶም ዝውስኑሉ ኩነታት ክፍጠር ከም ዘለዎ ይገልፅ።